banner

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም


ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም

ኣብ 2010 ዓ.ም.ግእዝ (2018 ዓ.ም.ፈ) በዓለ ፋሲካ ናብ ኢየሩሳሌም ክትነግዱ ትደልዩ ምእመናንን ምእመናትን ካብ ዕለት 22 ክሳዕ ዕለት 29 ኅዳር 2017 ዓ.ም.ፈረንጂ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ብኣካል ፓስፖርትኩም ኂዝኩም ብምቕራብ ክትምዝገቡን ዘድሊ ቅጥዒ ክትመልኡን ከምእትኽእሉ ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ይሕብር። ዝኾነ ብቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘይተማእከለ ዝግበር ጉዕዞ ዘሕትት ምዃኑ ብተወሳኺ ይሕብር።
ቦታ ምዝገባ፥-

1. ነባርነትኩም ኣብ ኣሥመራ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ
2. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ማእከል ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ማእከል
3. ነባርነትኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ዓዲ ቀይሕ
4. ነባርነትኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ መንደፈራ
5. ነባርነትኩም ኣብ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ድባርዋ
6. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ከረን
7. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ባረንቱ
8. ነባርነትኩም ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾንኩ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ባጽዕ
9. ነባርከትኩም ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾንኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ከተማ ዓሰብ

ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195