banner

ክብረ በዓል ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ብልዑል ድምቀት ተከቢሩ!

ክብረ በዓል ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ብልዑል ድምቀት ተከቢሩ!

ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ክሳዕ 3ይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝፍለጡ መስተጋድላን ብቀዳምነት ዝጥቀስ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ’ዩ። 23 ሚያዝያ ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቃል ኪዳን ዝተቐበለሉ፡ ብሰይፍ ተቈሪጹ ሰማዕትነት ዝፈጸመሉ፡ ዓስቢ ተጋድሎኡ ሾብዓተ ኣክሊላተ ክብር ዝወረደሉ ዕለት ብምዃኑ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ካብ በረኸቱ ንምስታፍ ኣብቶም ብስሙ ዝጽውዑ ኣብያተ ክርስቲያን ተረኺብና ጸሎትናን ምህላናን ምስጋናን ውዳሴናን ነብጽሕ። ንጻድቕ ብስም ጻድቅ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቅ ስለዝረክብ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጸ ዝክረ በዓሉ ተኽብር።

Read more: ክብረ በዓል ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ብልዑል ድምቀት ተከቢሩ!

ነጋድያን ኢየሩሳሌም ዑደቶም ብጽቡቕ የቃንዑ ኣለዉ!

ነጋድያን ኢየሩሳሌም ዑደቶም ብጽቡቕ የቃንዑ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ብንቑሕ ሕልናን ብሕጕስ መንፈስን ዑደቶም የቃንዑ ኣለዉ። ኣብዚ ሎሚ ዓመት ካብ ዕለት 26 መጋቢት ክሳዕ 10 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም. ( 4-18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ ) ዝሳተፉ ዘለዉ ብፁዓን ጳጳሳትን መነኮሳትን ካህናትን ምእመናንን ምእመናትን ብሓፈሻ ልዕሊ 600 ዝኾኑ ነጋድያን ኣብ ጉጅለታት ተመዲቦም ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ምዉቅ ኣቀባብላ ተገይርሎም ኣብ ዝተዳለወሎም መዕረፊ ቤት ተጠርኒፎም።

ተውሳክ፡ . . . ነጋድያን ኢየሩሳሌም ዑደቶም ብጽቡቕ የቃንዑ ኣለዉ!

ነጋድያን ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም ናብ ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ተበጊሶም!

ነጋድያን ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም ናብ ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ተበጊሶም!

ብብፁዓን ጳጳሳትን ኣበምኔት ገዳማትን፡ መነኮሳትን ቀሳውስትን ዝተመርሑ ምእመናንን ምእመናትን ብሓፈሻ ልዕሊ 600 ነጋድያን ብጽፉፍን ስሉጥን ኣገባብ ንብረቶም ምስ ጸዓኑ፡ ኣብ ጉጅለታት ተመዲቦም ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ለይቲ

26 መጋቢት 2010 ዓ.ም. (4/4/2018 ዓ.ም.ፈ) ከምኡ’ውን ድኅሪ ቀትሪ ረቡዕ 26 መጋቢት 2010 ዓ.ም. (4/4/2018 ዓ.ም.ፈ) ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ናብ ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ተበጊሶም።

ነጋድያን፡ ካብ ዕለት 26 መጋቢት ክሳዕ 10 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም. (4-18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ዝጸንሕሉ ጊዜ ኣብ ቅዱሳት መካናት ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ዑደት ክገብሩ እዮም።

ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስ ኣብ ገዳሞም ደብረ ጽጌ ተኸቢሩ!

ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስ ኣብ ገዳሞም ደብረ ጽጌ ተኸቢሩ!

ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ሃገርና ዝኾኑ ኣቡነ ዮናስ ኣብ ብዙኅ ቦታታት ገዳማት መሥሪቱ፡ ካብ ኣምላኹ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ 95 ዓመት ዕድሚኡ፡ ብ17 መጋቢት 1499 ዓ.ም ብሰላም ዓረፈ። ዓመት መጽአ 17 መጋቢት ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስ ብፍሉይ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ትምዛእ ኣብ ዝርከብ ገዳም ደብረ ጽጌ ይኽበር።

ተውሳክ፡ . . .ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስ ኣብ ገዳሞም ደብረ ጽጌ ተኸቢሩ!

ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ናይ ካልኣይ ሰሚስተር ትምህርቶም ይቕጽሉ ኣለዉ!

ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ናይ ካልኣይ ሰሚስተር ትምህርቶም ይቕጽሉ ኣለዉ!

ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ናይ ቀዳማይ ዓመት ካልኣይ ዕብረ (ካልኣይ ሰሚስተር) ትምህርቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።

እዚ መንፈሳዊ ኮሌጅ’ዚ ብናይ ዲግርን ዲፕሎምን መደባት ትምህርቲ ፡ ካብ ዕለት 22 መስከረም ክሳዕ 23 ጥር 2010 ዓ.ም. (02 ነሐሴ 2017 ዓ.ም.ፈ. ክሳዕ 31 ጥር 2018 ዓ.ም.ፈ.) ሥሩዕ ናይ ቀዳማይ ዓመት ቀዳማይ ክፍለ ጊዜ ትምህርቲ ከም ዘቃንዐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዕለት 19 የካቲት 2010 ዓ.ም. ሥሩዕ ምዝገባ ድኅሪ ምክያድ ብዕለት 26 የካቲት ናይ ካልኣይ እብረ ትምህርቲ ከም ዝጀመረ ዲን ናይ’ቲ ኮሌጅ ኣባ ሲላስ ሓቢሮም።

ተውሳክ፡ . . . ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ናይ ካልኣይ ሰሚስተር ትምህርቶም ይቕጽሉ ኣለዉ!

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብኽፍሊ ስብከተ ወንጌልን ክፍሊ ፋይናንስን ሥልጠና ተዋሂቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብኽፍሊ ስብከተ ወንጌልን ክፍሊ ፋይናንስን ሥልጠና ተዋሂቡ!

ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብኽፍሊ ስብከተ ወንጌልን ክፍሊ ፋይናንስን ናተን ኣብዚ ሃገረ ስብከት’ዚ ዝጥርነፋ ሾብዓተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ብምኻድ ኣብ ነፍስ ወከፍ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዘለዉ ልዕሊ 60 ውሉደ ክህነትን ኣገልገልትን ካብ ዕለት 19 የካቲት 2018 ዝጀመረ ወርኅን ሠለስተ ሰሙንን ዝወሰደ ሥልጠና ተዋሂቡ።

ተውሳክ፡ . . .ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብኽፍሊ ስብከተ ወንጌልን ክፍሊ ፋይናንስን ሥልጠና ተዋሂቡ!

More Articles ...

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195