banner

አንቲ ውእቱ ታቦት ዘኖኅ

"አንቲ ውእቱ ታቦት ዘኖኅ"

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ሎሚ ዓመት ብ16 የካቲት 2009 ዓ.ም. ኣብ ኵለን ኦርቶዳክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ኣብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ሰምበል፣ ኣብ ኤርፖርት ኪዳነ ምሕረትን፡ ኣብ ማይ ጻድቃን ኪዳነ ምሕረት ማይ ጭሆት ብድምቕ ዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።

 

ኣብ ኤርፓርት ኪዳነ ምሕረት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣማኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ መዘምራን ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን በረከት ኪዳን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣከባብራ እቲ በዓል ከምቲ ልሙድ ውሉደ ክህነት መዘምራንን ካብ ዋዜማ ክሳዕ ዕለቱ ብጸሎትን ብማኅሌትን ምእማናን ከኣ ብጸሎትን ምህልላን ቃል እግዚአብሔር ብምስማዕን ምስ ኃደሩ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ ኣብጺሖም።

ድኅር ጸሎተ ቅዳሴ ታቦት ካብ መንበሩ ብዓቢይ ክብሪ ወፂኡ ሠለስተ ሳዕ ምስ ዖደ፡ ብሊቃውንት መዘምራን ነቲ በዓል ዝምልከት “አንቲ ውእቲ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እም ገነት” ዝብል ጣዕመ ዜማ ኣስምዑ። ብመሪጌታ ስምዖን በየነ ሰባኪ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ “አንቲ ውእቲ ታቦት ዘኖኅ በዘባቲ ድኅነ እም እኩይ አይኅ” ብዝብል ኣርእስቲ ትምህርቲ ተዋሂቡ። መሪጌታ ስምዖን ኣብ ትምህርቱ “ኖኅ መርከብ ሠሪሑ ካብቲ ዝተኣዘዘ ቍጥዐ እግዚአብሔር ከም ዝደኃነ፡ ኣብታ ኣማናዊት መርከብ ኖኅ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቃል ኪዳናን ኣማላድነታን ዝጸንዐ ካብ መናፍቅነትን ካብ መከራ እዚ ዓለም እዚ ይድኅን ምስ በለ። እቶም ኣብ ውሽጥ መርከብ ተዓቝቦም ካብ ማይ ኣይኂ ዝደኃኑ በቶም ኣማላድነታን ኪዳናን ዝምሕጸኑን ዝኣምኑን ክምሰሉ ከለዉ፡ እቶም ብማይ ኣይኂ ዝጠፍኡ ድማ በቶም ብኣማላድነታን ኪዳናን ዘይኣይምኑ ይምሰሉ፡ ስለዚ ብሃይማኖትን ምግባርን ጸኒዕና ሰኣሊ ለነ እናበልና ክነብር ይግባእ።” ኢሉ ዓሚቕ ጥቅሚ ኪዳን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣረዲኡ።

ቀጺሉ ኣብ ትምህርቱ “እዚ ዕለት እዚ በዓለ ዕረፍት ቅድስት ኤልሳቤጥ እዩ። ብምባል ሰፊሕ ታሪኽ ቅድስት ኤልሳቤጥ ምስ ገለጸ፣ “ቅድስት ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ሰምዐት መንፈስ ቅዱስ መሊእዋ ንቅድስት ድንግል ከተመስግን በቕዐት፡ ስለዚ ብኪዳና ዝእመንን ስለ ክብራ ዘመስግንን መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ እዩ” ብምባል ንልብ ዝምስጥ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ቃለ ብራኬ ምስ ተዋህበ ፡ “ሰላመ አብ” ተባሂሉ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195