banner

እንቋዕ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ 2009 ዓ.ም. ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሓንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ፣
እንቋዕ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም ብሰላም ዘብጽሓና ጐይታ ዘመናት እግዚአብሔር ስሙ ይኽበር ይመስገን።
ወርኀ መስከረም፡ ደመና ተኣልዩ ሰማይ ዝተወልወለ መስተያት መሲሉ ፀሓይ ተብርሃሉ፡ ብላዕሊ ዝናም ብታሕቲ ጭቃ ኮይኑ ሰብ ምስ ሰብ ንከይራኸብ ፈልይዎ ዝጸንሐ ጊዜ ኃሊፉ፡ ዝተፈላለዩ ዝራኸብሉ ዝረሓቑ ዝቐርብሉ፡. . . ወርኂ እዩ። በዚ ጊዜ’ዚ ተፈላልዮም ዝነበሩ ተቐራሪቦምን ተራኺቦምን “እንቋዕ ናብ ሓዲሽ ዓመት ኣብጽሓናን ብሰላም ኣሰጋገረናን” ይበሃሃሉ።

ካብ ሓደ ዓመት ናብ ካልእ ዓመት መሰጋገሪት ናይ መጀመርታ ዕለት ሓደ መስከረም፡ ንኽብርን መዘከርታን ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት፡ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ትበሃል። ዕለተ ዕረፍቱ 2 መስከረም ክኸውን ከሎ ሊቃውንት ብምሥጢር ኣብ ዕለት ሓደ መስከረም ኣምጺኦሞ። እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ፡ ናይ ዘመነ ብሉይ ዛዛሚ ናይ ሓዲስ ኪዳን ጀማሪ ኮይኑ፡ ካብ ዘመነ ብሉይ ናብ ዘመነ ሓዲስ፡ ካብ ነቢያት ናብ ሓዋርያት መሰጋገሪ ድልድል ስለዝኾነ እዩ፡፡

ስም ዓመታት ድማ ንኽብሪ ኣገልግሎቶምን መዘከርታ ገድሎምን ሰማዕትነቶምን ብኣርባዕተ ወንጌላውያን ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስን ዮሓንስን ኣብ ኣርባዕተ ዓመት እናተዘዋወረ ይጽዋዕ። ዓመት ኃሊፉ ብሓድሽ ክትካእ ካብ ሓደ ወንጌላዊ ናብ ካልእ ወንጌላዊ እናተዘዋወረ ይጽዋዕ። እዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመን፡ ዘመነ ማቴዎስ ይበሃል። ዘመነ ማቴዎስ 365 መዓልታትን 15 ኬክሮስ (3 ሰዓትን) ይኅዝ።
ዓመት መጸ ዘመን ብዘመን ክትካእ፡ ዘመናት ክቀያየር ከሎ፡ ዘመን ምቝጻር ወይ’ውን ካብ ዝኃለፈ ዓመት ናብዚ ሓድሽ ዓመት “እንቋዕ ኣሰጋገረና” ጥራሕ ምባል ብቑዕ ኣይኮነን። ምስኡ ኃቢሩ’ውን ሕይወትናን ኣረጊት ኣተሓሳስባናን ብሠናይ ክቕየር ስለዘለዎ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ‘ ወሐድሱ መንፈሰ ልብክሙ/ ኣእምሮኹምን ኣተሓሳስባኹምን ሓድሱ’ ይብል። ሮሜ 12፡2
ምኽንያቱ ጐይታ ዘመናት እግዚአብሔር ንኣና ዘመናትን ጊዜያትን ዝሃበና ሓድሽ ሥራሕ ክንሠርሓሉን ንርእስና ክንልውጠሉ እዩ።

ዓለም ካብ ዝፍጠር ዘመን እንተተቘጽረ 7509 ዓመት እዩ። ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን 5500 ዓመት ዘመነ ኵነኔን ዓመተ ፍዳን ክኸውን ከሎ፡ ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ዘመን ድማ 2009 ዓመት ዘመነ ሥጋዌ ዓመተ ምሕረት እዩ። ኣብዘን ዝኃለፋ ዓመታት፡ ብዙኃት ቅዱሳን ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም፡ መንፈሳዊ ሥነ ምግባር ፈጺሞም፡ ኣክሊለ ክብር ተሠሊሞም ንርእሶም ኣድኂኖም፡ ንካልኦት ምክንያተ ድኂን ክኾኑ ከለዉ፡ ብኣንጻሩ ገሊኦም ግና ነቲ ዝተዋህቦም ጊዜ ብኃጢኣትን ዕሽነትን ኣኅሊፎም ተጐዲኦም እዮም። ንምሳሌ፦

• ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት (6፡5-7፡24) ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ናይ ሰብ ኃጢኣት ተመልኪቱ ኣብ ዝተቈጥዓሉ ጊዜ፡ ዋላ እኳ ንንስሓ ዝኸውን 120 ዓመት እንተሃቦም፡ ሰብአ ትካት ግን ንጊዜኦም ብዕሽነትን ኃጢኣትን ኣኅለፍዎ። እቲ በይኑ ጻድቕ ኮይኑ ዝተረኽበ ኖኅ ግና ንፈጣሪኡ ተኣዚዙ ንሱን ሥድራ ቤቱን ዝድኅኑላ መርከብ ሠርሐ። ማይ ኣይኂ ብዘይ ተጸበይዎ ጊዜ መጺኡ፡ ንሰብአ ትካት ከጥፍኦም ከሎ፡ ኖኅን ሥድራ ቤቱን ግና ትእዛዝ እግዚአብሔር ስለ ዘኽበሩ ካብቲ ናይ ጥፍኣት ማይ ደኃኑ ። (ማቴ. 24፦38-40)

• ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ዓሠርተ ደናግል ዝመሃረና ንጊዜ ዝህቦ መረዳእታ ኣለዎ። (ማቴ. 25፦1-12) ዓሰርተአን ደናግል ኣብ ሓደ ጊዜ ዝነበራ፡ ሓደ ዓይነት ዕላማ ዝነበረን እየን። ዕላማአን ድማ ንመርዓዊ ዝተባህለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዳግማይ ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ መብራህተን ኣብሪሀን እናዓጀብኦ ሓቢረን ምስኡ ንምእታው እዩ። እተን ኃሙሽተ ለባማት ደናግል በቲ ዝተዋህበን ጊዜ መብራህተን ኣዳልየን (እምነተን ኣጽኒዐን) ብዘይቲ ክመልእኦ (ብግብሪ ከሰንይኦ) ከለዋ፣ እተን ዓያሱ ኃሙሽተ ደናግል ግና ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይቲ ስለዘየዳለዋ (ንእምነተን ብግብሪ ስለዘየሰነይኦ) መርዓዊ ምስ ደንጐየ ኵለን ደቀሳ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ግና መርዓዊ ጐይታ መጺኡ እዩ እሞ ውፁ ተቐበሉ ዝብል ኣዋጅ ተነግረ። እተን ደናግል ካብ ድቃሰን ተንሢአን መብራህተን ኣዳልየን ንምቕባሉ ወፃ። እተን ዓያሱ ደናግል መብራህትና ስለዝጠፍኣና ካብ ዘይትኽን ግዳ ሃባና በልአን። እተን ለባማት ደናግል ግና ናብቶም ዝሸጡ ኬድክን ደኣ ተሻየጣ እምበር ንኣናን ንኣኻትኽንን ዚኣክል የብልናን ኢለን መለሳለን። እተን ዓያሹ ኃሙሽተ ደናግል ዘይቲ ክገዝኣ ኣብ ዝኸዳሉ ጊዜ ከይተመልሳ ከለዋ መርዓዊ ጐይታ መጺኡ በተን ለባማት ደናግል ተዓጂቡ ናብ ቤት መርዓ (መንግሥተ ሰማያት) ኣተወ ፣ እተን ዓያሱ ደናግል ምስ ተመልሳ ማዕፆ ናይ መርዓ ተዓጺወን ካብ ሓጐስ መርዓዊ ተፈልየን፡ ‘ኪዳ ኣይፈልጠክንን እየ’ ተባህላ።

