banner

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መግለጺ ኃዘን ናብ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ልኢኻ!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መግለጺ ኃዘን ናብ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ልኢኻ!

ብዕለት 01 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም. (09/04/2017 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ መዓልቲ በዓለ ሆሳዕና፣ ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተሰምዓ ልባዊ ኃዘን ብምግላጽ፣ ናይ መጸናንዒ ደብዳበ ልኢኻ።

“… ንነፍስ ወከፎም ድማ ፃዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፣ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብፆቶም ባሮትን ኣኅዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዓርፉ ተባህለሎም” (ራእ. 6፥11) ንዝብል ኃይለ ቃል መሠረት ኣብ ዝገበረ ናይ መጸናንዒ ደብዳበ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነቶም ዝዓረፉ ዕረፍቲ ነፍሲ ሂቡ ዘለዓለማዊ መንግሥቱ ከውርሶም፣ ነቶም ዝቈሰሉ’ውን ሕውየት፣ ንቤተ ሰብን ፈተውትን ግዳያት ድማ ምጽንናዕ ክህቦም ጸሎታ ከም እተብጽሕ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ብጸሎት ኣብ ጐኒ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያንን ግዳያትን ኅዙናንን ከም እትኸውን ኣረጋጊጻ።

ኣብ መወዳእታ’ውን ነቲ “እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት ጐይታ ኢየሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ ትዕግሥቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፣ ካብ ሰማይ ከኣ ጽሓፍ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታን ብፁዓን እዮም” (ራእ. 14፥13) ዝብል እሙን ቃል ጐይታ ብምጥቃስ፣ ተስፋ ክርስቲያን ምድራዊ ዘይኮነስ ሰማያዊ፡ ሥጋዊ ዘይኮነስ መንፈሳዊ እዩ እሞ ንዅሎም ሥድራ ቤትን ፈተውትን ምጽንናዕ ክህቦም ብምግላጽ መልእኽታ ዛዚማ።

ከምዝፍለጥ፡ በዚ ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕታት፡ ኣብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን (ታንታ) 27 ክሞቱ ከለዉ 71 ከኣ ቈሲሎም፡ ብተመሳሳሊ’ውን ኣብቲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ቴዎድሮስ ዝነበርዎ ቅዱስ ማርቆስ ቤተ ክርስቲያን (እስክንድርያ) ድማ 17 ክሞቱ ከለዉ 35 ከኣ ቈሲሎም።

ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ብዙኅ እዋናት ዝፍጸም እኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም. ( ታኅሣሥ 2017 ዓ.ም.ፈ.) 25 ምእመናን ዝቐተለን ብዙኃት ዘቝሰለን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ውን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መልእኽቲ ኃዘን ከምዝለኣኸትን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ከኣ ናይ ምስጋና መልሲ ከም ዝመለሰትን ዝዝከር እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195