banner

ክብረ በዓል ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ ሰንበት 21 ነሓሴ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

“መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር” መዝ. 112፡6

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ብእምነቶም ዝተመስከረሎም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞገስ ዝረኸቡን ቃል ኪዳን ዝተቐበሉን ቅዱሳን፡ ጽኑዕ ገድሎምን መዋዕለ ሕይወቶምን ንኽትርኽ ጊዜ ከምዝሓጽሮ ክገልጽ ከሎ “ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሓጽረኒ እዩ” ይብል። ዕብ 11፡32 ዝኽሮም ንዘለዓለም እናተዘከረ ይነብር። ዕለተ ዕረፍቶም ኣኽሊል ዓወት ዝደፍእሉ፡ ቃል ኪዳን ዝተቐበልሉ ክቡር መዓልቲ ስለ ዝኾነ ካብ በረኸቶም ንምስታፍ ብውዳሴን ቅዳሴን ጸሎተ ሰዓታትን ስብሐተ ማኅሌትን ብኽብሪ ተባዒሉ።


እንሆ ድማ ክብረ በዓል ኣቡነ ኣብራንዮስ፦ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ዞባ ደቡብ መንደፈራ ከምኡ’ውን ኣቦታት ገዳማውያን፡ መምህራን ሊቃውንት፡ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ሰንበት 21 ነሓሴ ኣብቲ ዝመሥረትዎ ገዳም ደብረ ጥሉል ተኸቢሩ።

“ንግብርታት ኃይሊ እግዚአብሔር ኪዛረቦ፡ ንብዘሎ ምስጋናኡ’ሲ ኪነግሮ መን ይኽእል፧” መዝ. 106፡2 ከም ዝበለ ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት፡ ኣቦታት ገዳማውያንን ሊቃውንት መምህራንን ንእግዚአብሔር ዘመስግን፡ ንቕድስት ድንግል ማርያም ዘኽብር፡ ንኣቡነ ኣብራንዮስ ዝውድስ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ስብሐተ እግዚአብሔር ኣብጺሖም።

ምእመናንን ምእመናትን’ውን ብውዳሴን ጸሎተ ምህላን ነቒሖም ኃዲሮም።

ሰዓት 5፡00 ቅ.ቀ. ኣብቲ ብስም ቅድስት ድንግልማርያም ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ከምኡ’ውን ኣብቲ ብስም ኣቡነ ኣብራንዮስ ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝምራሕ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴ ዑደተ ታቦት ምስ ተገብረ፡ ሊቃውንት መዘምራን ያሬዳዊ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ድማ ኣባታዊ ምዕዳንን ትምህርትን ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ጸሎተ ምህላ ምስ በጽሐ ብቡራኬ ብፁዓን ጳጳሳት ናይቲ ክብረ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195