banner

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታት ኤርትራ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታት ኤርትራ

ዕለተ ሰማዕታት 13 ሰኔ  ዝንበቡ፦ 

ዘእስመ ለዓለም፦

ወይርእዩ ኣሕዛብ. . . ። መዝ. 71
እስመ በእንቲአሁ . . . ። መዝ. 44
ማቴ. 10፡16-31

ዘቅዳሴ

ዕብ. 14፡32-ፍጻሜ።
ራእ. 20፡1-6
ግብ.ሓዋ. 5፡32-ፍጻሜ

ምስባክ፡
ወሥጋሆሙኒ . . . ። መዝ. 79
ዮሐ. 12፡24-34 ።

ሰማዕታት ዝበሃሉ ብሓባር ኮነ ብውልቂ ምእንቲ ሓቅን ጽድቅን ምእንቲ ሕዝብን እምነትን ሕይወቶም በጃ ዝወፈዩ መሥዋዕቲ ዝኾኑ እዮም። ሰብ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ንሕይወቱ በጃ ኣኅሊፉ ክህብ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ ስለዘየልቦ፡ ሰማዕትነት ዓቢይ ክብርን ዓሚቕ ፍቕርን ዝኃዘ እዩ። ዮሓ. 15፡13

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ኪወርር ሕዝብካ ኬሕስር ሃይማኖትካ ኪቕይር ንዝመጸካ ምክልኻልን ክሳዕ ሞት ዝበጽሕ መከራ ምቕባልን ንቡር እዩ። ኣብ መጽሓፍ መቃብያን ተጻሒፉ ከምዘሎ፦ እቶም ሕዝበ እግዚአብሔር ዕብራውያን ነቲ ንቤት መቕደሶም ዜፍርስ፡ ንሃገሮም ዜብርስ ንነፍሶምን ጥሪቶምን ዜባሳብስ፡ ጸላኢ ተላዒሉ ኣብ ወሰን ምድሮም ናይ ባዕዲ ሠራዊት ከምዝሰፈር ምስ ርኣዩ ብኽብሪ ንምንባር ወይ ብኽብሪ ንሙማት ወሰኑ።

ተውሳክ፡ . . . ዝክረ ዕለተ ሰማዕታት ኤርትራ

እንቋዕ ንጾመ ድኅነት ኣብቅዓና!

እንቋዕ ንጾመ ድኅነት ኣብቅዓና!

ጾመ ድኅነት ጾመ ረቡዕን ዓርብን እንትርፎ ድኅሪ ትንሣኤ ክሳዕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘለዉ ጊዜያት ዝርከቡ ረቡዕን ዓርብን ከምኡ’ውን ልደትን ጥምቀትን ኣብ ዝውዕሉሉ እዋን እንተ ዘይኾይኑ ካብ ዓመት ክሳዕ ዓመት ዝጽወም ጾም እዩ። ዝጽወምሉ ምኽንያት ኣለዎም።

ተውሳክ፡ . . .እንቋዕ ንጾመ ድኅነት ኣብቅዓና!

እንቋዕ ናብ ጾመ ሓዋርያት ኣብጽሓና!

እንቋዕ ናብ ጾመ ሓዋርያት ኣብጽሓና!

ቅዱሳን ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ ቅድሚ ንስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ዝጾሙዎ ጾም እዩ። ነዚ ኣብነት ብምግባር ከኣ ካብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ጀሚሩ ክሳዕ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ (5 ሓምሌ) ኽጽወም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትእዝዝን ትእውጅን።

ስለዚ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ሕይወቱ ንምቕዳስ ኪጸውም ይግባእ።

ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ የፈጽመና!

ዕለተ ግዕዛን ዘውእቱ ግዕዛነ ኤርትራ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዘይትነበብ አመ 16 ለግንቦት ዕለተ ግዕዛን ዘውእቱ ግዕዛነ ኤርትራ

ዘእስመ ለዓለም፦
ተፈሣሕነ ወተኃሠይነ . . ። መዝ. 89፡14
ሉቃ. 10፡17-24

ዘቅዳሴ፦

2ይ ቆሮ. 6፡1-7
1ይ ጴጥ. 3፡18-ፍጻሜ
ግብ.ሓዋ. 4፡19-36

ምስባክ፡-

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ . . . ። መዝ. 117/118፡24 
ወቦ ዘይቤ ወአርመመ ማዕበል . . . ። መዝ. 106/107፡29

ወንጌል፡-
ዮሐ. 14፡25-ፍጻሜ

‘እግዚአብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና ንሕና’ውን ተሓጐስና’ መዝ. 126፡3

እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ መዋዕል ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ንሱ ዝምስገነሉን ዝዝከረሉን ዓቢይ ግብርታትን ድንቂ ተኣምራትን፡ በብሕዝብታቱን በብኸባቢኡን ኽገብር ምጽንሑ ቅዱሳት መጻሕፍትን ታሪኽ ሕዝብታት ዓለምን ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።

ባርነት ግብጺ ዝመረሮም እስራኤላውያን፡ ንብዓቶም ናብ ዝፋን እግዚአብሔር ምስ ዓረገ፡ እግዚአብሔር ኪዳን ቀዳሞት ኣበው ዘኪሩ ሃለዋቶም ፈለጠ። (ዘፀ. 2፡23-25) በዚኸኣ እስራኤላውያን ድኅሪ ናይ 430 ዓመት መግዛእቲ ግብጺ ብብርቱዕ ኢድን ብኃያል ቅልጽምን እግዚአብሔር መዓልቲ ብደመና ለይቲ ብብርሃን ፋና እናገበረ ናፃ ኣውፅኦም፡ ምድረ ርስት ድማ ኣውረሶም። (መዝ. 136፡10-24)

