banner

ቅዱሳን ኣቦታት ብዛዕባ ልደት ጐይታ ከምዚ ይብሉ፦

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡

ቅዱሳን ኣቦታት ብዛዕባ ልደት ጐይታ ከምዚ ይብሉ፦

* ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር፡ ብሥጋ ኣብ ዝተወልደት ኃደረ ሥጋ ተዋሓደ። ዜንድድ ሓዊ ረቂቕ መለኮት ቈርበት ሥጋ ተኸደነ። ካብ ሥዉር ናብ ገሃድ ተወልደ። እቲ ንሕፃናት ኣብ ማሕፀን ዚሥእሎም ሕፃን ኮነ። ነቲ ብርሃን ዚለብስ ብኣጭርቅቲ ጠቕለልዎ

ቅዳሴ ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ ቍ. 33

* ኦ ምስጋና ዝመልኣኪ፡ ብመንን ብናይ መን ምሳሌን ክንምስለኪ ኢና፧ ኣማኑኤል ዘይምርመር ኣለባብሳ ሥጋ ካባኺ ዝለበሰላ ማእለማ ንስኺ ኢኺ። ቅጥኑ ኻብ ጥንቲ ሥጋ ኣዳም ገበረ። ፋእሙ ኸኣ ሥጋኺ እዩ። መወርወሪኡ (መደርብዮ) ከኣ ባዕሉ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። መትንታቱ ድማ ካብ ላዕሊ ዝወረደ ሥልጣን ልዑል እግዚአብሔር እዩ። ኣላሚኡ’ውን መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ነገር’ዚ ክንደይ ዕፁብ ድንቂ እዩ! (ማቴ. 1፡20) 

 ቅዳሴ ማርያም ቍ. 29  

* ንቅድስቲ ድንግል ድማ በቲ ንዅሉ መስተንክር ዝኾነ ናይ ፅንሳ ነገር ከምዚ እናበልና ንሕተታ። ኦ ድንግል! መለኮታዊ ሓዊ ኣብ ከርሥኺ ምስ ኃደረ፡ ገጹ ሓዊ እዩ፡ ልብሱ ሓዊ እዩ፡ ክዳኑ ሓዊ እዩ፡ ከመይከ ዘየንደደኪ፧ . . . ንስኺ ንእሽቶ መርዓት ክንስኺ እቲ ብነበልባል ሓዊ ዝኸቦ ዜንጸባርቕ ኪሩባዊ መንበር ደኣ ኣብ ከርሥኺ ኣበይ ተዳለወ፧ ኣበይ’ከ ተተኽለ፧

 ቅዳሴ ማርያም ቍ.  80, 82

 

* ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር፡ ኵሉ ሠናይ ሃብትን ኵሉ ፍጹም ዕድልን ካብኡ እዩ። ሰብ ኮነ፡ ብዘይ በይና ኃጢኣት ከኣ ኵሉ ሕጊ ሰብ ፈጸመ። ሕጊ ዕብራውያን ድማ ተማህረ።                                                                         

ቅዳሴ ማርያም ቍ. 97

* ኦ ድንግል፡ እቲ ኻባኺ ኣብ ቤተ ልሔም ዝተወልዶ ምውላድን፡ ብኣጭርቕቲ ከም ዝተጠቕለለን ኣብ እዋን ቍሪ፡ እስትንፋስ ኣድግን ላሕምን ከም ዘማመቝዎን ኣዘክሪ።

ቅዳሴ ማርያም ቍ. 166፡ 

* እግዚአብሔር አብ፡ ንሓደ ወዱ ናብታ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ኣብ ሥጋ ድንግል ኪኃድር ለኣኾ። እቲ ንሕፃናት ዝፈጥሮም ከይተወሰነ ኣብ ማሕፀን ተዓቚረ፡ ኣምላኽ ክንሱ ሰብ ኮነ፡ መለኮታዊ ሓዊ ክንሱ ድማ ተወልደ። ብጌጽን ብኽብርን ዘይኮነ ከም ደቂ ድኻታት ብዓቢይ ተግሣጽ ነዝማዱ እናተኣዘዘ ዓበየ። (ሉቃ. 2፡40-51)       

