banner

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ  audioiconn

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
1 መስከረም 2009 ዓመተ ምሕረት ግእዝ
11 መስከረም 2016 ዓ. ም. ፈረንጂ

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዘሎኹም ምእመናን ሕዝበ ኤርትራ፥ ከምኡ’ውን ብምኽንያት ሕማም ኣብ ሆስፒታል ዘሎኹም፥ ኣብ ልምዓትን ምክልኻል ሃገርን ዘሎኹም ኃይልታት ምክልኻልን ብሓፈሻ ኵልኹም ሥድራ እግዚኣብሔር፡ እንቋዕ ካብ ዘመን ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ 2009 ዓ.ም.ግእዝ ብሰላም ኣብጽሓኩም።

ከምቲ ነቢይ ዳዊት ኣብ መዝ 64(65):11 ”ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም፥ ወይረውዩ ኣድባረ በድው።/ ንዓመት ብሣህልኻ ትኽልላ፥ ኵሉ ፍጥረት ድማ ብጸጋኻ ይጸግብ” ዝበሎ፥ እዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ማቴዎስ ድማ ዓመት ሰላምን ፍቕርን ራህዋን ቅሳነትን ዘመነ ፍሬን በረኸትን ክገብረልና ንፈጣሪና ንልምኖ።

መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ነቢይን ሓዋርያን ሰማዕትን ካህንን ዝኾነ መደምደምታ ናይ ብሉይ ኪዳንን መጀመርታ ናይ ሓድሽ ኪዳንን ስለዝኾነ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ብዓቢይ ክብሪ ተብዕሎ።
ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓድሽ ዓመት፥ ካብ ዓመተ ኵነኔ ናብ ዓመተ ምሕረት፥ ናብ ርእሰ ዓውደ ዓመት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ዝተሰጋገርናሉ እንሆ 2009 ዓ.ም. ኣቝጺሩ ይርከብ።

ቅዱስ መጽሓፍ እውን ‘ኵሎም ነቢያትን ኦሪትን ክሳብ ዮሓንስ ተነበዩ’ ይብል።ማቴ. 11፥13

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ “ነስሑ እስመ ቀርበት መንግሥተ ሰማያት፥ ግበሩኬ እንከ ፍሬ ለንስሐ/ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ እሞ ተነስሑ፥ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍሬ ኸኣ ግበሩ” ኢሉ ኣቐዲሙ ሰቢኹልና እዩ።

እምበኣርከስ ክቡራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ንሕና’ውን እቲ ዝኃለፈ ዘመን ይኣክል ብምባል፥ እግዚኣብሔር ህዱእ ዘመን ከምጽኣልና እዚ እንፍልሞ ዘሎና ዓመት ድማ ብሰላምን ብቅሳነትን ብሓድነትን ከነኅልፎ ንእግዚኣብሔር ብልቢ ክንልምኖ ይግባእ። ነንሓድሕድና ንፋቐር፥ ጽልእን ምፍልላይን ነርሕቕ፥ እግዚኣብሔር ዝጸልኦ ሥራሕ ንኅደግ፥ ንጽጉማት ወገናትናን ረዳእን ጠዋርን ንዘይብሎም ወለዲ፡ መዕበዪ ንዘይብሎም ዘኽታማት ደቅና ንርዳእ። ቅዱስ ዳዊት’ውን ኣብ መዝሙሩ “ብፁዕ ሰብ ንድኻን ሽጉርን ይረድእ፥ እግዚኣብሔር ድማ ይረድኦ” ይብለና እዩ። ቅዱሳት መጻሕፍትና “ነቲ ቐደም እትነብርሉ ዝነበርኩም ክፉእ ተምኔትን ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩምን ቀንጥጡ፥ ብኣተሓሳስባኹም’ውን ተሓደሱ” ይብለና።

ስለዚ ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ ኤርትራ፥ ነቲ ካብ ቀዳሞት ወለድና ኣትኂዙ ክሳዕ ናባና በጺሑ ዘሎ ሓድነት፥ ንደቅናን ደቂ ደቅናን ከነተኃላልፈሎም ግዴና እዩ። ልዑል እግዚኣብሔር ሃገርና ይባርኸልና፥ኵልኹም ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትርከቡ፥ በዓልና በዓል ሓጐስ፥ በዓል ቅሳነትን ሰላምን ይግበረልና።

በዚ ሂቡና ዘሎ ዝምስገን ዝናብ ኣዝመራ መሬትና ከለምልመልናን ፍረ ዘራእትና ክንሓፍስን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ንሃገርና ክልልት በግርማ ሕጽርት በመንፈስ ቅዱስ ይግበረልና ኣሜን።
ልዑል እግዚኣብሔር ሃገርና ይባርኽ
ኣቡነ ሉቃስ
ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195