banner

ኣብ ደርሙስታት ጀርመን ሓዲስ ታቦት ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተባሪኹ ኣትዩ!

ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝገብሮ ዘሎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ 27-29 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ከተማ ደርሙስታት ሓዲስ ታቦት ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ባሪኹ ከምዝኣቱ ገይሩ።
ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብሠሉስ 27 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም. ካብ ከተማ ፍራንክፈርት ናብ ከተማ ደርሙስታት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ብምዕሩግ ኣቐባብላ ተቐቢሎሞ። ኣብቲ ታቦት ኪኣትዎ ዝተዳለወ ቤተ ክርስቲያን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ ዝግባእ ሥርዓተ ጸሎትን ቡራኬን ምስ በጽሐ፡ ታቦተ እግዚኣብሔር ተባሪኹ ብኽብሪ ኣትዩ።

ተውሳክ፡ . . . ኣብ ደርሙስታት ጀርመን ሓዲስ ታቦት ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተባሪኹ ኣትዩ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ ገብርኄር ’

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት ኣገልገልትን፡ ጐይታ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ “ገብርኄር” እናበለ ዓስቦም ከም ዝህቦም ዘዘኻኽር ስለዝዝመር እዩ። ‘ገብርኄር’ ማለት እሙን ኣገልጋሊ እዩ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ጐይታ ኣገልገልትን፡ እሙናት ኣገልገልትን ዘይእሙን ኣገልጋልን ይትርኽ። (ማቴ. 25፡14-30፣ ሉቃ. 19፡12-27) እዚ ምሳሌያዊ ትምህርቲ፡ ሓደ ክገይሽ ዝደለየ ሰብኣይ ቅድሚ መገሻኡ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም ነቲ ቐዳማይ ኃሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ መክሊት፡ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂቡ፡ ነጊዶም ክረብሕሉን ትርፊ ክረኽቡሉን ተላብዩ ኸደ።

ተውሳክ፡ . . .6ይ ሰንበት፡ ‘ ገብርኄር ’

ልኡክ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ፊላንድ ኣካይዱ!

ልኡክ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ፊላንድ ኣካይዱ!

ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተመርሐ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝገብሮ ዘሎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ፊላንድ ናብ ዝርከቡ ምእመናን ምብጻሕ ሥራሕ ንምፍጻምን ታቦት ንምእታውን ብዕለት 23 - 24 መጋቢት 2008 ዓ.ም. ገይሹ።
ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ ልኡኽ፣ ብጊዜያዊ ኣመኃዳሪ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ሃብተማርያምን ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣቶ ኣብርሃም ፋሲልን ተሰንዩ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፦ ብናይ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ፊላንድ ሰበኻ ጉባኤን ምእመናንን ምእመናትን ምዕሩግ መንፈሳዊ ኣቀባብላን እንግዶትን ተገይሩሉ። 

ብመሠረት መርሓ ግብር፡ በዓል ጥንተ ስቅለት መድኃኔ ዓለም ንምኽባር ዓርቢ 23 መጋቢት፡ ካብ ሃገረ ስዊድንን ኖርወይን ብዝመጹ ሊቃውንት መዘምራንን ካህናትን ዝተመርሐ ዋዜማ ካብ 4፡00 ድ.ቀ.፣ ከምኡ’ውን ስብሐተ ሌሊት ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም ስብሓተ ማኅሌት ኣብጺሖም። ካብ 6፡30 ቅ.ቀ. ድማ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ፊላንድ ናይ መጀመርታ ቅዱስ ታቦት መድኃኔ ዓለም፡ ብኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። 

ተውሳክ፡ . . . ልኡክ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሃገረ ፊላንድ ኣካይዱ!

ዝክረ ጥንተ ስቅለት ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ተኸቢሩ!

