banner

ክብረ በዓል አቡነ ተክለሃይማኖት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል አቡነ ተክለሃይማኖት ተኸቢሩ!

“ስምዐ ጽድቅ ኮንከ ወበእንተዝ ተሰመይከ ተክለሃይማኖት/ መስካሪ ጽድቅ ስለዝኾንካ ተክለ ሃይማኖት ተሰየምካ”

ዝክረ ዕረፍት አቡነ ተክለሃይማኖት 24 ነሐሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክዝከር ከሎ፡ ብፍሉይ ግና ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ አቡነ ተክለሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን (ቁሸት) ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።
ካብ ድሮ’ቲ በዓል ጀሚሩ ሥርዓተ ዋዜማ፡ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ።

ቀጺሉ’ውን መምህራን ሊቃውንት፡ ተማሃሮ ደቀ መዛሙርት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍሉ ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ብሓፈሻ ቅዳሴን ውዳሴን ምስ በጽሐ ዑደተ ታቦት ካብ 10፡00 ቅ.ቀ. ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ተፈጺሙ። ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዑደት ገይሩ፡ ኣብ ዓውደ ምሕርት ምስ ቆመ፡ ንቕድም ሊቃውንት መዘምራን ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም። ቀጺሎም ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መንፈሳዊ ግጥሚ ምስ ኣቕረቡ ብመልአከ ብርሃናት ቀሲስ ሃብቶም ምስ ታሪኽን ኣማላድነትን ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ዝተተኃኃዘ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ምህላን ጸሎትን ተገይሩ፡ ታቦት ናብ መንበሩ ምስ ተመልሰ ድማ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ብጸሎተ ቅዳሴ ኮነ።

ብሓቂ አቡነ ተክለሃይማኖት፡ ምሉእ ሕይወቶም ንእግዚአብሔር ዝወፈዩ፡ ብትምህርቶምን ጸሎቶምን ብርሃን ጽድቂ ዘብርሁ ‘ፀሐይ’ እዮም እሞ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከም አቡነ ተክለሃይማኖት ዝበለ ብሃይማኖቱ ፍጹም፡ ብተግባሩ ርቱዕ፡ ብትምህርቱን ጸሎቱን ዘብርህ፡ መምህርን ኣቦን ክህበና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195