banner

ቅድስት ማርያም መግደላዊት

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንበይና ብስም ቅድስት ማርያም መግደላዊት ትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ኣላ። እዛ ደብረ ማርያም መግደላዊት ዓዲ ደቂ ወራሲ ትብሃላ ቤተ ክርስቲያን’ዚኣ ኣብ ከባቢ ዓረዛ ጥቃ ገዳም ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ትርከብ ኮይና ዕድመኣ ዳርጋ ምስ ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ምዃኑ ይንገር። ክብረ በዓል ናይዛ ደብሪ’ዚኣ ብ6 ጥርን 6 ነሓሴን ዝኽበር ኮይኑ ሎሚ ዓመት 6 ጥር 2008 ዓ.ም. ድማ ካብ ከባቢ ዓዲ ደቂ ወራስን ካብ ኣሥመራን ናብ ዓዲ ደቂ ወራሲ ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ካብ ቅድስት ማርያም መግደላዊት በረኸት ንምርካብ ኣብቲ ክብረ በዓል ተሳቲፎም ነይሮም።

ተውሳክ፡ . . . ቅድስት ማርያም መግደላዊት

ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቡነ ሊባኖስ ዝኸብር 3 ጥሪ ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ሎሚ ዓመት’ውን ብድምቀት ተባዒሉ። ካብ በረኸትን ቃል ኪዳንን ኣቡነ ሊባኖስ ንምስታፍ፡ ኣብ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኃላፊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ገዳማውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ተረኺቦም ነይሮም።

ካብ ዋዜማ ብድሮ ዕለት 2 ጥሪ ነቲ ናይ ጻድቅ በዓል ምስ ልደት ብምስናይ ስብሐተ እግዚአብሔርን ቅኔታትን ብሊቃውንቲ በጺሑ። ብድኅሪ ዋዜማ ካብ ሰዓት 8፡00 ምሸት ጀሚሩ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ብተመስጦ ዘኅድር ኵነታት ብሊቃውንት መዘምራንን ገዳማውያን ኣበውን ምእመናንን ክበጽሕ ኃዲሩ።

ብመሠረት መርሐ ግብር ታቦተ ሕጉ ሰዓት 10፡00 ወፂኡ፡ 3ተ ጊዜ ምስ ዖደ፡ ሊቃውንት መዘምራን “ወተቀበልዎ መላእክት አብእዎ ኢየሩሳሌም/ መላእክት ተቐቢሎም ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣእትዮሞ” እናበሉ ወሪቦም። ብድኅር’ዚ ኃላፊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም፡ ምስ ታሪኽ ኣቡነ ሊባኖስ ብምትኅኃዝ ሰፊሕ ትምህርቲ ምስ ተዋህበ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሊቃስ ቃለ ምዕዳንን ብራኬን ተዋሂቡ ፡ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ ታቦት ናብ ክብሪ መንበሩ ኣተወ።

ኣብ መወዳእታ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ኮይኑ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡ ብገዳምን ብከባቢ ዓድን ዝተዳለወ መኽፈልቲ ኵሉ ነጋዳይ ምስ ተኻፈለ ናይ’ቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

ክብረ በዓል አቡነ ተክለሃይማኖት ተኸቢሩ!

‘መንክር እግዚአብሔር በላዕለ ቅዱሳኒሁ’

