banner

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም ንምብጋስ ድልዋት ኮይኖም!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም ንምብጋስ ድልዋት ኮይኖም!

ዓመታዊ ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቶያን ኤርትራ ተማእኪሉን ተወዲቡን ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ሎሚ ዓመት’ውን ነጋድያን በብሃገረ ስብከቶም ድኅሪ ዝተኻየደ ምዝገባን ዕጫን ከምኡ’ውን ቕጥዕታት ምምላእን ገንዘብ ምኽፋልን ዘድሊ መንፈሳዊ ኣኼባታት . . . ካብ ወርሒ ነሓሰ 2008 ዓ.ም. ጀሚሩ ክኻየድ ዝጸንሐ ኵሉ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ።

ንነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ናይ መወዳእታ መምርሒ ንምሃብ ከምኡ ድማ ዕለት ምብጋስን ካልእ ዘድሊ ሓበሬታን ዝምልከት ናይ መወዳእታ ኣኼባ ንሰኑይ ዕለት 02 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም. (10/04/ 2017 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክካየድ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ሓቢሩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ታሪኽ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንመጀመርታ ጊዜ፡ ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ብዝኆም ልዕሊ 614 ክብ ኢሉ ኣሎ።
ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ናብ ረቡዕ 4 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም. (27/04/2016 ዓ.ም.ፈ) ዘውግሕ ለይቲ ናብ ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ብፍሉያት ክልተ ነፈርቲ ኪጓዓዙ እዮም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195