banner

ክብረ በዓል ኣቡነ ሰላማ 2009 ዓ.ም. ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ኣቡነ ሰላማ 2009 ዓ.ም. ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቡነ ሰላማ ዝኽበር 26 ሐምሌ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክዝከር ከሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደብረ መድኃኒት ኣቡነ ሰላማ ዛግር ብድምቀት ተባዒሉ። ካብ በረኸትን ቃል ኪዳንን ኣቡነ ሰላማ ንምስታፍ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን፡ ተረኺቦም ነይሮም።

ካብ ዋዜማ ብድሮ ዕለት 25 ሐምሌ ስብሐተ እግዚአብሔርን ቅኔያትን ብሊቃውንቲ በጺሑ። ብድኅሪ’ዚ ምሉእ ለይቲ ብሊቃውንት መዘምራንን ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን፡ ብምእመናንን ምእመናትን ከኣ ምህለላን ጸሎትን ተመስጦ ብዘኅድር ኵነታት ክበጽሕ ኃዲሩ።

ብመሠረት መርሐ ግብር ኣብ ሰዓታት ንግሆ ረፍዲ ብጥንታዊ ኢድ መስቀል ኣቡነ ሰላማ ተሰንዩ ታቦተ ሕጉ ወፂኡ፡ 3ተ ጊዜ ምስ ዖደ፡ ሊቃውንት መዘምራን ብያሬዳዊ ዜማ ወሪቦም። ብድኅር’ዚ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት “ጥዑመ ስም ኣቡነ ሰላማ” እናበሉ ምስ ዘመሩ ክብርን ቅድስናን ኣቡነ ሰላማ ዘረድእ ሓፂር ትምህርቲ ምስ ተዋህበ፡ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ ታቦት ናብ ክብሪ መንበሩ ኣተወ።
ኣብ መወዳእታ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ናይ’ቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195