banner

እንቋዕ ናብ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ድኅነትን ኣብጽሓና!

እንቋዕ ናብ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ድኅነትን ኣብጽሓና!

ጾመ ሓዋርያት

ጾመ ሓዋርያት፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ ቅድሚ ንስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ዝጾሙዎ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብኣዋጅ ንኽጽወሙ ካብ ዝሓገገቶም 7 ኣጽዋማት ሓደ እዩ።

ጾመ ሓዋርያት፡ ‘ጾመ ሰነ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ’ዩ። ኣብ ማቴ. 9፡14-15 “ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስ ናብ ጐይታ ኢየሱስ መጺኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙኅ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ስለምንታይ እዮም ዘይጾሙ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “መርዓዊ ምስኣቶም ከሎዶ ኣዕሩኽ መርዓዊ ኪጾሙን ኪኃዝኑን ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብኣቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙ እዮም፡’በሎም” ዝብል ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ ጐይታ ምስ ዓረገ ደቀ መዛሙርቱ ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐበሎም ኃይሊ ረኺቦም፡ ቅድሚ ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ዝጾምዎ ጾም እዩ።


በዚ መሠረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ነቦታትና ሓዋርያት ኣብነት ገይሩ ካብ ጽባሕ ሰንበት ጰራቅሊጦስ ክሳዕ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ክጸውም ትእዝዝ እያ። ኣብ ፍትሐ ነገሥት’ውን (አንቀጽ 15) ‘ወውእቱ ይተሉ እምበዓለ ኃምሳ ወፋሲካሁ አመ ኃምሱ ለሐምለ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ’ ከምዝብል እዩ። እዚ ጾም እዚ ብ”ኢያዐርግ፡ ኢይወርድ” ስለ ዝመላለስ ውሱን ጊዜ የብሉን። ሓሓደ ጊዜ ካብ ኣርብዓ መዓልቲ ይዛይድ፡ ሓሓደ ጊዜ’ውን ካብ ሠላሳ መዓልቲ ይውኅድ። ናይ ሎሚ ዓመት ዘመነ ማርቆስ 2010 ዓ.ም. ካብ ሰኑይ 20 ግንቦት ክሳዕ 5 ሓምሌ ይጽወም።

ጾመ ድኅነት

ጾመ ድኅነት ጾመ ረቡዕን ዓርብን እንትርፎ ድኅሪ ትንሣኤ ክሳዕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘለዉ ጊዜያት ዝርከቡ ረቡዕን ዓርብን ከምኡ’ውን ልደትን ጥምቀትን ኣብ ዝውዕሉሉ እዋን እንተ ዘይኾይኑ ካብ ዓመት ክሳዕ ዓመት ዝጽወም ጾም እዩ። ዝጽወምሉ ምኽንያት ኣለዎም።

ረቡዕ፦ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስቃል ናይ ሞቱ ምኽሪ መኺሮም ዝፈጸሙሉ ዕለት እዩ። (ዮሓ. 11፡46-53) ስለዚ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ምእንቲ ደቂ ሰባት ዝተወሰኖ ናይ ሞት ፍርዲ ምእንቲ ክንዝክር ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኽንጸውም ብሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ተሠሪዑ ኪጽወም ይነብር ኣሎ።

ዓርቢ፦ ከምዝፍለጥ ጐይታ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ዝተሰቕለሉ ብሥጋ ዝሞተሉ ንብዙኅ ዓመታት ኪጽበይዎ ዚጸንሑ ተስፋ ዝተፈጸመሉ ቅድስት ዕለት እያ። (ዮሐ. 19፡17-30 ፣ ሉቃ. 23፡26-49) ብምዃኑውን እንትርፎ ኣብ በዓለ ኃምሳን ልደትን ጥምቀትን፡ ረቡዕን ዓርብን ምእንታና ዝወዓለልና ውዕለት እናዘኸርና ብጾምን ጸሎትን ነዘን ክልተ ዕለታት እዚኣተን ክነኽብረን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትእዝዘና። (ፍት.መን.ኣን. 15፡ ዲድስቅ. 29)

ስለዚ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን በዚ ቅዱስ ጾም’ዚ ነፍስና ምእንቲ ክቕድስ ኽንጸውም ይግባእ!

ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ የፈጽመና!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195