እንሆ ድማ ብተመሳሳሊ ኣብዛ ካብ ጥንቲ ዘመነ ብሉይ ብአምልኮተ እግዚአብሔር ትምራሕ ዝነበረት፡ መዕረፊት ቅዱሳን ዝኾነት ሃገርና ኤርትራ ድማ ድኅሪ ብዙኅ ዘመናት መግዛእትን ልዕሊ ርብዒ ክፋለ ዘመን ዝኸውን ቃልስን ናጽነትን ሉዓላውነትን ምርካባ ዕፁብ ግብሪ እግዚአብሔር’ዩ።

ሕዝብና ብቃል ኪዳን ቅድስት ድንግል ማርያም ተማኅፂኑ፡ ዘዕረጎ ንብዓትን ጸሎትን ምህለላን መልሲ ረኺቡ ‘ድኅሪ ነዊኅን መሪርን ቃልሲ’ ብፍቓድን ረድኤትን እግዚአብሔር 16 ግንቦት 1983 ዓ.ም. (ኪዳነ ምሕረት) ኣውያት ሕዝብና ብዕልልታን ሰሓቅን ተተኪኡ ናፅነት ምርካብና፡ ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ዘይኮነስ መደብ እግዚአብሔር ምዃኑን ናይ እግዚእትነ ማርያም ናይ ምሕረት ኪዳን ኣባና ከምዝተፈጸመ ዘመስክር እዩ። እንሆ ድማ ነዚ ፍሉይ ውዕለት እግዚአብሔር ንምዝካር ድርብ በዓል ናጽነትን ኪዳነ ምሕረትን ነብዕል ኣሎና።
ኣበዓዕላና ድማ ብምስጋናን ጸሎትን ኪኸውን ይግባእ።

ዘማራይ ዳዊት “እግዚአብሔር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም ከም ሓለምቲ ነበርና፡ ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ መልሓስና’ውን ብዕልልታ መልአ፡ ኣሕዛብ ድማ ነዚኣቶም እግዚኣብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረሎም ተበሃሃሉ’ ዝበሎ ኣባና ተፈጺሙ እዩ’ሞ፡ ኵልና ኤርትራውያን ንዘለዓለም ብናጽነት ክነብር ‘እግዚአብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና ንሕና’ውን ተሓጐስና’ እናበልና ኃቢርና ክንሕጐስ ይግብኣና። (መዝ. 126፡1-3)

ከምኡ’ውን ቅድሚ ኵሉ በእንተ ሃገር ምጽላይ ይግባእ። (1ይ ጢሞ. 2፡1) ‘ኅሡ ሰላማ ለብሔረ እስመ በሰላመ ዚአሃ ይከውን ሰላምክሙ/ ምእንቲ ሰላም ሃገር ጸልዩ፡ ከመይሲ ንሳ ብሰላም ክትነብር እንተኸኣለት ኢኹም ሰላም ትረኽቡ” ከምዝብል ሰላምን ናጽነትን ሃገር ንምውሓስ፡ ኣፅዋር ጽድቂ ለቢስና ንጸሎት ክነቅሕ ይግብኣና። ኤፌ. 6፡13
ንቤተ ክርስቲያንና ብሃይማኖት የጽንዓልና፣ ንሃገርና ኤርትራ ብረድኤት ይባርኸልና፣

ንምድሪ ዝዝራእን ዝዕጸድን ፍረ ሂቡ፡ ብሓፈሻ ንሕዝብናን ንዅሉ ዓለምን ሰላሙ ከብዝኃልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

ዝተቐደሰን ዝተባረኸን በዓለ ናጽነት ይግበረልና!

ትንሣኤ ክርስቶስ - ትንሣኤና - ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን!

ትንሣኤ ክርስቶስ - ትንሣኤና - ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን!

“ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ክንዓዪ ኢና” ነህ. 2:20

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ ዘለዉ 50 መዓልታት ንትንሣኤ ክርስቶስ ነብዕለሉ “ወርኀ ትንሣኤ” እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ። ምኽንያቱ ትንሣኤ ክርስቶስ ደቂ ሰባት ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ባርነት ናብ ናፅነት፣ ካብ ድኻም ናብ ኃይሊ፣ ካብ ጽልኢ ናብ ፍቕሪ፣ ካብ ምፍልላይ ናብ ሓድነት፣ ካብ መርገም ናብ በረከት ዝተሰጋገርናሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብትንሣኤኡ ንናትና ትንሣኤ ልቦናን ትንሣኤ ዘጉባኤን ንዝክረሉ ስለዝኾነ እዩ። ኣብቲ ትንሣኤ ክርስቶስ ዝሃበና ትንሣኤ ሕይወት ክንሳተፍ እንተዄይና ኣቐዲምና ትንሣኤ ልቦና ክንትንሥእ ኣሎና።

ተውሳክ፡ . . .ትንሣኤ ክርስቶስ - ትንሣኤና - ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን!

ትንሣኤከ ለእለ አመነ፡ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ትንሣኤከ ለእለ አመነ፡ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ።  (ትንሣኤኻ ንእንኣምን ፡ንዓና ብርሃንካ ስደደልና።)

ትንሣኤ ሓደ ካብተን ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ እቲ ዘይመውት ጐይታ ኣብ መቃብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድኅሪ ምግባሩ ብዕለተ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ብመለኮታዊ ኃይሉ ዝተንሥአሉ ፡ ድኅነት ደቂ ኣዳም ዝተረጋገጸሉ ፡ድኅሪ ሥጋዊ ዕረፍቲ (ሞት) ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንሰጋገርሉ ተስፋ ዝተረኽቦ ዓቢይ ዕለት እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ትንሣኤከ ለእለ አመነ፡ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195