banner

ዘመነ መፀው

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዘመነ መፀው

ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት እቲ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ታኅሣሥ 25 ዘሎ ጊዜ ዘመነ መፀው(ቀውዒ) ይበሃል። እዚ ወቕቲ እዚ 3ተ ክፍልታት ኣለዎ። ንሳቶም ድማ፦ ዘመነ ጽጌ፣ ዘመነ ኣስተምህሮን ዘመነ ስብከትን ይበሃሉ። ዘመነ ጽጌ (ዕምባባ) ዚበሃል ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ኅዳር 6 ዘሎ 40 መዓልትታት እዩ። ወርኀ ክረምት ኃሊፉ፡ እቲ ጭቃ ነቒጹ ማይ ጸርዩ ምድሪ ብዕምባባታት ወቂባ ትርኣየሉ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ዘመነ ሥጋዌን ወርኀ ስደታን ምሳሌ ዘለዎ እዩ። እዚ ዘመን’ዚ ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ፡

‘ ጽጌ ኣስተርአየ በውስተ ምድርነ/ ዕምባባታት ኣብ ምድርና ተራእዩ . . . ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ተውፅእ ኣሎ።’ መኃ. 2፡12-13 ዝበሎ ጽጌ ዝተባህለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብታ ብምድሪ ዝተመሰለት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ነቲ ሕይወተ ሥጋን ሕይወተ ነፍስን ዘውህብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ከምዝሃበ ዝሕብር እዩ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ዘመን’ዚ እቲ ጭቃ ነቒጹ ማይ ጸርዩ ዕምባባ ከምዝርአ፡ ብኽቡር ደም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ መርገም ተደምሲሱ ምእመናን ካብ የማናይ ጐኑ ብዝፈሰሰ ማይ ተጠሚቆም ውልድነት መንፈስ ቅዱስ ረኺቦም ተሓጒሶም ከም ዝነብሩ የረድእ።

ብተወሳኺ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ዘመነ ጽጌ ብዓሚቝ ተመስጦ ትዝክሮ ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ እዩ። ‘ጽጌ’ ብቅድስት ድንግል ማርያም፡ ‘መዓዛ’ ድማ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እናመሰለት “ማኅሌተ ጽጌን ሰቆቃወ ድንግልን” ዝበሃሉ ድርሰታት ስብሐተ እግዚአብሔር ተብጽሕ። 

ብሓፈሻ እዚ ድኅሪ ፀአተ ክረምቲ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ታኅሣሥ 25 ዘሎ ዘመነ መፀው፡ ብነፋስ ይምሰል፡ ወርኃት ነፋስ’ውን ይበሃል። ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝነ ዓለም ዓሠርተው ክልተ መሳዅቲ ነፋስ ኣሎ። ሄኖ. 12፡1-4 ኣርባዕተ ነፋሳተ ምሕረትን ሸሞንተ ነፋሳተ መዓትን እዮም። እዞም ኣርባዕተ ነፋሳተ ምሕረት ኪነፍሱ ኸለዉ ንሰብ ዚጠቅም ሕይወትን ጽንዓትን ጥዕናን በረኸትን የምጽኡ። ነቶም ሸሞንተ ነፋሳተ መዓት ድማ ወሲኖሞምን ዓጊቶሞምን ይነብሩ። 

ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት፡ ንፋስ ምሳሌ ናይ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንፋስ ረቂቕ ከም ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ’ዉን ረቂቕ እዩ። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ንባሕሪ ኪግሥጽ፡ ገረብ ከናውጽ ከሎ ብግብሩ ይርአ እምበር ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ’ውን ከምዝኸይድ ኣይፍለጥን እዩ። ከምኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝደለዮ ይኃድር። ብምኽንያት ጥምቀት ኣብ ምእመናን ኃዲሩ፡ ትንቢት ከናግር ትሩፋትን ገድልን ከሥርሕ፡ ምሥጢር ኪገልጽ ከሎ ብተግባር ይፍለጥ። ከምኡ’ውን ብሃይማኖት ጸኒዖምን ብሥነ ምግባር በቒዖምን ነጺሖም ናይ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ንዝቕበሉ ብቕድስና ጸኒዖም ከምዝነብሩ ይገብር።

ልዑለ ባህርይ እግዚአብሔር፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱሱ ከብዝኃልናን ነፋሳተ ምሕረት ከንፍሰልናን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195