banner

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ንዅሎም ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ተሓዝቲ ገንዘብን ሃገረ ስብከት መንደፈራ ንኽልተ መዓልታት 22-23 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (28-29/08/18 ዓ.ም.ፈ) መንፈሳዊ ሥልጠና ተዋሂቡ።
እዚ ሥልጠና’ዚ ኣብ ሠለስተ ዓበይቲ ኣርእስታት ማለት ስብከተ ወንጌል፡ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን፣ ፋይናንሳዊ ኣተኃኅዛ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ተውሳክ፡ . . . ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ነጋድያን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ነሐሴ 2010 ዓ.ም. ብሰላም ተመሊሶም!

ነጋድያን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ነሐሴ 2010 ዓ.ም. ብሰላም ተመሊሶም!

ኣብ በዓለ ዕርገተ ሥጋሃ ለማርያም (ፍልሰታ) ኣብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም ክነግዱ ዝቐነዩ፡ ልዕሊ 300 ነጋድያን ሰኑይ 28 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (03/09/2018 ዓ.ም.ፈ) ድኅሪ ቀትርን ናብ ሠሉስ ዘውግሕ ለይትን ብኽልተ ፍሉያት ናይ ኩንትራት ነፈርቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ነጋድያን ኣብ ዝተፈላለየ ቅዱሳት መካናት ናይ ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ዑደት እናገበሩ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ዝቐነይሉ ፡ ጸሎቶም ኣብጺሖምን መብጽዓኦም ፈጺሞምን።

እዚ ብምሉእ መንፈሳዊ ዕግበትን ሓጐስን በረኸትን ዝተቓንዐ ዑደት’ዚ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ጾም ፍልሰታ ዝተሠርዐ እዩ።

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ዑደቶም ብምቕጻል ኣብ ቅዱሳን መካናት ይበጽሑ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ዑደቶም ብምቕጻል ኣብ ቅዱሳን መካናት ይበጽሑ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስን ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን እናተመርሑ ዘይበጽሕዎ ቅዱሳን መካናት ንምብጻሕ ካብ ዕለተ 18 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (24/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ጀሚሮም ዑደቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራሕ ዝፈልጥዎም ቦታታት ከም ቅድስት ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ንእግዝእትነ ማርያም ዘቕረበትሉን ...

ተውሳክ፡ . . . ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ዑደቶም ብምቕጻል ኣብ ቅዱሳን መካናት ይበጽሑ ኣለዉ!

ክብረ በዓል ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ ብውዳሴ ሊቃውንት ጠሊሉ፡ ብዕንባባ መንእሰያት ወቂቡ ሰኑይ 21 ነሓሴ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ ብውዳሴ ሊቃውንት ጠሊሉ፡ ብዕንባባ መንእሰያት ወቂቡ ሰኑይ 21 ነሓሴ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ኣቡነ ኣብራንዮስ፦ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሀ/ስ ደቡብ መንደፈራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሀ/ስ ማእከል፣ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ሀ/ስ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፣ ከምኡ’ውን ኣበምኔት ገዳማትን ኣቦታት ገዳማውያንን፡ መምህራን ሊቃውንት፡ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ሰኑይ 21 ነሓሴ ብድምቀት ተኸቢሩ። 

ካብ ብድሮኡ ዝጀመረ ስብሐተ እግዚአብሔር ክሳዕ’ቲ ክብረ በዓል ዝፍጸም ብንቕሓትን ተመስጦን በጺሑ። ብጸሎተ ሰዓታት ኣቦታት ገዳማውያን፣ ብማኅሌት ሊቃውንት መዘምራን፣ ምእመናንን ምእመናትን’ውን ብውዳሴን ጸሎተ ምህላን ንእግዚአብሔር ኣመስጊኖምን ለሚኖምን፣ ብናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸትን ብናይ ጻድቕ ኣቡነ ኣብራንዮስ ጸሎትን ተማሕፂኖም።

ብፍላይ ሎሚ ዓመት ብብዝኂ ተሳተፍቲ በዓል ዝነበሩ ተረከብቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ መንእሰያት ኣእዳዎም ዘርጊሖም፡ ሕልናኦም ሰማይ ሰቒሎም ስለ ሃገርን ዓለምን ጸሎቶም ኣዕሪጎም።

ተውሳክ፡ . . . ክብረ በዓል ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ ብውዳሴ ሊቃውንት ጠሊሉ፡ ብዕንባባ መንእሰያት ወቂቡ ሰኑይ 21 ነሓሴ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ኣብ ቅዱሳን መካናት ብሰላም ዑደቶም የካይዱ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ኣብ ቅዱሳን መካናት ብሰላም ዑደቶም የካይዱ ኣለዉ!

ብዝሖም ልዕሊ 300 ዝኾኑ ምእመናንን ምእመናትን ብዕለተ ሰንበት 13 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (19/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ከምኡ’ውን ብዕለተ ሰኑይ 14 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (20/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ተበጊሶም ኣብ ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ብዅሎም ውሉደ ክህነትን ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበትን መንእሰያትን ካልኦትን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።

ብመሠረት መርሐ ግብር፡ ካብ ንጽባሒቱ ጀሚሮም ኣብ ቅዱሳት መካናት በረኸት እናረኸቡ ጸሎቶም እናብጽሑ ዑደቶም ኣካይዶም። ኣብ ጐይታ ዝተወልደላ ቤተ ልሔምን ጓሶት ዝተበሥርሉ ቦታን ምስ በጽሑ እግዝእትነ ማርያም እናጥበበቶ ጸባ ዝነጠበሉ እሞ ብተኣምራት እቲ ቦታ ፃዕዳ ዝተለወጠሉን ብምብጻሕ፡ “ በእንተ አጥባቲሃ እለ ሐፀናከ እግዚኦ ተሣሃለነ/ ምእንቲ እተን ዘዕበያኻ ኣጥባታ ክትብል ኦ ጐይታ ምሕረትካ ሃበና” እናበሉ ተሳሊሞም።

ተውሳክ፡ . . . ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ኣብ ቅዱሳን መካናት ብሰላም ዑደቶም የካይዱ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ሰንበትን ሰኑይን ኪብገሱ እዮም!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ሰንበትን ሰኑይን ኪብገሱ እዮም!

ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ኣብ በዓለ ዕርገተ ሥጋሃ ለማርያም (ፍልሰታ) ወርኀ ነሐሴ 2010 ዓ.ም.ግ. ናብ ኢየሩሳሌም ንምንጋድ ነጋድያን ኵሉ ምድላዋቶም ኣጽፊፎም።

በዚ መሠረት፡ ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ብኽልተ ፍሉያት ናይ ኩንትራት ነፈርቲ (charter flight) ንዕለተ ሰንበት 13 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (19/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ከምኡ’ውን ንዕለተ ሰኑይ 14 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (20/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ኪብገሱ እዮም።

እዚ ተሠሪዑ ዘሎ ጕዕዞ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ጾም ፍልሰታ ዝተሠርዐ ኮይኑ፡ ብዝሖም ልዕሊ 300 ምእመናንን ምእመናትን ይነግዱ ኣለዉ።

ነጋድያን፡ ኣብዘን ናይ ኽልተ ቅነ ጻንሖቶም ብጸሎተ ቅዳሴን ውዳሴን ዝማሬን ኣብ ብዙኃት ቅዱሳት መካናት ዑደት ኽፍጽሙ እዮም።

More Articles ...

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195