banner

‘ ግበሩ ተዝካርየ ምስለ ማርያም እምየ ’

ክብረ በዓል ገዳም ኣቡነ ዮናስ ተባዒሉ!

‘ግበሩ ተዝካርየ ምስለ ማርያም እምየ/ ዝኽረይ ምስ ኣደይ ማርያም ግበሩለይ’ ብዝበሎ መሠረት ከምቲ ዓመት መጸ ዝግበር ሎሚ ዓመት ድማ ክብረ በዓል ኣቡነ ዮናስ፡ ኣብ ገዳም ደብረ ድኁኃን ምስ ኣስተርእዮ ወበዓለ ዕረፍታ ለማርያም ብ21 ጥር ብኽብሪ ተባዒሉ። ኣብዚ ክብረ በዓል’ዚ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ኣቡነ ዮናስ በረኸት ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ንኽብሪ እዚ በዓል እዚ ካብ ዋዜማ ከምኡ’ውን ክሳዕ ናብ 21 ጥር ዘውግሕ ለይቲ ብሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ምንባብ መጻሕፍትን በጺሑ። ‘ ሰአል ለነ ዮናስ አቡነ ማኅቶተ ገዳም ዘታፈለፍል ዘይተ ከመ ሰሊሆም እም ከርሠ መቃብር ኅቱም/ ከም ሰሊሆም ካብ ኅቱም መቓብር ዘይቲ እተፈልፍል ብርሃን ገዳም ዝኾንካ ኣቦና ዮናስ ለምነልና’ እናበሉ ነቲ ምልክት ቅድስናኡ ካብ መቓብሩ ዘይቲ ዘፈልፈለ ጻድቕ ኣቡነ ዮናስ ዘኪሮም።

ተውሳክ....‘ ግበሩ ተዝካርየ ምስለ ማርያም እምየ ’

“እም አፈ ደቂቅ ወሕፃናት አስተዳሎከ ስብሐተ”

ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወኢየሉጣ

ከምቲ ኵሉ ጊዜ ዓመት መጸ ዝበዓል ሎሚ ዓመት'ውን ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወኢየሉጣ ጥር 15, 2008 ዓ.ም. ብምዕሩግ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ከቢሩ ውዒሉ።
ብፍላይ ግና ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ማይ ጭሖት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶስክ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ዘገዳማት፡ ኣበምኔታት ገዳማትን ብዙኃት ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተኸቢሩ።
ኣቐዲሙ ብዝወፀ መርሓ ግብር፡ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ናብ ሰማይ ብተመስጦ ዝወስድ ያሬዳዊ ስብሐተ እግዚአብሔር ክዝምሩን ከሸብሽቡን ከለዉ፡ ካብተን ኣዴታት ዘየቋርጽ ዕልልታን ካብ ኣቦታት ድሙቕ ጣቒዒትን ይስማዕ ነበረ።

Read more: “እም አፈ ደቂቅ ወሕፃናት አስተዳሎከ ስብሐተ”

በዓለ ጥምቀት ብምዕሩግን ድሙቕን መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ ዝኽበር፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠምቀሉ 11 ጥር ሎሚ ዓመት’ውን ብምዕሩግን ድሙቕን መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ተኸቢሩ።
ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ባሕረ ጥምቀት (ሜዳ ባሕቲ መስከረም)፦ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ድባርዋ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ከምኡ’ውን ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነት፡ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተባዒሉ።

ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ዝወረዶ ንምዝካር፡ ኣብ ዋዜማ’ቲ በዓል ናይ ኣብ ኣሥመራ ዝርከባ ሸሞንተ ኣብያተ ክርስቲያን ታቦታት ማለት ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም፡ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ (ዕዳጋ ኃሙስ)፡ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል (ኣኽርያ)፡ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል(ቤት መኻእ)፡ ደብረ ግዕዛን መድኃኔዓለም (ገዛ ባንዳ)፡ ደብረ ፀሐይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት(ኃዝኃዝ)፡ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ (ቲራቮሎ)ን ደብረ ምሕረት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ (ኣኽርያ)ን ናብ ባሕረ ጥምቀት (ሜዳ ባሕቲ መስከረም) ወሪዶም። ናይዚ ምሳሌ ድማ ታቦት ዝተሰከሙ ካህናት ብቅዱስ ዮሓንስ፡ እቲ ናብ ማየ ጥምቀት ዝወረደ ታቦት ድማ በቲ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ዝኸደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይምሰል።

Read more: በዓለ ጥምቀት ብምዕሩግን ድሙቕን መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ተኸቢሩ!

