banner

ሓድነታዊ ጉባኤ ኃሙሽተ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ኣብ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኻዪዱ!

ሓድነታዊ ጉባኤ ኃሙሽተ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ኣብ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኻዪዱ!
ሰንበት 13 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ግ. ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ሕፃናትን መንእሰያትን ወለድን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ቲራቮሎ ሓድነታዊ ጉባኤ ኃሙሽተ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ማለት (መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን፣ መካነ ቅዱሳን አቡነ ፊልጶስ ቤተ ክርስቲያን፣ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን፣ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ደብረ ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን) ብልዑል መንፈሳዊ ድምቀት ተኻይዱ።

ብመሠረት መርሐ ግብር ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተጀመረ ብሕፃናት መዘምራን ሠለስተ መዛሙር፡ ‘ትንሣኤ ጐይታ ፡ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ክብሪ ቅዱሳንን ዝገልጹ ብተከታታሊ ቀሪቡ። ቀጺሉ መንፈሳዊ ተዋስኦ ‘‘ ኣብ ቤት ኣቦይዶ ክህሉ ከምዝግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም ’’ ሉቃ 2፡49 ዝብል ቃል መሠረት ብምግባር ኣብታ ብ40ን 80ን ተጠሚቕንና ጸጋ ውልድነት ዝረኸብናላ ቤተ ክርስቲያንና ንነብር ከምዝግብኣና ዘረድእ ቀሪቡ።

ድኅር’ዚ ብመጋቤ ሓዲስ ቀሲስ ጉርጃ ምስ ዘለናዮ ዘመነ ትንሣኤን ንቕድሜና እነኽብሮ በዓለ ዕርገትን ብዝምልከት ኣብ ግብረ ሓዋርያት 1፡4 ‘‘አዘዞሙ ኢይፃኡ እምኢየሩሳሌም አላ ይጽንሑ ተስፋሁ ለአብ’’ ዝብል ኣርእስቲ ብምግባር ደቂ ተዋሕዶ ምእመናንን ምእመናትን፡ መንእሰያትን ሕፃናትን ክሳዕ ዓስቢ መንግሥተ ሰማያት እንረክብ ኣብ ሃይማኖትናን ኣብ ዝተመሃርናዮን ክንጸንዕ ከምዝግባኣና ሰፊሕን እዋናውን ትምህርቲ ምሂሮም።

መንእሰያት መዘምራን ብወገኖም ሠለስተ መዛሙር ክዝምሩ ከለዉ፡ ዲያቆናት ድማ ግእዛዊ ወረብ ኣሸብሺቦም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ‘‘ ካብ ብዙኅ ዘረባ ኂደት ሠናይ ምግባር ይኃይሽ ’’ ብዝብል ኣርእስቲ መንእሰያት ኣብ ሃይማኖቶም ጸኒዖም ብሥነ ምግባር ክጸንዑን ንኻልኦት ሠናይ ኣርኣያ ክኾኑን ከምዝግባእ ዝገልጽ ሥነ ጽሑፍ ምስ ተነበ፡ ጸሎተ ምህላን አቡነ ዘበሰማያትን ተጸልዩ እቲ ጉባኤ ብሥርየት ተፈጺሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195