ክብረ በዓል አቡነ ተክለሃይማኖት 24 ታኅሣሥ ኣብ ኵለን ብስሞም ዝተሰየማ ኣብያተ ክርስቲያናት ክዝከር ከሎ፡ ብፍሉይ ግና ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ደብረ ፀሐይ አቡነ ተክለሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን (ሓዝሓዝ) ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።
ካብ ድሮ’ቲ በዓል ዕለት 23 ታኅሣሥ ካብ ሰዓት 12፡30 ድ.ቀ. - 5፡00 ድ.ቀ. ሥርዓተ ዋዜማ፡ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። መምህራን ሊቃውንት፡ ተማሃሮ ደቀ መዛሙርት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ’ውን ልሳኖም ንጩሀት ኣእጋሮም ንቁመት ዘይበጽሐ ሕፃናት ኣብ ዝተሳተፍሉ ሥርዓተ ዋዜማ፡ ‘ብፁዕ ውእቱ ኣባ ተክለሃይማኖት ከሠተ ለነ ብርሃነ ዜናሁ ለመድኃኒነ/ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥራት ወንጌል ሰበኸልና፡ ኣባ ተክለሃይማኖት ንኡድ ክቡር’ዩ’ እናበሉ ኣዝይሞም። ኣብ መንጎ መንጎ ብዜማ ‘መስተብቍዕ በእንተ እለ ይነግዱ (ጸሎት ምእንቲ ዝገሹ) ፡ መስተብቍዕ በእንተ ዝናማት (ጸሎት ምእንቲ ዝናማት) ከምኡ’ውን መስተብቍዕ በእንተ ንጉሥ (ጸሎት ምእንቲ መራሒ ሃገር)’ እናተጸለየ፡ ዓበይቲ መምህራን ሊቃውንት’ውን ሓደ ድኅሪ ሓደ ቅኔ ገይሮም። ኣብ መወዳእታ ካብ ቅዱሳተ መጻሕፍት ምስ ተነበን ዚተረፉ ጸሎታት ምስ በጽሐን ‘ኢትግድፈነ ወኢትመንነነ ኣምላከ ሰላም ተራድአነ/ ኣምላኽ ሰላም እግዚአብሔር ርድኣና ደኣ እምበር ፈጺምካ ኣይትግድፈና’ እናበሉ ብጸሎት እግዝእትነ ማርያምን ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ንእግዚአብሔር ተማኅፂኖም። ሥርዓተ ዋዜማ ምስ ተፈጸመ፡ ምሸት ብእዋኑ ተደዊሉ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ስብሐተ ማኅሌት ዘሌሊትን መዝሙር ዘሰንበትን ከብጽሑ ኃዲሮም።

Read more: ክብረ በዓል አቡነ ተክለሃይማኖት ተኸቢሩ!

መበል 12 ዓመት ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ባረንቱ ተቓኒዑ።

መበል 12 ዓመት ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ባረንቱ ተቓኒዑ።

ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ባረንቱ “ብመንፈስ ንበሩ እሞ ትምኒት ሥጋ ኣይኪትፍጽሙን ኢኹም” (ገላ. 5፡16) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ኣርእስቲ ብሰንበት 17 ታኅሣሥ 2008 ዓ.ም.ግ. መበል 12 ዓመት ዓመታዊ በዓሉ ኣቃኒዑ።
እቲ ዓመታዊ በዓል ዓርቢ 15 ታኅሣሥ 2008 ዓ.ም.ግ. “መራኸቢ ብዙኃን ኣብዚ እዋን እዚ ከመይ ንጥቀመሉ ኣሎና፧” ብዝብል ዘተ መንእሰያት ተጀሚሩ። ተዛተይቲ ኣብቲ ኣርእስቲ ኣተኲሮም “ኣጠቓቕማና ጕድኣቱ’ዶ ይዛይድ ወይስ ጥቕሙ፧” ብምባል ብመንፈሳዊ፡ ባህላዊ፡ ጥዕናውን ማኅበራውን መዳያት ብዕምቈት ድኅሪ ምዝታይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣጠቓቕማና ጕድኣቱ ይበዝኅ ስለዘሎ፡ ጕድኣቱ ኣጕዲልና ጥቕሙ ከነዕቢ ዝሕግዙና ብርክት ዝበሉ ምኽርታት ድኅሪ ምዝርዛር ኣብ መወዳእታ ብመጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝተሰነየ መጠቓለሊ ሓሳብ ብማኅበር ተዋሂቡ።
ኣብቲ ሰንበት 17 ታኅሣሥ 2008 ዓ.ም.ግ. ዝተገብረ መንፈሳዊ ጉባኤ ብጸሎትን ብናይ ዕለቱ ወንጌልን ድኅሪ ምጅማሩ፡ በቶም ኣብዚ ትምህርተ ሰንበት ተዀስኲሶም ዝዓብዩ ዘለዉ ሕፃናት መዝሙር ቀሪቡ። መንፈሳዊ ትምህርቲ ምስ ተዋህበ መዝሙር ብዓበይቲ መዘምራን ቀሪቡ። ከምኡ’ውን መንፈሳዊ ተዋስኦ፡ ግጥሚ ብሕፃናትን መዝሙር ብሰብ ሓዳር ኣቦታትን ኣዴታትን ብተኸታታሊ ምስ ቀረበ፡ እቲ ጉባኤ ብኣባታዊ ምኽርን ጸሎትን ኣቦታት ተዛዚሙ።
ብሓፈሻ እዚ ዝተቓንዐ ጉባኤ እዚ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ኣካይዳና ናብ ሥጋ ዝዛየደ ብምህላዉ፡ ነዚ እዋን እዚ ኣለሊና ብሃይማኖትና ክንጸንዕን ኣብ ግብሪ ጽድቂ ክንተግህን ዝምህር መደብ እዩ ነይሩ።

ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚአብሔር

ሥርዓተ ቀብሪ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ዲዮስቆሮስ ተፈጺሙ!

ሥርዓተ ቀብሪ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ዲዮስቆሮስ 4ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሀገረ ኤርትራ፡ ብፁዓን ኣቦታት ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ፕረዚደንት ዘሀገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፡ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሰበ ሥልጣን፡ መንግሥትን ኣምበሳድራትን፡ መራሕቲ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ዝተረኸብሉ ቀዳም 16 ታኅሣሥ 2008 ዓ.ም. (26-12-2015 ዓ.ም.ፈ.) ሰዓት 12፡30 ቅ.ቀ. ኣብ ገዳም ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ ተፈጺሙ።
ናብ ቀዳም 16 ታኅሣሥ 2008 ዓ.ም. ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ኵለን ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን 12 ጊዜ ደወል ብምድዋል ጸሎተ ፍትሓትን ስብሓተ እግዚአብሔርን ክበጽሕ ኃዲሩ። ብፍላይ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ምሸት ዓርቢ (8፡30 ድ.ቀ.) ተደዊሉ፡ ካብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ዝተዋፅኡ ሊቃውንት መዘምራን ስብሐተ እግዚአብሔር ከብጽሑ ጀሚሮም። ሊቃዉንት መዘምራን ውዳሴ ማርያም ብምቕዳም ክስተትን ኣርያምን ኣብጺሖም እስመ ኪያከ ዘሚሞም፡ ኣመርጊዶም ጸፊዖም ምስ ወድኡ 12 ቅኔ ሥላሴ፡ 1 ዋዜማ፡ ሕንፂሃ ፡ 2 ሚበዝኁ ኣብጺሖም። ሊቃውንት ስብሐተ ማኅሌት እናኣብጽሑ ሰዓት 2፡30 ቅ.ቀ. ኣስከሬን ቅዱስ ፓትርያርክ ብብፁዓን ጳጳሳት ተዓጂቡ፡ ብሞተር ሳይክል ፖሊስ ተራፊክ ተመሪሑ ኣብ ቀጽሪ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም በጽሐ። ልብሰ ተክህኖ ዝለበሱ ወርቂ ጽንሓሕ ዝኃዙ ቀሳውስትን ቀዋሚ ወርቂ መስቀል ዝፆሩ ዲያቆናትን ጥዋፍ ኣብሪሆም፣ ጎኒ ጎኒ ለባስያን ድማ ጥዋፍ ዝኃዙ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት ‘ኃላፊተ ምድር ዘመነነ፡ ብፁዕ ዲዮስቆሮስ ኣስተምህር በእንቲአነ’ ኢሎም እናዘመሩ፡ ካብ ኣፍ ደገ ቀጽሪ ክሳዕ ዓውደ ምሕረት ብየማነ ጸጋም ተሠሪዖም ተቐበልዎሙ።

ኣስከሬን ቅዱስ ፓትርያርክ፡ ብብፁዓን ኣቦታት ምሉእ ኣልባሳት መዓርገ ፓትርያርክ ለቢሱ ኣብ ከባቢ ቅኔ ማኅሌት ምስ ተቐመጠ፡ ብብፁዓን ኣቦታት ተመሪሑ ጸሎተ ፍትሓት በእንተ ሙታን ተጸልዩ።

ተውሳክ፡ . . . ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚአብሔር

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195