banner

ሥነ ሥርዓት ጸሎተ ፍትሓትን ምፍናው ሬሳን ጳጳስ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ማርቆስ ኣብ ከተማ ሎንደን ተፈጺሙ!

ሥነ ሥርዓት ጸሎተ ፍትሓትን ምፍናው ሬሳን ጳጳስ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ማርቆስ ኣብ ከተማ ሎንደን ተፈጺሙ!

ሥነ ሥርዓት ፍትሓትን ምፍናው ሬሳን ጳጳስብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ማርቆስ ረቡዕ 19 ሚያዝያ 2017 ኣብ ከተማ ሎንደን ዝተፈላለዩ ዕዱማት፡ ብፁዕ አቡነ ኣንጌሎስ ናይ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ጳጳስ፡ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሊቀ ጳጳስ፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃ/ማርያም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን፡ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ዝመጹ ቆሞስ፥ ካብ ዝተፈላለያ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲ፥ ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ሥርዓት ተፈጺሙ።

ብመሠረት ዝወፀ መርሐ ግብር ኣብታ ብፁዕ ኣቦና አቡነ ማርቆስ ካብ ዝመሥረትወን ኣብያተ ክርስቲያን ሓንቲ ዝኾነት ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤልን አቡነ አረጋዊን ካብ ሰዓት 3 ወጋሕታ ስብሐተ እግዚአብሔርን ሥርዓተ ቅዳሴን ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ካህናትን  ምስ ተፈጸመ፡ ሬሳ ብፁዕ ኣቦና አቡነ ማርቆስ ብብርክት ዝበሉ ለባስያን ውሉደ ክህነት ተሰንዩ ናብቲ ንዕዱማት ከአንግድ ተዳልዩ ዝነበረ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ምስ በጽሐ ድማ ሥነ ሥርዓት ጸሎተ ፍትሓትን ምፍናው ሬሳን ብብፁዓን ኣቦታትን ሊቃውንትን ካህናትን ምእመናን ብምግባር እቲ መርሐ ግብር ተፈጸመ ። 

ኣብ ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ንምስታፍ ድማ፡ ካብ ካህናት፡ ኣባላት ሰበካ ጉባኤ፡ ኣባላት ፈለገ ሰላም ቤት ትምህርት ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ዝርከብዎም ልኡኻት ሬሳ ኣሰንዮም ናብ ኤርትራ ተጓዒዞም ኣለዉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195