banner

ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘውጽኦ ሥርዓተ ኖሎት ብዝምልከት ጉባኤ ተኻይዱ!

ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘውፅኦ ሥርዓተ ኖሎት ብዝምልከት ጉባኤ ተኻይዱ!

ኣብ ኣሥመራ ሃገረ ስብከት ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘውፅኦ ሥርዓተ ኖሎት ብዝምልከት ሥራሕ ብዕለት 27 መጋቢት 2009 ዓ.ም. (02 መጋቢት 2017 ዓ.ም.ፈ) ጉባኤ ተኻይዱ።
ኣብቲ ጉባኤ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ መራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ናይ 24 ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሥመራ ኣመኃደርትን ኣብ ምዝገባ ምእመናን ምእመናትን ሕዝበ ክርስትያን ዝዋፈሩ ካህናትን ዲያቆናትን ተሳቲፎም ነይሮም።


ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ ኃላፊ ክፍሊ ኣገልግሎተ ካህናት ዘመንበረ ፓትርያርክ ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተጸኒዑን ተወሲኑን ንትግባረ ተላኢኹ ዘሎ መምርሒ ሥርዓተ ኖሎት ሓደ ብሓደ ብዝርዝር ገሊጾምን መብርሂ ሂቦምን። ቀጺሎም ጓሳን መጓስን ንምኅያል ቅድም ቀዳድም ምምኅዳር ሰበኻ ጉባኤ ኣብ ክልሉ ዝርከቡ ምእመናን ወምእመናት ብንጹር መዝጊቡ ክኅዝ ስለዝግባእ ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት መመዝገቢ ቅጽዒ ኣዳልዩ ከምዘሎ ሓቢሮም። ንኣመላልኣኡ ብዝምልከት ድማ መግለጺ ሂቦም። እቲ ቅጥዒ ብጹፉፍ እናተመልአ ናብ ሰበኻ ጉባኤ ከቐርብን ዝምደቡ መዝገብቲ ብቕዓት ዘለዎም ክኾኑ ከም ዝግባእን ኣዘኻኺሮም።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ጓሳን መጓስን ከምቲ ዝድለ ከይተራኸቡ ብምጽንሖም መጓሰና ብተዃሉ መናፍቓን ተሓድሶአውያን ክምንጠሉ ከምዝጸንሐን በዚ ወፂኡ ዘሎ ሓድሽ ሥርዓተ ኖሎት ብፍላይ ድማ ዝኾነ ይኹን ኣማኒ ኣብ ክልሉ ኣብ ትርከብ ቤተ ክርስቲያን ክግልገልን ብኣገልገልቲ ናይታ ክልል ቤተ ክርስቲያን መጓሰ (አበ ንስሓ) ከምዝራኸብ ምግባር ተባሂሉ ተወሲኑ ዘሎ፡ ኣመንቲ ዝግባእ ኣገልግሎት ኪረኽቡን ብቐረባ ንምክትታል ክጥዕምን ዝተገብረ ስለዝኾነ ንቅዱስ ሲኖዶስ እናመስገንና፡ እዚ ዝተባህለ መምርሒ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ኣብ ኣፈጻጽማ ዕቱብ ምክትታል ክግበር ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ለበዋኦም ኣስሚዖም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195