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ጥሪ 7, 2008 ዓ.ም. ታቦቶም ኣብ ዘለዎ ኣብያተ ክርስቲያን ተኸቢሩ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ዕዳጋ ኃሙስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዱባርዋን፣ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓርትያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ማእከልን፣ ኣካያዲ ሥራሕ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ኣሮንን፣ ኣበምኔት ገዳማትን፣ ሊቃውንቲ መምህራንን ውሉደ ክህነትን፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መንእሰያትን ሕፃናትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።

ካብ ዋዜማ 6 ጥሪ ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ. ጀሚሮም ሊቃውንት መዘመራን ነቲ በዓሉ ዝምልከት ስብሓታትን ቅኔታትን ብዝግባእ ሥነ ሥርዓት ቆይሞም።
ካብኡ’ውን ናብ ቀዳም 7 ጥሪ ዘውግሕ ለይቲ ካብ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ጀሚሮም፡ ብርሃናተ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንትን መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ነቲ በዓል ዝምልከት ስብሐተ ማኅሌትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ክሳዕ ሰዓት 6፡30 ቅ.ቀ. ከብጽሑ ኃዲሮም።

ተውሳክ፡ . . . ክብረ በዓል ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ተኸቢሩ!

ቅድስት ማርያም መግደላዊት

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንበይና ብስም ቅድስት ማርያም መግደላዊት ትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ኣላ። እዛ ደብረ ማርያም መግደላዊት ዓዲ ደቂ ወራሲ ትብሃላ ቤተ ክርስቲያን’ዚኣ ኣብ ከባቢ ዓረዛ ጥቃ ገዳም ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ትርከብ ኮይና ዕድመኣ ዳርጋ ምስ ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ምዃኑ ይንገር። ክብረ በዓል ናይዛ ደብሪ’ዚኣ ብ6 ጥርን 6 ነሓሴን ዝኽበር ኮይኑ ሎሚ ዓመት 6 ጥር 2008 ዓ.ም. ድማ ካብ ከባቢ ዓዲ ደቂ ወራስን ካብ ኣሥመራን ናብ ዓዲ ደቂ ወራሲ ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ካብ ቅድስት ማርያም መግደላዊት በረኸት ንምርካብ ኣብቲ ክብረ በዓል ተሳቲፎም ነይሮም።

ተውሳክ፡ . . . ቅድስት ማርያም መግደላዊት

ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቡነ ሊባኖስ ዝኸብር 3 ጥሪ ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ሎሚ ዓመት’ውን ብድምቀት ተባዒሉ። ካብ በረኸትን ቃል ኪዳንን ኣቡነ ሊባኖስ ንምስታፍ፡ ኣብ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኃላፊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ገዳማውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ተረኺቦም ነይሮም።

ካብ ዋዜማ ብድሮ ዕለት 2 ጥሪ ነቲ ናይ ጻድቅ በዓል ምስ ልደት ብምስናይ ስብሐተ እግዚአብሔርን ቅኔታትን ብሊቃውንቲ በጺሑ። ብድኅሪ ዋዜማ ካብ ሰዓት 8፡00 ምሸት ጀሚሩ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ብተመስጦ ዘኅድር ኵነታት ብሊቃውንት መዘምራንን ገዳማውያን ኣበውን ምእመናንን ክበጽሕ ኃዲሩ።

ብመሠረት መርሐ ግብር ታቦተ ሕጉ ሰዓት 10፡00 ወፂኡ፡ 3ተ ጊዜ ምስ ዖደ፡ ሊቃውንት መዘምራን “ወተቀበልዎ መላእክት አብእዎ ኢየሩሳሌም/ መላእክት ተቐቢሎም ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣእትዮሞ” እናበሉ ወሪቦም። ብድኅር’ዚ ኃላፊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም፡ ምስ ታሪኽ ኣቡነ ሊባኖስ ብምትኅኃዝ ሰፊሕ ትምህርቲ ምስ ተዋህበ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሊቃስ ቃለ ምዕዳንን ብራኬን ተዋሂቡ ፡ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ ታቦት ናብ ክብሪ መንበሩ ኣተወ።

ኣብ መወዳእታ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ኮይኑ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡ ብገዳምን ብከባቢ ዓድን ዝተዳለወ መኽፈልቲ ኵሉ ነጋዳይ ምስ ተኻፈለ ናይ’ቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195