banner

ግዝረት አመ ፮ ለጥር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ግዝረት አመ ፮ ለጥር

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ፈጺሙ’ዩ። ሓደ ካብ ሕጊ መጽሓፋዊ ድማ ‘ግዝረት’ እዩ። በዚ መሠረት ከኣ ከምቲ ሕጊ ኦሪት ዝእዝዞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኺግዘር፡ ካብ ዚውለድ ኣብ 8ይ መዓልቱ እግዝእትነ ማርያም ንኣረጋዊ ዮሴፍ ‘ዝገዝር ጥበበኛ ኣምጽእ’ በለቶ። እቲ ዝገዝር ሰብኣይ መጺኡ እንከይገዘሮ፡ ናውቲ ግዝረቱ መኸኸ። ከምቲ ጐይታ ልደቱ ብኅቱም ድንግልና ዝኾነ፡ ግዝረቱ ኸኣ ኢድ ሰብ ከይቀረቦ ብኣምላኻዊ ምሥጢር ተፈጸመ።

ብሓፈሻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግዝረት ክልተ ትርጕም ኣለዎ፦ 

1. ሥጋ ዕልቦ ምቝራጽ ግዝረት እዩ። እዚ ዓይነት ግዝረት እዚ ምልክት ኪዳን ኮይኑ ብእግዚእብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዝተዋህበ’ዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ‘እቲ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ዘሎ ኪዳን ምልክት ኪኸውን’ዩ፡ ኣባኻትኩም 8ተ መዓልቲ ዝገበረ እቲ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ ዘበለ ይገዘር። . . . ዘይተገዝረ ተባዕታይ ማለት ሥጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ ዅሉ፡ ኪዳነይ ኣፍሪሱ እዩ’ሞ ካብ ሕዝቡ ይፈለ’ በሎ። (ዘፍ. 17፡11-14)
2. ከምኡ’ውን ካብ ግብሪ ኃጢአት ምፍላይ ግዝረት ይብሃል’ዩ። ነቢይ ኤርምያስ ግዝረት ማለት ካብ ልቢ ዘሎ ኃጢኣት ምርሓቕ ምዃኑ ኪገልጽ ከሎ፦ ‘. . . ብሰሪ ኽፍኣት ግብርኹም ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ ሓደ እኳ ኬጥፍኦ ከም ዘይኽእል ኮይኑ ሃል ሃል ከይብልሲ ነቲ ምሳይ ዝኣቶኹምዎ ቓል ኪዳን ሓልዉ፡ ንኣይ ንእግዚኣብሔር ሕይወትኩም ወፍዩ፡ ልብኹም ግዘሩ” ይብል። (ኤር. 4፡4)

ግዝረት ኣብ ብሉይ ምልክት ኪዳን ደኣ ይኹን እምበር ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝህቦ መንፈሳዊ ጥቕምን ሃይማኖታዊ ትርጕምን የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ቦታ መሥዋዕተ እንስሳ ሥጋኡን ደሙን ከምዝኣተወ፣ ግዝረት ድማ ብጥምቀት ተተኪኡ’ዩ። እንተኾነ ግና ከምቲ ኣቐዲሞም ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ጉባኤኦም ፡ “ ንሕና ዘይኣዘዝናዮም ገለ ካባና ወፂኦም ኽትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም ብቓሎም ከም ዝሃወኹኹም ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ሰሚዕና ኣሎና። (ግብ. 15፡24)” ዝበልዎ ሎሚ’ውን ገለ ገለ ሰባት ጥምቀት እንበለ ግዝረት (ጥምቀት ብዘይ ግዝረት) ብነፍሲ ኣይጠቅምን’ዩ እንተበሉ እዚ ካብ መንፈሳዊ መንገድን ካብ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያንን ወፃኢ’ዩ። ነዚ ኺገልጽ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረት’ውን ፍረ የብሉን። (1ይ ቆሮ. 7፡19) ከምኡ’ውን ‘ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ እንተ ደኣ ኣሊና፡ እታ ብፍቕሪ እትሠርሕ እምነት እምበር ግዝረት ኮነ ዘይግዝረት ጥቕሚ የብሉን።’ ይብል። (ገላ. 5፡6)

ሰላም ለግዝረትከ በመዋዕል ሰሙን፣
ከመ ትፈጽም ለሊከ ሥርዐተ ኪዳን፣
እንተ ወሀብከ እግዚኦ እምቀዳሚ ዘመን፣
ግዝረተ መጥባሕት ለወልደ ታራ ምእመን፣
ወበእብነ እዝኅ ለአውሴ መስፍን።(ስንክሳር 6 ጥር)
ስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195