
ኣብ ክልተ እዋን ተሓቢኡ ብተኣምራታዊ ግብሪ እግዚአብሔር ዝተረኽበ ቅዱስ መስቀል፡ በዓሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ክቡር መስቀል፡ ድኅሪ ትንሣኤኡ ኣብ ክልተ እዋን ተሓቢኡ ብተኣምራታዊ ግብሪ እግዚአብሔር ዕለት 10 መጋቢት ተረኺቡ እዩ።
ብቅንእን ክፍኣትን ዝተላዕሉ ኣይሁድ ስመ ዝኽሩ ንኸይለዓል ኣብ ጎልጎታ ዓሚቝ ጕድጓድ ኵዒቶም ብምቕባር ክሳብ ጎቦ ዝኸውን ንኣስታት 300 ዓመት ደፊኖሞ ነበሩ።
ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገረ ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሠሉ ዘመን ግና ኣደ ንጉሥ ዝኾነት ንግሥት እሌኒ ብሓበሬታ ኣረጋዊ ኪራኮስን ምልክት ዕጣንን ካብቲ ተቐቢርሉ ዝነበረ ጎቦ 17 መስከረም ኵዕታ ተጀሚሩ 10 መጋቢት ከም ዝርከብ ገበረት። ኣብዚ ቦታ ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕኒፃ ድማ ብኽብሪ ኣብኡ ኣቐመጠቶ። እዚ ቀዳማይ ተረክቦተ መስቀል እዩ።
እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ዝተፈጸመ እዩ።
ተውሳክ፡ . . . ኣብ ክልተ እዋን ተሓቢኡ ብተኣምራታዊ ግብሪ እግዚአብሔር ዝተረኽበ ቅዱስ መስቀል፡ በዓሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!