banner

ተመረቕቲ ላዕለዎት ትካላት ኣካዳማያዊ ትምህርቲ ናይ 2009 ዓ.ም. ጉባኤ ኣካይዶም!

“እዚ ኾይነዮ ዘሎኹ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ኾይነዮ ዘሎኹ” 1ይ ቆሮ. 15፡ 10

ሰንበት 16 ሐምሌ 2009 ዓ.ም. ተመረቕቲ ላዕለዎት ትካላት ኣካዳማያዊ ትምህርቲ ናይ 2009 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ “እዚ ኾይነዮ ዘሎኹ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ኾይነዮ ዘሎኹ” 1ይ ቆሮ. 15፡ 10 ዝብል ቴማ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ኣካይዶም።

ብመሠረት መርሓ ግብር፡ ፡ ተመረቕትን ወለዲ ተመረቕትን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ምስ ተጋብኡ፦ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ጉባኤ ብጸሎት ጀሚሩ።


ተመረቕቲ ተመሃሮ ‘እቲ ንምክሖ ብእግዚአብሔር እዩ’ ዝብል መዝሙር ዘለዎ ሠለስተ መዛሙር ምስ ዘመሩ፡ ናይ ዕለት ትምህርቲ ብሰባኬ ወንጌል ኣብ ደብረ ኤፍራታ ልደታ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ቀሓውታ ዝኾኑ መምህር ኪዳነማርያም ነጋሲ ተዋሂቡ። 

መምህር ኪዳነማርያም ኣብ ትምህርቶም “ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ፧ ዝበሎ፡ ንሕና ድማ እቲ ዝተመሃርናዮ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ከርሕቐና ኣይግባእን። ዋላ እኳ ኒቆዲሞስ ብፍልጠት፡ ብሃብትን ብሽመትን ሊቆሙ ወመልአኮሙ ለአይሁድ እንተተባህለ ሰማያዊ ፍልጠት ንኽውስኽ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ለይተ ለይቲ እናኸደ ይመሃር ነበረ።በዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሥጋዊ ፍልጠቱ መንፈሳዊ ፍልጠት ወሰኸ። ንሕና ድማ ኣሰር አበው እንስዕብ ስለዝኾንና ነዚ ምድራዊ ፍልጠትና ናብ መንፈሳዊ ሕይወት ዘሰጋግር፡ ናብ ቤቱ ዘምርሕ፡ . . . ክኾነልና ይግባእ” ኢሎም።

ብድኅር’ዚ “ንትጋህ ከም ንህቢ” ዝብል ግጥሚ ምስ ተነበ፡ “ሰብ ብዅሉ ጻዕሩ እንተተዓወተ እዚ’ውን ፍቓድ እግዚአብሔር” ዝመልእኽቱ ደጊሞም ሠለስተ መዛሙር ዘሚሮም።
ሰዓት 5፡09 ድ.ቀ.፡ ኣብ ዝቐረበት መሃሪት መንፈሳዊ ተዋስኦ፡ ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ፈውስ፣ ቫይረስ - ኃጣውእ(ኣጋንንት)፣ መድኃኒት - ቃለ እግዚአብሔር፡ ጸሎትን ጾምን . . . ምዃኖም ተገሊጹ።
ብተመረቕቲ ዲያቆናት እናተመርሑ፡ “ ኵሉ ኮነ በፈቃደ እግዚአብሔር” እናበሉ ብያሬዳዊ ጣዕመ ዜማ ኣሸብሺቦም።

ኣብ መወዳእታ ብተወከልቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝኾኑ ኣቦታት ንዅሎም ተመረቕቲ ‘ማዕተብ መስቀል’ ከምኡ’ውን ቃለ ምዕዳን ተዋሂቡ። እቲ ጉባኤ ድማ ብጸሎት ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195