banner

ክብረ በዓል ልደት ኣቡነ ቡሩክ ኣብ ገዳም ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ልደት ኣቡነ ቡሩክ ኣብ ገዳም ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ክብረ በዓል ልደት ኣቡነ ቡሩክ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ገዳም ደብረ ኮል ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ብዓቢይ ክብሪ ተብዕሎ። ከምቲ ዝፍለጥ ሓደ ግንቦት ልደት እግዚእትነ ማርያም ብምዃኑ ኣብያተ ክርስቲያን ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ዝበዓል ዓቢይ በዓል እዩ። ገዳም ኣቡነ ብሩክ ከኣ ምስ እዚ ክቡር በዓል ጸንቢራ ንክብረ በዓል ልደት ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ መሥራቲ ናይዚ ገዳም ዝኾኑ ብኽብሪ ተብዕሎ።


ከም ልሙድ ብድሮ በቶም ካብ ቀረባን ርሑቕን ነዚ ክቡር በዓል ንምስታፍ ዝመጹ ገዳማውያን ኣቦታትን ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ሥርዓተ ዋዜማ ምስ በጽሐ፣ ካብ ምሸት ሰዓት 9፡00 ኣትኂዞም ስብሐተ ማኅሌት ክበጽሕ ምስ ኃደረ፡ ንግሆ ሰዓት 7፡00 ቅ.ቀ ጸሎተ ቅዳሴ ብገዳማውያን ኣቦታት በጽሐ። ሠለስተ ሳዕ ዑደተ ታቦት ተገይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት ነቲ በዓል ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖምን ኣሸብሺቦምን። ብምቕጻል ቀሲስ ኣብርሃም ታሪኽ ኣቡነ ቡሩኽ መሠረት ገይሮም ሰቢኾም። ቀሲስ ኣብርሃም ኣብ ትምህርቶም፦ “ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ብፍቃደ እግዚአብሔር ከም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዕለት 7 ነሓሴ ተፀኒሶም ባሕቲ ግንቦት ተወሊዶም። ናብ ምድረ ኣግዓዚ ዓድና ወዲ ሾብዓተ ዓመት ብመሪሕነት ቅዱስ ሚካኤል ምስ መጽኡ፡ ኣብ ደብረ ማርያም ምስ ኣቡነ ኣብሳዲ ን62 ዓመታት ብፍጹም ተጋድሎ ጸንሑ። ብድኅር’ዚ ናብዚ ገዳም እዚ መጺኦም ገዳም መሥሪቶም ቤተ ክርስቲያን ሓኒፆም ን63 ዓመት ጽኑዕ ተጋድሎ ምስ ተጋደሉ ኣብ ዘመኑ ብዝነበሩ ዓላውያን ሸፋቱ ብሰማዕትነት ኃለፉ። ካብቲ ጐድኒ ናይዞም ቅዱስ ኣቦ ዝወፀ ማየ ጸበል ማይ ሕይወት ክሳዕ ሎሚ ዝተፈላለየ ሕሙማት እናፈወሰ ክብሮም ይገልጽ ኣሎ። ስለዚ ሎሚ እዚ ተኣኪብና ነብዕሎ ዘሎና ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኣቡነ ቡሩክ ኣምላክ እዩ እሞ በረኸቶም ምስ ኵልና ይኩን” ብምባል መሃሩ። ብምቕጻል ብኣበምኔት ገዳም ጸሎተ ቡራኬን “ሰላመ አብን” ምስ ተባህለ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195