banner

‘አመ ከመ ዮም / ንዓመታ ከምዛ እዋን’ዚኣ’ ዘፍ. 18፡10

‘አመ ከመ ዮም / ንዓመታ ከምዛ እዋን’ዚኣ’ ዘፍ. 18፡10

ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ፡ 7 ሓምሌ 2008 ዓ. ም. ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ተባዒሉ። “ታቦተ ሥላሴ” ዘለወን ኣብያተ ክርስቲያን ብፍሉይ ኵነታት ከኽብርኦ ከለዋ፡ ኣብ ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን (ዓዲ ነፋስ) ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ኣቡነ ባስልዮስ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብማኅሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ተባዒሉ። ኣብቲ ብብዝኂ ምእመናንን ምእመናትን ዝነግድዎ ‘ገዳም ፃዕዳ እምባ ሥላሴ’ ድማ ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን ብዙኃት መንእሰያትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብኽብሪ ተባዒሉ።

ተውሳክ፡ . . .‘አመ ከመ ዮም / ንዓመታ ከምዛ እዋን’ዚኣ’ ዘፍ. 18፡10

ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ምስ ኵለን ሰበኻ ጉባኤያት ኣሥመራ ጉባኤ ተቓኒዑ !

ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ምስ ኵለን ሰበኻ ጉባኤያት ኣሥመራ ጉባኤ ተቓኒዑ 

ከም መቀጸልታ ናይቲ ቅዱስ ሲኖዶስን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ምስ ዝተፈላለዩ ኣፈጸምቲ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጥን ወፃእን ክገብርዎ ዝጸንሑ ቀጥታዊ ርክብን ዘተን፣ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፣ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ከምኡ’ውን ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ ዝርከብዎ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኵለን ሰበኻ ጉባኤታት ኣሥመራ ኣብ ጉዳይ ምኅደራን ኣገልግሎትን ኣብያተ ክርስቲያን ኣሥመራ ኣርእስቱ ዝገበረ ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዶም።

ተውሳክ፡ . . . ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ምስ ኵለን ሰበኻ ጉባኤያት ኣሥመራ ጉባኤ ተቓኒዑ !

ክብረ በዓል ብርሃናተ ዓለም ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ 5 ሓምሌ ብኽብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ብርሃናተ ዓለም ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ 5 ሓምሌ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብማኅሌተ ውዳሴን ጸሎተ ቅዳሴን ብኽብሪ ተባዒሉ። ውሉደ ክህነት ኣብ ሰዓታተ ጸሎትን ስብሐተ ማኅሌትን ንጽኑዕ መንፈሳዊ ተጋድሎ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዝገልጹ ጸሎታትን ስብሓታትን፡ ‘ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ብርሃናተ ዓለም ሐዋርያተ ሰላም ሱቱፋነ ሕማም አስራበ ምሕረት ከዐዉ እምአርያም/ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ መከራ ዝተቐበልኹም ብርሃናት ዓለም ሓዋርያት ሰላም  ካብ ሰማያዊ ኣምላክ ብጸሎትኹም ምሕረት ኣውህቡና፡’ እናበሉ ኣብጺሖም።

ተውሳክ፡ . . . ክብረ በዓል ብርሃናተ ዓለም ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ 5 ሓምሌ ብኽብሪ ተባዒሉ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ! 

ቅዱስ ሲኖዶስ 28-29 ሰነ 2008 ዓ.ም ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤኡ ብምክያድ፣ ኣብ ዓበይቲ መንፈሳውያንን ምምኅዳራውያንን ልምዓታውያንን ጉዳያት ዘትዩን ውሳነታት ኣኅሊፉን።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ጉባኤኡ፦ ነቶም ብሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ከምኡ’ውን ብኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ዝቐረበሉ ጠለባትን ሕቶታትን ህልው ሓፈሻዊ ኵነታትን ብዕምቈት ድኅሪ ምዝታይ ውሳነታት ኣኅሊፉ።

ተውሳክ፡ . . .ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ!

ዝክረ ዕረፍት ጻድቅ አቡነ ክፍለሥላሴ ተኸቢሩ!

ዝክረ ዕረፍት ጻድቅ አቡነ ክፍለሥላሴ ተኸቢሩ!

ብ28 ሰኔ በብዓመቱ ዝዝከር በዓለ ዕረፍት ጻድቅ ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ፡ ሎሚ ዓመት (2008 ዓ.ም) ካብ ዝኃለፈ እዋን ብዝደመቐ ኵነታት ተኸቢሩ። ዝክረ ዕረፍት ጻድቅ አቡነ ክፍለሥላሴ ኣብ ዝተወልድሉ ዓዲ ዛውልን፡ ኣብቲ ንዓመታት ብጽኑዕ ተጋድሎ ዝነበርሉን ብስም ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ዝሓነፅሉን ኣብ መወዳእታ ድማ ዓፅሞም ዝተቐብረሉን ዓዲ ባንብቆን ብኽብሪ እዩ ዝበዓል። ብፍላይ ኣብ ባንብቆ ካብቲ ከባቢ ዓድን ካብ ኣሥመራን ዝመጹ ሊቃውንት መዘምራን ፡ ውሉድ ክህነትን መንእሰያትን ምእመናንን ምእመናትን ተኻፈልቲ ናይዚ በዓል ኮይኖም።

ተውሳክ፡ . . . ዝክረ ዕረፍት ጻድቅ አቡነ ክፍለሥላሴ ተኸቢሩ!

ኣብ ላይደን ኔዘርላንድስ ሓዲሽ ታቦት ቅዱስ ሚካኤል ኣቲዩ!

ኣብ ላይደን ኔዘርላንድስ ሓዲሽ ታቦት ቅዱስ ሚካኤል ኣቲዩ!

ብዕለት 11 ሰኔ 2008 ዓ.ም. ሓዲሽ ታቦት ብስም ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኔዘርላንድስ ከተማ ላይደን ኣትዩ። ድሮ ዋዜማ፡ ብቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ጊዜያዊ ኣመኃዳሪ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝተመርሑ ውሉድ ክህነትን ብዝኂ ዘለዎም ምእመናንን ምእመናትን ምስ ተጋብኡ፡ ስብሐተ እግዚአብሔር ክበጽሕ ከሎ መደባት ቤት ትምህርት ሰንበት’ውን ተኻይዱ።

ተውሳክ፡ . . .ኣብ ላይደን ኔዘርላንድስ ሓዲሽ ታቦት ቅዱስ ሚካኤል ኣቲዩ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195