ቅዳሴ 318 ሊቃውንቲ ቍ.  77

* እዚ ነገር’ዚ ዕፁብን ዜደንቕን መስደምምን እዩ። ነየናይ ሓሲበ ከድንቕ እየ፡ ምስ ኣቦኻ ብኣርምሞን ብቅድስናን ምንባርካ ድዩ፧ ወይሲ ከም ሕፃን ኣብ ሕቚፊ ኣዴኻ ምዃንካ፧                                                                                           

ቅዳሴ. ኣትናቴዎስ ቍ. 120

* ፍጹም ሰብ ኮነ፡ መንገዲ ሕይወት መሃረና። ካብ ላዕሊ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ልደት ሃበና። (ዮሓ. 3፡5)

 ቅዳሴ ባስልዮስ ቍ. 20

* ካብ ጠፈሩ ካብ ላዕሊ ሰማይ መጽአ። ካባና ኸኣ ሰብ ኮነ። ካብ ተድላ መለኮቱ ከይተፈልየ ናብቲ ናይ ጥንቲ ፍጥረቱ ሰብ ወረደ። ብሞቱ ኸኣ ኣድኃነና።          

ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ቍ. 13

* ካብ መንበሩ ከይተነቓነቐ ካብ ቦታኡ ከይተናወጸን ወረደ፡ ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ኣብ ማሕፀን ተፀንሰ። ማኅተም ድንግልና ከየርሓወ ተወልደ። ከም ሕፃን ጠበወ። ምሉእ ሰብኣይ ክሳዕ ዚኸውን ከኣ በብንእሽቶ ዓበየ።                

ቅዳሴ ኤጲፋኖስ ቍ. 49

* ካብ ኣቦኡ ከይወፅአ መጽአ። ካብ ህላዌኡ ከይተፈልየ ወረደ። ካብ ሠለስትነቱ ከይተፈለየ መጽአ። ካብ ሓድነቱ ከይተነጸለ ወረደ። ካብ መንበሩ ከይዘምበለ ኣብ ማሕፀን ድንግል ኃደረ።. . . ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ኣብ ማሕፀን ተፀንሰ ኣብ ላዕሊ ኸይጐደለ ኣብ ማሕፀን ተወሰነ። ኣብ ምድሪ ኸይተወሰኾ ድማ ተወልደ።

ቅዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ቍ. 25 ፣ 27

* ንሱ እቲ ከማኻ ዝኾነ ካባኻ ዝተወልደ ርእሱ ኣትሒቱ ኣድኃነና። ኣርኣያኻ ኽንሱ ኻባና ብኣምሳልና ተወልደ። 

ረኣናዮን ነዓቕናዮን፡ ብኣኻ ዓቢይ ከም ዝኾነ ግና ብኣና ኸኣ ጐይታን ምስጉንን ካብ ትጉሃን ሥዉር እዩ። ካብ ባህርና ተወሊዱ ብሓቂ ተገሊጹ ተራእየ።                        

ብመልክዕን ብብርሃንን ንኣኻ ይመስል፡ ሰብ ኮይኑ ብሥጋና ተመሰለ፡ በምሳልና ኸኣ ምሳና ነበረ። ከማኻ ድማ ምስጉን እዩ።

ቅዱስ ቄርሎስ ቍ. 17 ፣ 20 ፣ 21

* ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረ ካብ አብ ዘይብተኽ ነዊኅ ፈትሊ ኢኻ። ብፍቓድካ ካብ ሰማይ ወረድካ። ማሕፀን ድንግል ወሰነካ፡ ንእሽቶ ጓል፡ ጓል እቶም ድኻታት ፆረትካ፡ ገሊላዊት ሓቘፈትካ። ነፍሳ ቐደስካ፡ ሥጋኣ’ውን ኣንጻሕካ። ኣጽናዕካያ ብኣኻ ድማ ኣይደንገፀትን። 

ኣብ ቤተ ልሔም ተወላድካ ከም ሰብ ተረኣኻ። ብኢድ ዮሓንስ ተጠመቕካ፡ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኸድካ፡ ንፋሳት ገሠፅካ፡ ነፍሳት’ውን ኣሕዌኻ።                       

ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ ምዕ 21 ፣ 22

* ብመጋረጃ ደመና ተሠወረ፡ ካብ ቅድስት ድንግል መድኃኒ ተወልደ። ጐይታ ተረኽበ። ሓቀኛ ፀሓይ ጽድቂ ብሓቂ ወፅአ።

ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ካልዕ ምዕ 12                        

 ምንጪ፡ መጽሓፈ ቅዳሴ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195