banner

ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ርክባትን ዑደትን ይቕጽሉ ኣለዉ!

ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ርክባትን ዑደትን ይቕጽሉ ኣለዉ!

ሰኑይ 25 መስከረም 2010 ዓ.ም.ግ. ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከምኡ’ውን ምስ ወከልቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ምስ ወኪል ኣንጄሊካን ሉተራዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉባኤ ኣቃኒዑ።

ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ካብ ዝመሰጦም ሓደ፦ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ብስም ክርስቲያን ዝጽውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ዘሎ ሓድሕዳዊ ምክብባር ምዃኑ ገሊጾም።


ብድኅር እዚ ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ናብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ዑደት ኣካይዶም። ካብ 1947 ዓ.ም. ካብ ዝምሥረት ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሥራሕ ከም ዝርከብ ብዛዕባ ታሪኽን ህልው ኵነታትን ናይዚ ቤተ ማኅተም መግለጺ እናተዋህቦም ተዓዚቦም።

ቀጺሎም ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ናብ ደብረ ደናግል ቅድስት ዲምያና ብምብጻሕ ምስተን ነዚ ገዳም ዝመሥረታ መነኮሳያት ብምርኻብ ንጥፈታት ናይዚ ገዳም ተዓዚቦም።


ኣብ መወዳእታ ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ኣብ ኣሥመራ ዝርከቡ ኣርት ዴኮ ሕንፃታት ዑደት ምስ ገበሩ ናይቲ ዕለት መርሐ ግብር ብሓጐስ ዛዚሞም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195