banner

ኪዳንኪ ኮነ ለኃጥኣን ቤዛነ

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ሰምበል

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት 16 የካቲት ብዓሚቝ መንፈሳዊ ተመስጦን ፍቕርን ተኸቢሩ። ብፍላይ ኣብ ኵለን ብስም ኪዳነ ምሕረት ዚተሓንፃ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ኣሥመራ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሰምበል ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ከምኡ’ውን ኣብ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ማይ ጭሆት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ዝተረኽብሉ ክበዓል ከሎ፡ ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ድማ ኳዜን፡ ደቂጴጥሮስ፡ ፃዕዳ ክርስቲያን፡ እምባደርሆ፡ ኳዜን፡ ዓዲ ቀረጽ . . . ተኸቢሩ ውዒሉ ።
ኣብ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሰምበል ከምቲ ልሙድ 15 የካቲት ዋዜማ ተጀሚሩ ምስ ተፈጸመ፡ ናብ 16 የካቲት ናብ ዘውግሕ ለይቲ ኸኣ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ንእግዚአብሔር ኬመስግኑ ኃዲሮም።
ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ. ሥርዓተ ዑደት ታቦት፦ መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ብቕድሚት እናዘመሩ፡ ብድኅሪት ከኣ ሊቃውንቲ እናሸብሸቡ፡ ብየማነ ጸጋም ከኣ ሕዝበ ክርስቲያን እናተማህለሉ ሠለስተ ጊዜ ምስ ዖደ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆይሙ።

ተውሳክ፡ . . .ኪዳንኪ ኮነ ለኃጥኣን ቤዛነ

መበል 9ይ ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርት ሰንበት ደብረ ኃይል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ምሕራም ጭራ ተባዒሉ!

መበል 9ይ ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርት ሰንበት ደብረ ኃይል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ምሕራም ጭራ፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሰንበት ዕለት 13 የካቲት 2008 ዓ.ም.ግ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ብመሠረት መርሓ ግብር፡ ጉባኤ ሰዓት 2፡30 ድ.ቀ. ብጸሎት ምስ ተጀመረ፡ ማእከሎት መዘምራን ቤት ትምህርት ሰንበት ሠለስተ መዛሙር፡ ‘ፍቕርካ ጐይታይ ዘይነጽፍ ወሓዚ እዩ፣ ንገሢ ኣብ ልበይ ኣደ ብርሃንን፡ ሰላም ጸሊ ለርኁቃን’ ዝብላ ምስ ዘመሩ፡ ስብከተ ወንጌል ኣብ ማቴ. 11፡28 “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ” ዘሎ ኃይለ ቃል መሠረት ኮይኑ፡ እቲ ሓቀኛ ኣብ እግዚአብሔር ዘሎ ዕረፍቲ ብፍጹም ንስሓ ናብኡ ምስ እንምለስ ከም ዝርከብን፡ ብዙኃት ቅዱሳን ኣቦታት ከም ኣቦና ኣብርሃም ናብ እግዚአብሔር ተጸጊዖም መንፈሳውን ሥጋውን ዕረፍቲ ከምዝረኸቡ ኣብነታት ብምጥቃስ ሰፊሕን እዋናውን ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ተውሳክ፡ . . .መበል 9ይ ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርት ሰንበት ደብረ ኃይል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ምሕራም ጭራ ተባዒሉ!

ኣብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ክመሃሩ ዝጸንሑ 14 ተመሃሮ ብባርኾት ብፁዓን ኣቦታት ተላኢኾም!

“ሑሩ ወመሀሩ ውስተ ኵሉ ዓለም ወስብኩ ወንጌለ ለኵሉ ፍጥረት”

ኣብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ብዝተፈላለዩ ናይ ሞያ ትምህርቲ ክመሃሩ ዝጸንሑ 14 ተመሃሮ ማለት፡ ብትርጓሜ መጻሕፍት ሠለስተ ተመሃሮ፡ ብመዝገብ ቅዳሴ ሽድሽተ ተመሃሮ፡ ብድጓ ሓደ ተመሃራይ፡ ብቕኔ ሓደ ተመሃራይ፡ ብኣቋቋም ድማ ሠለስተ ተመሃሮ፡ ቅድሚ መመረቕታኦም ብመምህርነት ንሓደ ዓመት ምእንቲ ኸገልግሉ ብባርኾት ብፁዓን ኣቦታት ተላኢኾም።

ኣብቲ ብዕለት 9 የካቲት 2008 ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ዝተሠርዐ ናይ መፋነዊ ጉባኤ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ኣበምኔታት ገዳማትን ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ተረኺቦም ነይሮም።

ብመሠረት መርሐ ግብር፡ እቲ መደብ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ ኃላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል ኣብ ዘስምዖ ቃል፦

ተውሳክ፡ . . . ኣብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ክመሃሩ ዝጸንሑ 14 ተመሃሮ ብባርኾት ብፁዓን ኣቦታት ተላኢኾም!

