banner

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ፡ 21 ሰኔ ድማ ቅዳሴ ቤታ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ ብፍላይ ግና ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ። ካብ ቀረባን ርኁቅን ብእግሪ ጕዕዞን ብመኪናን ዝመጹ ሕዝበ ክርስቲያን ፍቅረ እግዚአብሔርን ክብሪ ወላዲቱ ድንግል ማርያምን ብዝገልጽ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይቲ ዕለት ተሳተፍቲ በረኸት ኾይኖም።

ኵሎም ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ካብቲ ኣብ ዕለት 19 ሰኔ፡ 20 ሰኔ፡ 21 ሰኔ ዝበጽሐ ጸሎተ ቅዳሴን ስብሐተ ማኅሌትን ተሳተፍቲ ኮይኖም። ብውሉደ ክህነት ዝግባእ ሥርዓተ ዋዜማ እናተቖመ ስብሐተ ማኅሌት ክበጽሕ ከሎ ናኣሽቱ መንእሰያትን ዓበይትን ምእመናንን ምእመናትን ብጸሎተ ምህላ ውዳሴን ዝማሬን ነቒሖም ቀንዮም።

ተውሳክ፡ . . . ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ኣብ ፍልሰታ ማርያም ናብ ኢየሩሳሌም ዝነግዱ ምዝገባ ተጀሚሩ!

ሓበሬታ ንግደት ኢየሩሳሌም

ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ 2010 ዓ.ም.ግእዝ (2018 ዓ.ም.ፈ) በዓለ ዕርገተ ሥጋሃ ለማርያም (ፍልሰታ) ናብ ኢየሩሳሌም ኽትነግዱ ትደልዩ ምእመናንን ምእመናትን ካብ ዕለት 20-24 ሰኔ 2010 ዓ.ም. (27 ሰኔ ክሳዕ 1 ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈረንጂ) ምዝገባ ከካይድ ስለ ዝኾነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትነብርሉ ሃገረ ስብከት ወይ ዞባ፡ ብኣካል ፓስፖርትኩም ኂዝኩም ብምቕራብ ኽትምዝገቡን ዘድሊ ቅጥዒ ኽትመልኡን ከም እትኽእሉ ንሕብር።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዘይተማእከለ ጕዕዞ ፍቑድ ከምዘይኮነ ንገልጽ።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም

ንሰማዕታተ ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ!

ንሰማዕታተ ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ!

ሠሉስ 12 ሰነ 2009 ዓ.ም. (19/6/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ድማ ብደረጃ ሃገር ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰዓታት ንግሆ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ።

ኣብዚ ሥነ ሥርዓት’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ኃለፍቲ ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክ፡ ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤያት፡ ወኪል ካቶላካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣባ ተ/ጊዮርጊስ ክፍለ፡ ኣካላት መንግሥቲ፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ተሳቲፎም።

ተውሳክ፡ . . . ንሰማዕታተ ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ!

ክብረ በዓል አቡነ በኵረ ድንግል ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል አቡነ በኵረ ድንግል ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 9 ሰኔ ዝኽበር ዝክረ ዕረፍት አቡነ በኵረ ድንግል ኣብቲ ብስሙ ዝተጸውዐ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ብፁዐ አምላክ (ጐደይቲ) ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ፡ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን አልባሲሁ ለክርስቶስ ዝተባህሉ ምእመናንን ምእመናትን በረኸት ቃል ኪዳን አቡነ በኵረ ድንግል ተሳቲፎም።

ተውሳክ፡ . . .ክብረ በዓል አቡነ በኵረ ድንግል ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ብፁዕ አቡነ ዮሓንስ፡ 72 ብመዓርገ ዲቁና 27 ድማ ብመዓርገ ክህነት ሠይሞም!

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ፡ 72 ብመዓርገ ዲቁና 27 ድማ ብመዓርገ ክህነት ሠይሞም!

ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማትን ኣብያት ክርስቲያንን፡ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ዝተማህሩን ብግቡእ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዘጽንዑን 72 ብመዓርገ ዲቁና ከምኡ’ውን 27 ብመዓርገ ክህነት ብብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ድባርዋ ተሠይሞም።

እዞም ዝተሠየሙ ዲያቆናትን ዝተቐብኡ ካህናትን፡ ኣቐዲሞም ብመምዘኒ ብቕዓት ትምህርቶምን ሥነ ምግባሮምን ዝተመስከረሎም እዮም።

ኣብ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተገብረ ሥርዓተ ሢመት፡ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን “እዞም ዝተሠየሙ ውሉደ ክህነት ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኃይልን ጽንዓትን ኮይኖም ብትግሃትን ትሕትናን ከገልግሉ” ምዒዶም።

“ምንተኑመ ወፃእክሙ ገዳመ ትርአዩ፧ ናብዚ ገዳም እንታይ ኢኹም ክትርእዩ ዝመጻኹም” (ማቴ. 11፡7)

“ምንተኑመ ወፃእክሙ ገዳመ ትርአዩ፧ ናብዚ ገዳም እንታይ ኢኹም ክትርእዩ ዝመጻኹም” (ማቴ. 11፡7)

  ክብረ በዓል ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር (2010 ዓ.ም.) ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ።

02 ሰነ ፍልሰተ ሥጋሁ ለዮሓንስ መጥምቅ ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ። ንኽብሪ እዚ በዓል ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ገዳማውያንን፡ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ በረኸት ቃል ኪዳኑ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ዑደተ ታቦት ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ኣብ ዑደተ ታቦት ያሬዳዊ ዝማሬን ሸብሸቦን ምስ ቀረበ ብመምህር ሰሎሞን ተስፋማርያም “ናብዚ ምድረ በዳ እንታይ ኢኹም ክትርእዩ ዝመጻኹም” (ማቴ. 11፡7) ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ኣብ ትምህርቶም መምህር ሰሎሞን “ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ቅዱሳኑ ጸጋን በረኸትን ቃል ኪዳንን ሂብዎም እዩ።

ተውሳክ፡ . . . “ምንተኑመ ወፃእክሙ ገዳመ ትርአዩ፧ ናብዚ ገዳም እንታይ ኢኹም ክትርእዩ ዝመጻኹም” (ማቴ. 11፡7)

More Articles ...

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195