• ጥጦስን ዳክርስን ክልተኦም ንጊዜኦም ብሽፍትነት ዘኅለፉ ኣዕሩኽ እዮም፣ በቲ ብሓባር ዝፈጸምዎ ገበን፡ ምስቲ በደልና ክድምስስ ብዘይ በደል ዝተሰቕለ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብየማንን ጸጋምን ተሰቕሉ። ተሰቒሎም ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ ግና ናይ ክልተኦም ሓሳብ ዝተፈላለየ ነበረ፣ ብጸጋም ዝተሰቀለ ዳክርስ፡ ንላግጺ ኣይሁድ ስዒቡ ኣብ ጐድኑ ንዝተሰቕለ ኣምላኹ ‘ንስኻ ክርስቶስ ዶ ኣይኮንካን ኢኻ፡ ንባዕልኻን ንኣናን ኣድኅን’ እናበለ ንጊዜያዊ ድኅነት ጸለየ፣ ኣብቲ ሰዓት’ቲ ብየማን ዝተሰቕለ ጥጦስ ግን ናይ ሽዑ መከራ ዘይኮነስ ድኅረ ሞት ዘሎ ፍጻሜ ኣተሓሳስቦ፣ ምሉእ ዘመኑ ኣብ ምንታይ ዓይነት ሕይወት ከምዘኅለፎን ምእንቲዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓለም ዝጽበዮ ዘሎ መከራ ዝኸፍአ ምዃኑ ኣስተንተነ፣ በዛ ኣጨናቂት ጊዜ ብዝቐደመ ሥራሑ ኃዘነ፣ ንስሓ ኣተወ፣ ንዝተጋገየ ብጻዩ መኸሮ፣ ናብ ፈጣሪኡ ግልጽ ኢሉ ድማ ‘ጐይታ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ’ በለ፣ ነታ ሓፃር ጊዜ ተጠቐመላ፣ ዳክርስ ግን ነታ ዝተዋህበቶ ጊዜ ስለዘይተጠቐመላ ተጐድአ።

• ናይ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ይሁዳ ኣስቆሮታውን ታሪኽ ነዚ የረድኣና። ይሁዳ ንጐይታ ብ30 ቅርሺ ኣኅሊፉ ምስ ሃቦ፡ ንንስሓ ዝኸውን ጊዜ እኳ እንተተዋህቦ ንጊዜኡ ከይተጠቕመሉ ርእሱ ንምጥፋእ ኣውዓሎ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ብናይ ደርሆ ምንቃው ካብ ጌጋኡ ተመሊሱ ንስሓ ንምእታው በቕዐ።

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን! ሎሚኸ ንሕና ዝኃለፈ ዘመን እንታይ ሠሪሕናሉ፧ እንታይ ታሪኽ ኣመዝጊብናሉ፧ . . .ንዝመጽእ ወለዶ እንገድፎ ሠናይን ጽቡቕን ዘሐብን መንፈሳዊ ታሪኽ ኣሎና ዶ፧
ምኽንያቱ፡ ዝኃለፈ ጊዜ ተመሊሱ ስለዘይመጸና ኣይናትናን እዩ፣ ዝመጽእ ጊዜ ድማ ንመን ምዃኑ ኣይፍለጥን እዩ። ዘሎ ጊዜ ግና ኣብ ኢድና ዝርከብ ናትና ስለዝኾነ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ትማሊ ንተግሣጽ እያ፡ ሎሚ ንትምህርቲ እያ፡ ጽባሕ ግና እንታይ ትኸውን ኣይንፈልጣን ኢና።“ጊዜ ሰኣልኩከ ጸግወኒ ፍታ፡ እስመ ኢየአምር ሰብእ ዘትወልድ ሳኒታ/ ሰብ ጽባሕ እትወልዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ኣብዛ ጊዜ እዚኣ ዝለመንኩኻ ሃበኒ” እናበልና ብዝኃለፈ ዘመን ተሞኪርና ሎሚ ነቲ ኣረጊት ሓሳብና ብንስሓ ቀንጢጥና ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ክንለብስ (ሕዝ. 11፡20)፣ ኣስር ጽድቅን ሓድነትን ፍቕርን ሰላምን ክንስዕብ ይግባእ። 2ይ ጢሞ. 2፡22

ስለዚ እዚ ዓመት’ዚ፡- ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝሰፍሓሉ፡ ጕስነት ምእመናን ዝኅይለሉ፡ ቅርስን ታሪኽን ጥንታውያን ገዳማትና ዝዕቀበሉ፡ ኣብ ከተማን ገጠርን ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ዝብርትዓሉ ዓመት ይግበረልና።
እንሆ እንጅምሮ ዘለና ዘመነ ማቴዎስ፦ ዓመተ ሰላምን ፍቕርን ሓድነትን ክኾነልና ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195