ክብረ በዓል አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ፡ ካብ ርሑቅን ቀረባን ብዝመጹ ኣበምኔታት ገዳማት ፡ ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነት፡ ተማሃሮ ትምህርት ሰንበትን፡ ምእመናን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተባዒሉ።

ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ነቲ በዓል ዝምልከት ስብሓተ እግዚአብሔር ከብጽሑ ውዒሎምን ኃዲሮምን። ብመሪሕነት ኣበምኔታት ገዳማት መምህር ወልደ ኪዳን ኣበምኔት ገዳም ፀዓዳ እምባ፡ መምህር ገብረሥላሴ ኣበምኔት ገዳም ደብረ ሊባኖስ ሃም፡ መምህር ስምዖን ኣበምኔት ገዳም ደብረ ቁስቋም  ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ፡ ታቦት ካብ መቅድሰ ወፂኡ ሥርዓተ ምዕዋድ ገይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ብዝማሬን ምህለላን እናተዓጀበ ቆይሙ።

ብመሠረት መርሓ ግብረ ከኣ ሊቃውንት መዘምራን ን 15 ደቂቅ ዝኸውን ያሬዳዊ ዝማሬ ብምዝያም ኣሽብሺቦም። ስብከተ ወንጌል ምስ ታሪኽ ኣቡነ እንድርያስን ገዳምን ብምትእስሳር ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ቡራኬ ብመምህር ወልደ ኪዳን ኣበምኔት ገዳም ፀዓዳ እምባ ምስ ተዋህበ፡ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ፡ ታቦት ናብ ቅዱስ መንበሩ ኣትዩ፡ ገዳማውያን ድማ ከምቲ ኣቐባብለኦም፡ ብዝግባእ ኣጋይሾም ኣአንጊዶም ‘ያብጽሓነ አመ ከመ ዮም’ እናበሉ ብኽብሪ ኣፋንዮም።

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትርከብ። መሥራቲኣ ኣቡነ እንድርያስ ደቀ መዛሙርት ኣፍርዩ፡ ማኅበር ሓድነት ኣቒሙ፡ ብዙኅ ተኣምራታዊ ፈውሲ ገይሩን ገዲፉን 1 የካቲት ስለ ዝዓረፈ፡ ዓመት መጸ በዚ ዝኽረ ዕረፍቱ ክብረ በዓላ ተኽብር።

ክብረ በዓል ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ተኸቢሩ!

ከምቲ ዓመት መጸ ዝኽበር፡ ሎሚ ዓመት ድማ 29 ጥር 2008 ዓ.ም. ክብረ በዓል ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ተኸቢሩ። ኣብዚ ክብረ በዓል’ዚ ኣበምኔት ገዳማት፡ ሊቃውንት መዘምራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ተሳተፍቲ በረኸት ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ኮይኖም።

ንኽብሪ እዚ በዓል እዚ ካብ ዋዜማ ከምኡ’ውን ናብ 29 ጥር ዘውግሕ ለይቲ ብሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ስብሐተ ማኅሌትን መዝሙር ሰንበትን ጸሎተ ሰዓታትን ምንባብ መጻሕፍትን በጺሑ። 6፡30 ቅ.ቀ. ብኣበምኔት ገዳም ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ መምህር ዘሚካኤል ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ዓረገ፡ ታቦት ሠለስተ ጊዜ ብመዝሙር እናተዓጀበ ዘይሩ። ታቦት ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ መምህር ዘሚካኤል ነቲ በዓል ዝምልከት ምስ ታሪኽ ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ብምትእስሳር ሰፊሕ ስብከተ ወንጌል ድኅሪ ምሃብ፡ እዚ ገዳም’ዚ ብሓፈሻ ብዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ብከባቢ እቲ ዓዲ ቆላሕታ ኽግበረሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም። ብድኅር’ዚ ‘ሰላመ አብ’ ምህለላ በጺሑ፡ ታቦት ብጣዕመ ዜማ ተዓጂቡ ኣብ ክብሪ ቦታኡ ኣትዩ። በዚ ኸኣ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

ተውሳክ፡ . . . ክብረ በዓል ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ተኸቢሩ!

