banner

ክብረ በዓል አቡነ አረጋዊ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ ጥቅምት 14 ዝኽበር ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ በዓል፡ ብስሙ ኣብ ዝጽዋዓ ኣብያተ ክርስቲያናት ብድምቀት ተኸቢሩ ። ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ደብረ መዊዕ አቡነ አረጋዊ (ማይተመናይ) ዋና ኣመኃዳሪ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ውሉደ ክህነትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ፲፬ ጥቅምቲ ፳፻ወ፰ ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ። ብመሠረት መርሓ ግብር ፡ ብድሮ ፲፫ ጥቅምት ካብ ሰዓት 12፡00 ድ.ቀ. ክሳዕ ሰዓት 4፡00 ድ. ቀ. ሥርዓተ ዋዜማ፡ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። 

ብድኅር’ዚ ሊቃውንት ካብ ሰዓት 8፡00 ምሸት ጀሚሮም ክሳዕ ሰዓት 6፡00 ነግህ ስብሐተ እግዚአብሔር ከብጽሑ ምስ ኃደሩ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ በጺሑ። ብድኅርዚ ታቦተ ሕጊ ካብ መንበረ ክብሩ ወጺኡ ዑደት ተገይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ ፡ መዘምራን ነቲ በዓል ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ወረብ፡ ልቢ ብዝምስጥ ኣሸብሺቦም።

ተውሳክ፡ . . . ክብረ በዓል አቡነ አረጋዊ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል አብርሃ ወአጽብሓ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ ዝኸብር ክብረ በዓል ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሓ ዕለት ፬ ጥቅምት ኣብ ብስሞም ዝጽውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ብድምቀት ተኸቢሩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ እትርከብ ብስሞም እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ኣብርሃ ወአጽብሓ፦ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትሪያርክ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስን ጳጳስ ዞባ ማእከል ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስን ብዙኃት መምህራንን ሊቃውንትን፡ ካህናትን ዲያቆናትን፡ መነኮሳትን መነኮሳያትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ተረኺቦም ነይሮም።

Read more: ክብረ በዓል አብርሃ ወአጽብሓ ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ክሳሄ (ደብረ ማርያም) አቡነ አብሳዲ ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ክሳሄ (ደብረ ማርያም) ኣቡነ ኣብሳዲ ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ። ዋና ኣማኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ኣቡነ ባስልዮስ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ኣቦና ኣቡነ ኣብሳዲ ቃል ኪዳንን በረኸትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።
ክብረ በዓል ናይ ኣቡነ ኣብሳዲ ዕለተ ዕረፍቶም ዝዝከረሉ ዓመት መጸ ፴/30 መስከረም እዩ። “ኀበ ጽላሎትኪ ዘበጽሐ ኢይሬኢ ደይነ” ዝብል ቃል ኪዳን ስለዘለዎ ውን ናይዚ ክብረ በዓል ተሳተፍቲ ንምዃን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኣእጋርን ብመካይንን ናብዚ ገዳም ይነግዱ።

Read more: ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ክሳሄ (ደብረ ማርያም) አቡነ አብሳዲ ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ብሰላም ካብ ግብጺ ተመሊሶም !

ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሑ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ካብ ፲፯ መስከረም ፳፻ወ፰ (28/09/2015) ክሳዕ ፳፱ መስከረም ፳፻ወ፰ (10/10/2015) ርክብ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ቴዎድሮስ ካልኣይን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺን ዑደት ኣብ ገዳማትን ቅዱሳት መካናትን ኣካይዶም ናብ ሃገሮም ብሰላም ተመሊሶም። ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፥ ዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስን፡ ጳጳስ ዞባ ማእከል ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስን ተቐቢሎሞም።

Read more: ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ብሰላም ካብ ግብጺ ተመሊሶም !

ብክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ ዝተሠርዐ ሥልጠና ተጀሚሩ!

ኣባላት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝሳተፍዎ ሥልጠና ብ፳፭/25 መስከረም ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተጀሚሩ።
እዚ ብክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ዝተሠርዐ ሥልጠና ንሠለስተ ወርኂ ዝኸይድ ኮይኑ ንኣገልግሎት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ዘጽንዑን ዘስፍሑን ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ዝኃዘ’ዩ። 

እዚ ሥልጣና እዚ፦ ኦርቶዶክሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት፡ ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ስብከት፡ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን ምስ ትምህርቲ ሰንበት ከምኡ’ውን ሕግን ተዛመድቲ ጕዳያትን ዘጠቓለለ እዩ። 

ብሓፈሻ ግደ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ስብከተ ወንጌልን ኣዝዩ ዓቢይን ጸላውን ብምዃኑ ከምዚ ዝመሰለ ሥልጠና ብዝሰፍሐ ክቕጽል ዘለዎ እዩ። በዚ ሥልጠና እዚ ድማ ደረጃ ዕቤትን ዕምቈት ፍልጠትን ጽኑዕ ሓድነትን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ኪሰፍሕ በዚ እውን ሕፃናትን መንእሰያትን ኣብ ሃይማኖቶም ኪጸንዑን ብሠናይ ምግባር ኪተግሁን ትጽቢት ይግበር።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ንሓዋርያዊ ዑደት ናብ ግብጺ ገይሾም

ብመሠረት ወግዓዊ ዕድመ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፣ ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ሰኑይ ፲፯ መስከረም ፳፻ወ፰ (29-9-2015) ናብ ካይሮ ገይሾም። ብሊቃነ ጳጳሳት ከምኡ’ውን ብአበምኔታት ገዳማት ዝተሰነየ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ፣ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ቴዎድሮስ ዝርከብዎ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ርክብን ጉባኤን ከካይድ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ገዳማት ግብጺ ዑደት ኪገብር እዩ ።

ተውሳክ....ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ንሓዋርያዊ ዑደት ናብ ግብጺ ገይሾም

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195