banner

ጊዜና ዝጠልቦ ተልእኾ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጊዜና ዝጠልቦ ተልእኾ!

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ወንጌለ መንግሥትን ድኅነተ ዓለምን ክሰብኩ ዝመረጸ ንቕዱሳን ሓዋርያት እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ኣብቲ ጐይታ ዝወዓሎ እናወዓሉ፣ ኣብ ዝኃደሮ እናኃደሩ ማዕደ ሕይወት ቃሉ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ተመገቡ። ጐይታ ኸኣ ኣብ ርእሲ ልቦና፡ ምሳሌ፣ ኣብ ርእሲ ምሳሌ ድማ ትርጓሜ እናነገሮም ብቝዓት ዝገብሮም ትምህርትን ምሥጢርን ገለጸሎም። (ማቴ 5፡13-16፣ ማቴ 13፡11፣ ሉቃ 22፡39)

ብድኅር’ዚ ‘ሑሩ ወመሃሩ’ ብምባል ነታ መቐረት ዘይብላ ዓለም ጨው ኮይኖም ከመቅሩ፣ ብርሃን ኮይኖም ከብርሁ ጸጋኡ ሂቡ ሥልጣነ ክህነት ሠይሙ ለኣኾም። (ማቴ 28፡19-20፣ ግብ. ሐዋ. 2፡1-4)


ቅዱሳን ሓዋርያት ከኣ በቲ ካብ ቃሉ ዝሰምዕዎን ብግብሪ ዝረኣይዎን ቀዳሞት ምስክር ኮኑ። ብሥራተ ወንጌሉ ናብ ኣርባዕተ መዓዝናት ዓለም ንምብጻሕ ንተልእኾኦም ብዓወት ፈጸሙ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኵሉ ፀዋተወ መከራ ተዓጊሦም ክሳዕ ሞት እሙናት ኮይኖም ሰማያዊ ኣኽሊል ክቕበሉ ከኣሉ።

ብድኅሪኦም ኣሰሮም ተኸቲሎም ዝተንሥኡ ሓዋርያነ አበው ከምኡ’ውን ርቱዓነ ሃይማኖት ሊቃውንት ብርሃን ክርስትና ክሰፍሕን ክጸንዕን ብቓልን ጽሑፍን ተጋደሉ። ነዚ ስለዝፈጸሙ ኸኣ ኣብቲ ጽንኩር ዘመነ ሰማዕታት ኣዝዮም ብዙኃን ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ጸኒዖም፡ ሞት’ውን እንተኾነ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ከም ዘይፈልዮም ንእምነቶም ብግብሪ እናመስከሩ ክሳዶም ንሰይፊ፣ ሥጋኦም ንሓዊ ሂቦም ኃለፉ።

ቅዱሳን አበው’ውን እንተኾነ ዕጸበ ገዳም፡ ግርማ ለይቲ፡ ድምፀ ኣራዊት፡ ጸብኢ ኣጋንንት ተዓጊሶም ነቲ ካብ ሓዋርያት ክወራረስ ዝጸንሐ ቅኑዕ እምነት ተኺሎም ንዝመጽእ ወለዶ ኣረከቡ።

ብድኅሪኦም በብዘመኑ ዝተንሥኡ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ለይቲ ምስ መዓልቲ፡ ወሪዶም ደይቦም ምእመናንን ምእመናትን ርትዕት ሃይማኖት ኣጽኒዖም ምስ ሠናይ ግብሪ ኣዋሒዶም ካብ መንጠልቲ ተዃሉ ከም ዝሕለዉ ገበሩ። በዚ ኸኣ መኽሊቶም ስለዘብዝኁ፣ ስለዝሓለዉን ስለዝጓሰዩን እንሆ ሃገርና ሃገረ እግዚአብሔር ኮይና ትነብር ኣላ። ንዕኦም ከኣ “ርትዕት ሃይማኖቶሙ ለቅዱሳን አበዊነ” እናበልና ብሓበን ክንዝክሮም ንነብር ኣሎና።

ብኸምዚ መንገዲ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብኃይሊ እግዚአብሔርን ብረድኤት ቅዱሳንን ወርቂ ብሓዊ ከምዝፍተን ነቲ ክፉእ ዘመናት ብጽንዓት ሰጊራ ናብዚ ዘሎናዮ ዘመን በጺሓ ኣላ። ሎሚ ግና እዚ ጽኑዕ ታሪኽና ኣይግድን! ከም ዘመን ኣቦታትና ሓዋርያዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ደኺሙ ከምዘሎ’ውን መስካሪ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። ንመጓሰና ድምፂ ካልእ ክሰምዕን ክባረርን፣ ብተዃሉ ክምንጠልን ፋሕ ክብልን ንሓድጎ ከይንህሉ ዘፍርሕ እዩ።

እዛ ኣፍ ደጌታት ሲኦል ዘይኅይልዋ፣ ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ቤተ ክርስቲያንን ደቃን ክሕለዉ ልዕሊ ኵሉ ኃላፍነት ዝተሰከሙ ሥዩማን ካህናት ስለዝኾኑ ግቡእ መንፈሳዊ ዕጥቂ ዓጢቖም ኣብ ዘሎናዮ ዘመንን ወለዶን ነቒሖም ተልእኾኦም ክፍጽሙ፡ ብቃለ እግዚአብሔር ክጓስዩን ክምህሩን ይግባእ። (ኤፌ. 6፡13-18)። መምህራን ሊቃውንት’ውን ብዝግባእ ክምህሩን ክጽሕፉን ንእኦም ዝመስሉ ኣብ ምፍራይን ምትካእን ዝያዳ ክጽዕሩ ይግባእ። ፍቓድ ሰብ ዘይኮነ በቲ ሊቀ ኖሎት ዝኾነ እግዚአብሔር ‘ኣባጊዐይ ሓልዉ፣ ዕያውተይ ኣብልዑ’ ተባሂሉ ዝተኣዘዘ ኣምላካዊ ቃል እዩ።

ነዚ ሸለል ምባል ግና ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ሕያዋይ ጓሳ ብደም ዘሕትት እዩ እሞ ንወፍሪ ጕስነትና ዘድልየና ዕጥቅን ስንቅን ብእዋኑ ንኣክብ። ትእዛዝ ኣምላኽ ኣኽቢርና፣ መምርሒ ቤተ ክርስቲያን ተኸቲልና፣ ካብ ከንቱነት እዚ ዓለምን ካብ ክርክር መስሓትያንን ፈላለይትን ርሒቕና ጊዜና ዝጠልቦ ተልእኾ ጕስነት ብትግሃት ኪንፍጽም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ትብል። (ሕዝ 3፡18-20፣ ሕዝ 33፡4-8፣ ዮሓ. 21፡15-17፣ 1ይ ቆሮ 1፡10-12)

እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያንና ይባርኽ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195