banner

በዓለ ደብረ ምጥማቅ ኣብ ደብረ ሲና ግንቦት 21 ተኸቢሩ ውዒሉ!

በዓለ ደብረ ምጥማቅ ኣብ ደብረ ሲና ግንቦት 21 ተኸቢሩ ውዒሉ!

ብመሠረት ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ካብ 21-25 ግንቦት በዓለ እግዝእትነ ማርያም ተባሂሉ ክኽበር ከሎ ብፍላይ ድማ 21 ግንቦት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ፡ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ድማ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዞባ ዓንሰባን ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

20 ግንቦት ካብ ሰዓት 1፡00 -3፡00 ድ.ቀ. ዋዜማ ምስ ተቖመ፡ ካብ ሰዓት 8፡00 ድ.ቀ. ናይ ምሸት ኣትኂዞም ድማ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ስብሓተ ማኅሌት ኽቖሙ ኸለዉ ኣዴታትን መንእሰያትን ብወገኖም ድማ ኣብ ወለንሳ ክማህለሉ ኃዲሮም። ወጋሕታ ሰዓት 6፡00 ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ኣብጽሑ፡ ብመንፈሳዊ ክብሪ ተዓጂቡ ታቦት ሠለስተ ሳዕ ዖይዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ደው በለ። መዘምራን ሊቃውንት ነቲ ዕለትን ክብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽን ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ነቲ ዕለት ዝምልከት ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቦም። ብፁዕ ኣቦና ኣብ ትምህርቶም “እዚ ሎሚ ተኣኪብና ነብዕሎ ዘሎና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ነቦታትና ቅዱሳን ኣብ ደብረ ምጥማቅ ዝተገለጸትሎም ስለዝኾነ እዩ። ኣዴና ኣብዚ ዘለናዮ ቦታ'ውን ንመሥራቲ እዚ ገዳም እዚ ዝኾኑ ኣባ ዮሓኒንነቦታትና ተስዓቱ ቅዱሳንን ተገሊጻትሎም ከም ዝባረኸቶምን ንዝተፈላለዩ ብድኅሪኦም ዝተላዕሉ ቅዱሳን ከም ዝተገለጸትሎም ታሪኽ ይነግረና። ከምኡ’ውን ንነገድቲ ሕዝብና ብፍላይ ነዴታትና ብተኣምራ ከም እትበጽሖም ተሳላሚ እዚ ገዳም እዚ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብቲ ብዝኂ ፍቅሩ ዝተላዕለ ንኣና ኣብዚ ዓድና ካብ 22 ንላዕሊ ገዳማትን ቅዱሳን ቦታታትን ሂቡና ኣብኦም ብምኻድ ተማሕጺና በረኸተ ሥጋን ነፍስን ክንረኽብ ኣዲሉና እዩ እሞ ነዚ ከነመስግን ይግባእ። ስለዚ ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ፈሊጥና ኣለሊና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይግባእ” ምስ በሉ፡ “ሓደ ሓደ ሰባት ግና ኣብዚ ዝርኸብ በረኸት ዘይኮነስ ሥጋዊ ሥራሖም ዝሠርሑ ናብዚ ቦታ እዚ ዝመጹ ኣለዉ ስለዚ ኣብዚ ቦታ ንሸቐጥ እትመጹ ዅልኹም ካብዚ ግብርኹም ተዓቐቡ፡” ኢሎም ቃለ ምዕዳን ምስ ኣስምዑ 'ሰላመ አብ' ተባሂሉ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195