banner

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት 2011 ዓ.ም.ግ.

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት 2011 ዓ.ም.ግ.

ናይ በዓለ ልደት 2011 ዓ.ም. (2019 ዓ.ም.ፈ.) ንቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ወኪሎም ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘመኃላለፍዎ ቃለ ቡራኬ ብሓፂሩ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም፦ ክቡራንን ክቡራትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ብሓፈሻ ኩልኹም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ልዑለ ባህርይ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ሐዘን ናብ ሓጐስ ኣሰጋጊሩ ናብ ብርሃነ ልደቱ ዘብጽሓና ይኽበር ይመስገን።

ናይ ለዘበን ዓመት በዓለ ልደት ካብተን ዝሐለፉ ዓመታት ፍልይ ዝበለት እያ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወል ከምቲ ኣብ ሉቃ. 2፡14 ዘሎ ሰብ ብበደሉ ካብ እግዚኣብሔር ርሒቑ ካብቶም ንምሕረትን ረድኤትን ዝቐርብዎ መላእኽቲ ተፈልዩ ክነብር ከሎ እዚ ዕለተ ልደት ናይ ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዕርቅን ሰላምን ስለዝኾነ፡ ሰብን መላእኽትን ብሓባር ኣመስጊኖም እዮም። መላእኽት “ስብሐት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለስብእ’’ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጐ እቶም እግዚኣብሔር ዝሕጐሰሎም ኢሎም ኣመስጊኖምዎ። ስለዚ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝነበረ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም መጋረጃ ጸልማት ተቐንጢጡ ሰላም ዝተበሰርናሉ ዓመት ስለዝኾነ። ንሕና ህዝበ እግዚኣብሔር ድማ ውሉድን ወላድን ኣሕዋትን ኣሓትን ተፈላሊና ዝነበርና ዝተራከብና ምስ ጐረባብትና ሰላም ዝረከብናሉ ብምዃኑ ፍሉይ በዓል እዩ።
ስለዚ እነሆ ከምቲ ጽሑፍና ‘እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ ኣበሥረኩም ኣሎኹ’ሞ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ። . . . ’ ዝበሎ፡ ናብዚ ቅዱሳን መላእኽትን ደቂ ሰብን ኃቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት ዘብጽሓና ንልዑል ኣምላኽና ኽብርን ምስጋናን ይኹኖ።

እዚ ዕለት እዚ ነቲ ብልደቱ ሰላምን ብርሃንን ሓጐስን ምሕረትን ዝሃበና ልዑል እግዚአብሔር ነመስግነሉ፡ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 19፡17 እቲ ንድኻ ዝርህርሃሉ ንእግዚኣብሔር የለቕሖ ዝብሎ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዘዳግም 15፡7 ሓውኻ እንተደኸየ ልብኻ ኣይትዕጸወሉ ኣእዳውካ ኣይትጨብጠሉ ዝደኸየ ከኣ ራሕራሓሉ፡ ንድኻ ዝህብ ገለ ኣይጐድሎን እዩ ዝብለና፡ ንሽጉራት ወገናትና ንረድኣሉ በዓል እዩ። ነዚ በዓለ ልደቱ ኣኽቢርና ደቂ ኣምላኽ ክንበሃል እንተኾይና ትእዛዛቱ እንተፈጺምና ኢና። ንዘድልዮም ካብ ዘለና ኣማቒልና በዓልና እንተ ኣብዒልና ዓስቢ ኣሎና።. . .

ስለዚ በዓለ ልደት ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ መንፈሳዊ ሥነ ምግባር እንተደኣ ኣብዒልና ኣምላክ በቶም ኢድ ተወሃብቲ ጌይሩ ክቕበለልና እዩ።

እግዚኣብሔር ሃገርና ይባርኸልና፡ መንግሥትናን ሰራዊትናን ብሰላም ይሓልወልና። እምበኣር ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር እትርከብ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ደጊምና እዚ በዓለ ልደት’ዚ ናይ በረኸትን ረድኤትን ፍቕርን ሰላምን ይግበረልካ ንብል።”

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195