banner

ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥሩዕ ናይ 2011 ዓ.ም. መደብ ትምህርቲ ጀሚሮም!

ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥሩዕ ናይ 2011 ዓ.ም. መደብ ትምህርቲ ጀሚሮም!

ኣብ ሃገርና ናይ መጀመርያ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዝኾነ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ዲግርን ዲፕሎምን መደባት ትምህርቲ ፡ ናይ ካልኣይ ዓመት ናይ ዲግሪ መደብ 32፡ ናይ ዲፕሎማ መደብ ድማ 27 ተማሃሮ ከምኡ’ውን ሓደሽቲ ተማሃሮ ቀዳማይ ዓመት ናይ ዲግሪ መደብ 27፡ ናይ ዲፕሎማ መደብ ድማ 13 ተማሃሮ ብዕለት 23-24 መስከረም 2011 ዓ.ም. (03-04 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ.) ሥሩዕ ናይ 2011 ዓ.ም. መደብ ትምህርቲ ጀሚሮም።

ተውሳክ፡ . . .ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥሩዕ ናይ 2011 ዓ.ም. መደብ ትምህርቲ ጀሚሮም!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምኽንያት ዕርፍቲ ብፁዕ ኣቡነ ብሾይ መግለጺ ኃዘን ናብ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ልኢኻ!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምኽንያት ዕርፍቲ ብፁዕ ኣቡነ ብሾይ መግለጺ ኃዘን ናብ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ልኢኻ!
ብምኽንያት ዕርፍቲ ብፁዕ ኣቡነ ብሾይ፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተሰምዓ ልባዊ ኃዘን ብምግላጽ፣ ናብ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ናይ መጸናንዒ ደብዳበ ልኢኻ።

 

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደት ንምግባር ገይሾም!

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደት ንምግባር ገይሾም!

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ መምህር መልከ ጼዴቅ አበምኔት ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቈሓይንን፡ ተሓጋጋዚ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደት ንምግባር ኃሙስ 24 መስከረም 2011 ዓ.ም. ( 04/10/ 2018 ዓ.ም.ፈ.) ገይሾም!

ተውሳክ፡ . . .ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደት ንምግባር ገይሾም!

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2011 ዓ.ም.ግ. ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2011 ዓ.ም.ግ. ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ/ ዝኽሪ ጻድቅ ንዘለዓለም ይነብር፡ መዝ. 111/112

ኣብ ናይ መንፈስ ደቆም ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን ክብረ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክብዓል ከሎ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ብሽሞም ኣብ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መድኃኒት ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጐዳይፍ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸቢሩ።

ተውሳክ፡ . . .ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2011 ዓ.ም.ግ. ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል መስቀል 2011 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ክብረ በዓል መስቀል 2011 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

በዓለ መስቀል፡ ብፍሉይ ኸኣ ኣብ ኣሥመራ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ብፁዓን ጳጳሳት፡ ላዕለዎት ሰበ ሥልጣን መንግሥትን ዲፕሎማትን፡ ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ።

ብመሠረት መርሓ ግብር ናይ’ቲ በዓል ሥነ ሥርዓት ልክዕ ሰዓት 7፡30 ቅ.ቀ. ብመሪሕነት ሰብ ተራ ለባስያን ደብረ ፀሐይ አቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝ ‘ሰአሊ ለነ ማርያም’ ጀሚሮም ሥርዓት ጸሎት ቅዳሴ ክሳዕ ጸሎተ ወንጌል በጺሑ። ካብ መዝ. 60 “ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት ወይድኃኑ ፍቁራኒከ/ ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም፡ እዚ ድማ እቶም ፍቁራትካ ካብ ገጽ ተጻባኢ ምእንቲ ኪድኅኑ እዩ።” ዝብል ምስባክ ምስ ተሰብከ

ተውሳክ፡ . . . ክብረ በዓል መስቀል 2011 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዌብ ቲቪ ኣብ መሥርሕ ምፍታን ኣሎ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዌብ ቲቪ ኣብ መሥርሕ ምፍታን ኣሎ!

ብመንገዲ ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝኾነት ልሳን ተዋሕዶ (lisantewahdo.org) ዝመኃላለፍ መርሐ ግብር ቴለቪዝን (ዌብ ቲቪ) ኣብ መሥርሕ ምጅማርን ፈተነን ከምዘሎ፡ መንበረ ፓትርያርክ ንሕዝበ ክርስቲያን አበሥር! 

More Articles ...

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195