ዝክረ ጥንተ ስቅለት ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ብ27 መጋቢት 2008 ዓ.ም.ግ. ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ መካነ ሕይወት መድኃኔዓለም ኦሮታ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳስ ዘሀገረ ስብከት ዞባ ማእከል ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ። እቲ በዓል ካብ ዋዜማ 26 መጋቢት ሰዓት 8፡00 ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ ሊቃውንት መዘምራን ብጣዕመ ዜማን ቅኔን ምንባብ መጻሕፍትን ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ ኣብጽሑ ብጸሎተ ቅዳሴ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ተፈጺሙ።

ተውሳክ፡ . . .ዝክረ ጥንተ ስቅለት ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ተኸቢሩ!

ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኣውስትራልያ!

ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ንኣገልጋሊ ካህን ቀሺ መሓሪ ሙሴ ኂዞም ናብ ኣህጉረ ኣውስትራልያ ሰኑይ 26 መጋቢት 2008 ገይሾም። እዚ ጕዕዞ’ዚ ኣብ ኣህጉረ ኣውስትራልያ ዝቕመጡ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ምስቲ ራሕቅን ስፍሓትን ናይቲ ኣህጉር ከይተጸልዉ ስጡም መንፈሳዊ ሥምረት ዝጸንሖም ብምዃኖም፡ ብዝበለጸ ቀሪብካ ኣባታዊ ምዕዳን ንምሃብ’ዩ። ብፍላይ ድማ ምስ ምብዛኅ ምእመናንን ምስፋሕ ኣገልግሎትን ኣብ ርእሲ’ዚ ዝጸንሐ ቤተክርስቲያን፡ ተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣደላይት ታቦተ መድኃኔዓለም ንምእታውን ኣገልገልቲ ምምዳብን ዝዓለመ መንፈሳዊ ጕዕዞ’ዩ።

ኃሙሻይ ሰንበት፡ 'ደብረ ዘይት'

ኃሙሻይ ሰንበት፡ ደብረ ዘይት ‘ማእከለ ጾም’

ብዛዕባ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ ወርኃ ጳጉሜን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ 4-6 ኅዳር ዘሎ ደብረ ዘይት ዝበሃል ኣሎ፡ እቲ ሣልሳይ ድማ መበል ኃሙሻይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ‘ደብረ ዘይት እናተባህለ ዝጽዋዕ እዩ። ‘ደብረ ዘይት’ ብሸነኽ ምሥራቅ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ጎቦ እዩ። “ወእንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ቀርቡ ኀቤሁ አርዳኢሁ እንተ ባሕቲቶሙ” ከምዝብል (ማቴ. 24፡3)

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ኸሎ ቅዱሳን ሓዋርያት ብሕት ኢሎም . . . ትእምርቲ ምምጻእካን ናይ መወዳእታ ዓለም ምልክታቱን እንታይ እዩ፧ እዚ መዓስ እዩ ዚኸውን፧ እስኪ ንገረና እናበሉ ናብኡ ምስ ቀረቡ ብዛዕባ ኅልፈተ ዓለምን ዳግም ምጽኣቱን ዝመሃረሉ እምባ ስለዝኾነ፡ እዛ ሰንበት’ዚኣ ደብረ ዘይት ተባህለት። ኣብዛ ሰንበት’ዚኣ ዚዝመር መዝሙርን ዚንበብ መጻሕፍትን ነቲ ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ዚመሃሮ ብዛዕባ ምሥጢረ ምጽኣቱን፡ ምልክታት ኅልፈተ ዓለምን ዘመልክት እዩ።

ቀዳማይ ምጽኣት ጐይታ ብትሕትና ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ እዩ። ዳግማይ ምጽኣቱ ግና ብኽብሪ ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ፡ በክበበ ትስብእት በግርማ መለኮት ብምስጋና እዩ። ነዚ ዳግማይ ምጽኣቱ መንገዲ ዝጸርጉ ምልክታት ገለ ካብኣቶም ሎሚ ንዕዘብ ኣሎና።

ተውሳክ፡ . . . ኃሙሻይ ሰንበት፡ 'ደብረ ዘይት'

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195