banner

ኃለፍትን ወከልትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ኣቡነ እንጦንዮስ በጺሖም!

ኃለፍትን ወከልትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ኣቡነ እንጦንዮስ በጺሖም!

“ናሁ ሠናይ ወናሁ አዳም ሶበ ይሄልዉ አኃው ኅቡረ/ ኣኅዋት ብሓደ ኽነብሩ ሠናይን ጽቡቕን እዩ” (መዝ. 133፡1)

ኃሙስ 20 ሐምሌ 2009 ዓ.ም. / 27 ሐምሌ 2017 ዓ.ም.ፈ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን ፣ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ዝተመርሑ ኃለፍቲ ክፍልታትን ወከልቲ ሠራሕተኛታትን መንበረ ፓትርያርክ ናብ መንበር ቤት ኣቡነ እንጦንዮስ ብምኻድ ናይ መንፈሳዊ ሰላምታን እክለ ማይን መደብ ኣካይዶም።

እቲ መደብ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ፡ ኃላፊ ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ንዅሎም ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ ወኪሎም፡ “እንቋዕ ገጽ ንገጽ ኣረኣኣየና” ዝመልእክቱ ቃል ምስ ኣስምዑ፡ ንኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ኵሎም’ቶም ኣብቲ መንበረ ቤቶም ዝተረኽቡ ሠራሕተኛታት ኣላልዮም።

ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ብወገኖም፡ መግለጺ ሓጐሶምን ናፍቆቶምን ብኣባታዊ ምዕዳን ክገልጹ ከለዉ፦ “ ብሕይወተ ሥጋ ምስ ደቀይ ዘራኸበኒ ኣምላኽ ይመስገን። . . .” ድኅሪ ምባል “ረድኤትን ሰላምን ብልጽግናን ንቤተ ክርስቲያንና ከምኡ’ውን ንሃገርና ወርኀ ልምላሜን ፍረን ይግበረልና” ኢሎም።

ቀጺሎም ኃላፊ ክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት መጋቤ ሐዲስ ኤልያስ ሃብታይ፡- “ናሁ ሠናይ ወናሁ አዳም ሶበ ይሄልዉ አኃው ኅቡረ/ ኣኅዋት ብሓደ ኽነብሩ ሠናይን ጽቡቕን እዩ” (መዝ. 133፡1) ካብ ብፁዓን ኣቦታት ጀሚሩ ክሳዕ ምእመን ብፍቕርን ሰላምን እንተ ሠሚሮም እግዚአብሔር ኣብ መንጐኦም ይነብር። (ማቴ. 18፡20) እግዚአብሔር ዝሕጐሰሉ ንሰላም ኽትነቕሕ ከለኻ ፍጻሜኡ ዓወት ይኸውን። መንፈሳዊ ዓስቢ፡ ሕልናዊ ዕግበት ትረክብ፣ ንሰባት ድማ ኣርኣያ ትኸውን። በዚ ግብሪ’ዚ ድማ ዲያብሎስ ይሰዓር፡ ጸላእትና’ውን ይኃፍሩ። ስለዚ ሎሚ እዚ ብቤት ጽሕፈትና ዝተሠርዐ መደብ ኣዝዩ ሠናይ እዩ’ሞ እግዚአብሔርን ሰብን ዝሕጐሱሉ እዩ” ብምባል ትምህርቲ ሂቦም።

ዝተቐረበ መክፈልቲ ብጸሎት ምስ ተወፈየን ምስ ተባረኸን ንዅሉ ተዓዲሉ። ብድኅር’ዚ ናብዚ ዕለት’ዚ ንዘብጽሐን ነዚ ዕለት’ዚ ዝሠርዐን እግዚአብሔር ዘመስግንን ዝልምንን “ ‘ንስእለከ ወናስተበቍዓከ እስመ ኵሉ ዘሥጋ ያንቀዓዱ ኀቤከ፣’ ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ለዘሠምሮ ለሰብእ፣’ ‘ሃሌ ሉያ ለክርስቶስ ይደሉ ስብሐት ለዘአብጽሐነ እስከ ዛቲ ሰዓት’ ” ዝብል ሠለስተ ወረብ ብሊቃውንት እናተመርሑ ሠራሕተኛታት ምስ ዘመሩ ካብ ሠራሕተኛታት መጋቤ ሓዲስ ጉርጃ ክፍሉ መግለጺ ሓጐስ ከምኡ’ውን ዲያቆን ዕርዶም ዑቕባሚካኤል ቅኔን ግጥሚን ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቡነ እንጦንዮስ ጸሎትን ሥርየትን ምስ ሃቡ፡ ኵሉ ሠራሕተኛ ‘ምሉእ ጥዕና ይሃብኩም’ እናበለ ብሓጐስን መንፈሳዊ ዕግበትን ተፋንይዎም። በዚ ኸኣ ናይቲ ምብጻሕን ቍርስን መደብ ፍጻሜ ኮነ።

ከምዝፍለጥ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብደረጃ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ደገፍን ምክትታልን እናተገብረሎም፣ ካብቲ ዝነበርዎ ቤት ናብዚ ምስ ጥዕናኦምን ክብሮምን ዝኸይድ ዝኃሸ መንበሪ ቤት ተሰጋጊሮም፣ ካብ ገዳሞም ገዳም ኣቡነ እንድርያስ’ውን ዝራድኦም መነኮስ ተመዲብሎም ኣብ ደኃን ኵነታት ጥዕና ይርከቡ ኣለዉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195