ኣስተርእዮ ማርያም ከምኡ’ውን ዝኽረ በዓል ኣቡነ ሉቃስ ጻድቅ ኣብ ሓበላ ዞባ ጋሽ ባርካ ተባዒሉ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ኣስተርእዮ ማርያም 21 ጥር’ ኣብ ውሽጥን ወፃእን፡ ኣብ ከተማን ገጠርን ብሓፈሻ ኣብ ኵለን ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን ተኸቢሩ ውዒሉ። ብፍላይ ግና ኣብታ ኣብ መንገዲ ኣሥመራ - ሊባን፡ ካብ ኣሥመራ 50 ኪ.ሜ. ትርከብ ‘ሓበላ’ ትብሃል ዓዲ፡ ኣስተርእዮ ማርያም ከምኡ’ውን ዝኽረ በዓል ጻድቅ ኣቡነ ሉቃስ ብዝኂ ምእመናን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተባዒሉ። 21 ጥር ታቦት ናይ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን (ሓበላ)፡ ናብ ዓፅሚ ናይ ሓደ ባሕታዊ ኣቦ ኣቡነ ሉቃስ ብኽብሪ ዓሪፍሉ ዘሎ ቅዱስ መካን ብምውሳድ ብኽብሪ ይበዓል። ጻድቅ ኣቡነ ሉቃስ፡ ድኅሪ ናይ ነዊኅ ዓመታት ተጋድሎን ትሩፋትን ኣብ በጋይት እትበሃል በረኻ ምስ ዓረፈ፡ ደኃሪ ጊዜ ጭደል (ኣጓጕል ዝፆታኣ ንማሕረስ እትዝውተር ላም) መጺኣ ነቲ ዓፅሙ ልሒሳ ፀኒሳ ወለደት። በዚ ዝተገረመ ጓሳኣ ናብ ዓዱ ከይዱ ብዓፅሚ ጻድቅ ኣቡነ ሉቃስ ዝተፈጸመ ተኣምር ምስ ነገሮም፡ ንበረኸት ክኾኖም ነቲ ዝተበታተነ ኣዕፅምቲ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ሳንዱቕ ኣእትዮም ናብ ዓዶም ተሰኪሞም እናኣምጽእዎ ከለዉ ኣብ መንገዲ ከም እምኒ ተሪሩን ከቢዱን ምኻድ ከልኦም። ‘ኣይመነናን ኣይመነናን’ ዝብል ድምፂ ምስ ሰምዑ ግና ‘ናብ ኣይመነናንዝበሓል ቦታ እዩ ደልዩ’ ኢሎም ምስ ኣልዓልዎ ግና ፈዂስሎም ኣብዚ ቦታ ኣብጽሕዎ። ፍቓድ እግዚአብሔር ምዃኑ ዝምስክር ድማ ኣብዚ ቦታ ምስ በጽሑ ላሕሚ ብሓረግ ተኣሲራ ረኸቡ። ‘እግዚኣብሔር እዩ ሰዲዱልና’ ኢሎም ጸሎት ኣብጺሖም በታ ላሕሚ ኣተዝኪሮም ቀበርዎ። ካብዚ ጊዜ’ዚ ጀሚሩ ኸኣ ዝኽረ በዓሉ ምስ ኣስተርእዮ ማርያም 21 ጥር እናተገብረ ይነብር ኣሎ። ኣብዚ ዓፅሚ ኣቡነ ሉቃስ ብኽብሪ ዓሪፍሉ ዘሎ ቦታ፡ ብማየ ጸሎትን ጸበልን ብዙኃት ሕሙማት ይሓውዩን ዝተፈላለየ ተኣምራት ይግበርን እዩ።

ተውሳክ.... ኣስተርእዮ ማርያም ከምኡ’ውን ዝኽረ በዓል ኣቡነ ሉቃስ ጻድቅ ኣብ ሓበላ ዞባ ጋሽ ባርካ ተባዒሉ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195