banner

ኣብ ኣካዳምያዊ ሃገራዊ መርመራ ዓሰርተው ክልተ ክፍሊ፡ ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መተባብዒ ሥልማትን ቡራኬን ተዋሂቦም!

ኣብ ኣካዳምያዊ ሃገራዊ መርመራ ዓሰርተው ክልተ ክፍሊ፡ ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መተባብዒ ሥልማትን ቡራኬን ተዋሂቦም!

ቀዳም 29 ሐምሌ 2009 ዓ.ም.፡ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ኣባላት መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣካላት መንግሥቲ፡ መምህራን፡ ተማሃሮን ወለድን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡- ነቶም ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መተባብዒ ሥልማትን ቡራኬን ተዋሂቡ።

እቲ መደብ ብጸሎት ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ተኸፍተ፥ ርእሰ መምህር ካልኣይ ደረጃ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መምህር ምሕረተኣብ ገብረመድኅን ብዛዕባ ገምጋም ውፅኢት ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ኣብ 2017 ዓ.ም.ፈ. ሃገራዊ መርመራ ዓሰርተው ክልተ ክፍሊ፣ ኣገዳስነት ምትብባዕ ንልዑል ነጥቢ ዘምጽኡ ተማሃሮ ከምኡ ውን ንመጻኢ ክግበር ዘለዎ መደባት ዝርዝራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ።

መምህር ምሕረተኣብ ኣብ መግለጺኡ፦ “ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መርመራ ዓሰርተው ክልተ ክፍሊ፡ 217 ተማሃሮ ናይዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ ከምዝተፈተኑ፣ ካብዞም 217 ተማሃሮ ድማ 166 (76.5%)ተማሃሮ ንዲግሪ፣ 31 (14.3%) ተማሃሮ ንዲፕሎማ፡ 13 (6%) ተማሃሮ ድማ ንሰርቲፊኬት ብሓፈሻ 210 ተማሃሮ ማለት ልዕሊ 96% ከም ዝኃለፉ፣ ብተወሳኺ’ውን ካብቶም 166 ተማሃሮ ንዲግሪ ዝኃለፉ ልዕሊ 60% ካብ 3.0 ነጥቢ ንላዕሊ ከምዘምጽኡ፣ ካብዚኦም ድማ 30(13.8%) ተማሃሮ ምሉእ ነጥቢ (4.0) ብምምጻእ ብሃገር ደረጃ ብቀዳምነት ዘሥርዕ ዓወት ከምዘመዝገቡ ገሊጹ።

ቀጺሉ ብስም ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ቃል ዘስምዐ ኃላፊ ምክትታል ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ መምህር ዮሐንስ ሰሎሞን እዩ። መምህር ዮሐንስ ሰሎሞን ኣብ ዘስምዖ ቃል “ንተማሃሮን መምህራንን ወለድን ሕልምና ጋህዲ ዝገበረ ኵነታት ብምርኣይና እንቛዕ ሓጐሰና” ድኅሪ ምባል “እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ኣብ ዞባ ማእከል ካብ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ጸብለል ዝበለት ኣብነታዊት ቤት ትምህርቲ እያ እሞ እዚ ዓወት እዚ ክዕቀብ ይግባእ” ኢሉ።

 

ወኪል ተማሃሮ ተማሃሪት ሲሞና ኣስገዶም ብወገና ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፦ ብሥሉስ ኵርናዓዊ ጻዕሪ ማለት ብጻዕሪ ተማሃሮን መምህራንን ወለድን፡ ተማሃሮ ብዲስፕሊንን ኣካዳምያዊ ትምህርትን ብቑዓት ኮይኖም ኣብዚ ዓወት እዚ ከም ዝበጽሑ ድኅሪ ምግላጽ “ንርእሱ ተማሃሪ ናይዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ምዃን ዓቢይ ኩርዓት እዩ ዝፈጥረልካ። እዚ ረኺብናዮ ዘሎና ዓወት ውዱእ ዓወት ዘይኮነስ ሌላ ንዓወት እዩ እሞ ንመጻኢ በዚ ኂዝናዮ ዘሎና ብቕዓት ሓበን ቤት ትምህርትና ኴይንና ንወለድናን መምህራናን ሃገርናን ክንክሕስ ቃል ንኣቱ” ብምባል ቃል ኣስሚዓ።

ቀጺሎም እቶም ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ 30 ተምሃሮ ነቲ ዝተዳለወሎም መተባብዒ ሥልማት ካብ ኢድ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ከምኡ’ውን ካብ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ተቐቢሎም። 

ብድኅር’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቛዕ ሓጐሰና መልእኽትን ኣባታዊ ምዕዳንን፦ “እዚ ዓወት እዚ ዝተረኽበ ብጸሎትን ትግሃትን እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክምህረና ከሎ፥ ‘ለምኑ ክወሃበኩም እዩ’ ከም ዝበለና ንስኻትኩም ድማ ነናብ መምሃሪ ክፍልኹም ኽትኣትው ከለኹም ጸሎት እናብጻሕኩምን እናተሳለምኩምን ትኣትው ስለ ዝነበርኩም ብጸጋ እግዚአብሔር፡ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ብረድኤት ናይዚ ቅዱስ ቦታ እዝን ኣብዚ ዓወት እዚ በጺሕኩም ኣለኹም።

                                      

ከምኡ’ውን ናትኩም ትግሃትን፡ ናይ መምህራንኩም ጻዕርን፡ ናይ ወለድኹም ተገዳስነትን ነዚ ንምርኣይ ኣብቂዕኩም ኣሎ። ስለዚ ካብ ሕጂ እትልምንዎ ጥዕናን ዕድመን እዩ። ነቶም ከብዶም ኣጥምዮም ዝባኖም ኣዕሪቖም ዘምሃርኹም ወለድኹም ከተሐጕሱ፣ ነቶም ብዘይሕለል ጻዕሪ ዝደኸምልኩም መምህራንኩም ከተሐጕሱ፣ ነታ ኣብ ጐድና ስለ ዝተሰለፍኩም ዘዐወተትኩም ቤተ ክርስቲያንን ንዘምሃረኩም ሃገርን ከተገልግሉ እግዚአብሔር ይባርኽኩም” ብምባል ቃለ ምዕዳን ሂቦም። 

ኣብ መወዳእታ በቲ ዝወፀ መደብ መሠረት፡ መዕፀዊ ጸሎት ከምኡ’ውን ዝክረ ሰማዕታት ምስ ተገብረ ብናይ ሥእሊ መደብ ተፈጺሙ።

ከምዝፍለጥ፡ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ልዕሊ 70 ዓመት ዝገበረት፡ ካብ ሙዓለ ሕፃናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ብዲስፕሊንን ኣካዳምያዊ ትምህርትን ብቑዓት ተማሃሮ ተፍሪ ዘላ፡ ኣብ ቀጽሪ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን እትርከብ ቤተ ትምህርቲ እያ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195