banner

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ዑደቱ ፈጺሙ ተመሊሱ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ዑደቱ ፈጺሙ ተመሊሱ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝገበሮ ዑደቱ ቅድሚ ሰሙነ ሕማማት ፈጺሙ ተመሊሱ። 

ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ብዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ናብ ሃገረ ኣውስትራልያ ከምኡ’ውን ኣቐድም ኣቢሉ ብብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ሃገረ ኬንያ በብእዋኑ ሓዋርያዊ ዑደት ብምግባር ኣብያተ ክርስቲያን ባሪኹ ሓዲሽ ታቦት ከእቱን፡ ሕዝበ ክርስቲያን ክባርኽን ከጸናንዕን፡ ሥልጣነ ክህነት ክሸይምን መንፈሳዊ ጉባኤያት ሠሪዑ ክዛተን ድኅሪ ምቕናይ ብሰላመ እግዚአብሔር ተመሊሱ።

እዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ እግዚአብሔር ዝሠመሮ ብዅሉ ሸነኻቱ ትስፉው መንገዲ ኣገልግሎት ዝጸርግ፡ ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ዘድምቕን ጕስነት ሕዝበ ክርስቲያን ዘኅይልን ዕዉት ብምንባሩ ቀጻልነቱ ኣገዳሲ እዩ።

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ንግሥነት ኔዘርላንድ ሥራሕ ፈጺሙ !

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ንግሥነት ኔዘርላንድ ሥራሕ ፈጺሙ!

ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ከካይዶ ዝጸንሐ፡ ኣብ ከተማታት ኣምስተርዳምን ሮተርዳምን ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሙ።

ብመሠረት መርሐ ግብር፣ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ቀዳም 8 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም. ኣብ መድኃኔዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣምስተርዳም ጸሎተ ቅዳሴ ድኅሪ ምስታፍ፡ ጸሎተ ቡራኬን መጸናንዒ ኣስተምህሮን ሂቡ። ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ሠለስተ ጣዕመ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡ ሰበኻ ጉባኤ መድኃኔዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣምስተርዳም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፦ ብፁዕ ኣቦና ብኣድካሚ ጕዕዞ፣ ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ንዝቕመጥ ብርክት ዝበለ ሕዝበ ክርስቲያን ክባርኹ ብምምጽኦም ሓጐሶምን ምስጋናኦምን ድኅሪ ምግላጽ፣ ናፍቖት ሃገሩን ኣቦታቱን ንዘለዎ ሕዝቢ ገጽ ኣቦታቱ ክርኢ ንዘብቅዖም እግዚአብሔር ኣመስጊኖም።

ተውሳክ፡ . . .ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ንግሥነት ኔዘርላንድ ሥራሕ ፈጺሙ !

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም!

ዓመታዊ ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቶያን ኤርትራ ተማእኪሉን ተወዲቡን ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኵሉ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ። ንነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ናይ መወዳእታ መምርሕን ሓበሬታን ንምሃብ ድማ ብዕለት 10 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም.ግ (18/04/2016 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉባኤ ተኻይዱ።  

ተውሳክ፡ . . . ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ዘድሊ ምድላዋት ኣጻፊፎም!

ኣብ ሃምቡርግ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ታቦት ተባሪኹ ኣትዩ!

       ኣብ ሃምቡርግ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ታቦት ተባሪኹ ኣትዩ!

ብስም ቅዱስ ሚካኤል ሓዲስ ታቦት ብቀዳም 8 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም.ግ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን ከተማ ሃምቡርግ ተባሪኹ ኣትዩ። ኣብ ሃምቡርግ ዝቕመጡ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ንነዊሕ ዓመታት ብማኅበር ተጠርኒፎም፣ ኣብ ሃገረ ጀርመን ብዝርከቡ ትጉሃን ካህናት ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝጸንሑ ኮይኖም ነቲ ፍረ ጸሎቶምን ትዕግሥቶምን ዝኾነ ታቦተ እግዚአብሔር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሃምቡርግ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ብልዑል ሓጐስን ዓቢይ ክብርን ምዕሩግ ሥነ ሥርዓትን ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ተውሳክ፡ . . .ኣብ ሃምቡርግ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ታቦት ተባሪኹ ኣትዩ!

7ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ‘ኒቆዲሞስ’

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

         7ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ‘ኒቆዲሞስ’

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ፡ እታ ሻብዓይቲ ሰንበት ‘ኒቆዲሞስ’ ትብሃል። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ዚዝመርን ዚንበብን ዚወሃብ ትምህርትን ብዛዕባ ኒቆዲሞስ እዩ። ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ርእሲ ናይቲ መዝሙር “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ” ዝብል ኮይኑ “ወሀሎ አሐዱ ብእሲ እምፈሪሳውያን ዘስሙ ኒቆዲሞስ መልአኮሙ ለአይሁድ ዘሖረ ኀቤሁ ቀዲሙ ሌሊተ ወይቤሎ ለኢየሱስ ዕጓለ አንበሳ ሰከብከ ወኖምከ አንሥአኒ በትንሣኤከ” እናበለን ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ (ምዕራፍ 3) ዝተጻሕፈ እናጠቐሰን ይዝምር። 
ኒቆዲሞስ፦ ዝተባህለ ምሁረ ሕግ፡ ኃለቓ ኣይሁድን መምህር እስራኤልን ዝኾነ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ነበረ።

ተውሳክ፡ . . . 7ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ‘ኒቆዲሞስ’

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዝ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዱ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ዝገብሮ ዘሎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዝ ከተማ ዙሪክ ዑደት ኣካይዱ።

ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ሃገረ ስዊዝ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤያትን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍዎ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡

ተውሳክ፡ . . .ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዝ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዱ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195