banner

“ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጽአ . . .” (ዮሓ. 1፡9)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና!

“ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጽአ . . .” (ዮሓ. 1፡9)

‘ብርሃን’፦ ዝተባህለ እቲ ብዕለተ እሑድ ዝተፈጥረ ብርሃን (ዘፍ. 1፡2)፣ ወይ’ውን ካብዚ ናይ ዕለተ ሰንበት ብርሃን ተቐቢአን ብዕለተ ረቡዕ ናይ ዝተፈጥራ ፀሐይ፡ ወርኅን ከዋክብትን ኣይኮነን። እቲ ገባሬ ብርሃናት ከምኡ’ውን እቲ ንልቢ ኵሉ ሰብ ዜብርህን ፍልጠት ዚህብን ናብዚ ዓለም ዝመጸ ብርሃነ ጽድቅ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዮሓ. 1፡9፤ ያዕ. 1፡17) ጐይታ’ውን ብኣምላካዊ ቃሉ “አነ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም/ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ” (ዮሓ. 8፡12 ፤ 9፡5) ኢሉ እዩ። ሓዋርያ ዮሓንስ ከኣ “እግዚአብሔር ብርሃን እዩ፡ ኣብኡ ከኣ ጸልማት ዝብልዎ ከቶ የልቦን” (1ይ ዮሓ. 1፡5) ከምዝብል ብርሃን፡ እግዚአብሔር እዩ። ብባህርየ መለኮቱ ሓደ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ክርእዮ ውን ዘይክእል፡ ፍጹም ዘይጠፍእ ብርሃን ዘለዎ እዩ።(1ይ ጢሞ. 6፡16)።

ፈጣሬ ብርሃናት እግዚአብሔር፡ ንሰብ ብመልክዑን ብኣምሳሉን ፈጢሩ ኣብ ገነት ኣንበሮ። (ዘፍ. 1፡27) ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ከኣ ብብርሃናዊ ሕይወት ይመላላስ ነበረ። እንተኾነ እዚ ብርሃናዊ ሕይወት ካብ ሾብዓተ ዓመት ክኃልፍ ኣይከኣለን። ኣዳምን ሔዋንን ቓል ሰይጣን ሰሚዖም ብርሃን ዝኾነ ትእዛዝ ፈጣሪኦም ብምፍራሶም (መዝ. 119፡105) መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን፡ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ተፈሪድዎም፣ እግዚአብሔር ካብ ዝኣክል ጐይታ፡ ገነት ካብ ዝመስል ቦታ ተሰጒጎም ወፅኡ። ነቲ ዝተዋህቦም ናይ ጸጋ ብርሃኖም’ውን ኣጸልመትዎ።

ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ሰብሲ ክዳን ብርሃን ዝለበሰ ክነሱ ሰብነቱ ኣዕረቐ፡ ናይ ቆርበት ክዳን ኸኣ ተኸድነ” ድኅሪ ምባል “ኦ ኣዳም ፍርዲ ዘምጻእካልናስ እንታይ ጌርናካ ኢና፧ . . . ኦ ሔዋን እንታይ ገበርናኪ፧ ብኣርኣያ ሰማያውያን ክንዲ እንነብርሲ እንሆ ብብዝኂ ኃጢኣት ሥጋና ጸለመ” ከምዝበለ ቅዱስ ኣትናቴዎስ። (ቅዳሴ ኣትናቴዎስ ቍ.26-29)
ካብ ኣዳምን ሔዋንን ጀሚሩ ንኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዓመት ከኣ ኵሉ ሰብ ንጸልማት ኃጢኣት ክስዕር ዘይክእል ማኅደር ጸልማት ኮይኑ ኣብ ጸልማት ሕይወትን መግዛእቲ ሞትን ነበረ። (ሮሜ 5፡14) እንተኾነ ግና ኣዳምን ደቁን ኣብ ጸልማት ሕይወት ወዲቖም ንኸይተርፉ መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ከምዘድኅኖም ኣተስፈዎም።

በዚ ተስፋ’ዚ ኸኣ ቀዳሞት አበውን፡ ሀብተ ትንቢት ዝተዋህቦም ቅዱሳን ነቢያትን ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ፡ “ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ/ብርሃንካን ጽድቅኻን ልኣክ” (መዝ. 43፡3) ማለት ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን እግዚአብሔር ወልድ “ተገለጽ፡ ውረድ፡ ተወለድ” እናበሉ ብተስፋ ይጽበዩ ነበሩ። እንሆ ድማ ነታ ኣብ ጸልማት ኃጢኣትን ጽላሎት ሞት ክሕደትን ዝነበረት ዓለም ንምብራህ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ንምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ከምዝውለድ፡ በመንፈሰ ትንቢት ንዝረኃቐ ኣቕሪቡ፡ ንዝረቐቐ ኣጕሊሑ ኣርኣዮም።

ስለዚ ድማ በዓል ነቢይ ኢሳይያስ፦ ‘ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ብርሃን ዓቢይ ሠረቀ ላዕሌሆሙ/ እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፣ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም’ በሉ።። (ኢሳ. 9፡2) 

ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ፣ ‘ወአመ በጽሐ ጊዜሁ ፈነወ እግዚአብሔር ወልዶ ወተወልደ እም ብእሲት/ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ንወዱ ለኣኾ’ሞ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ’ (ገላ. ፬፡፬/4፡4) ኢሉ ከምዝመስከሮ ካብታ “ካልአይቲ ሰማይ” ዝተሰምየት እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ፡ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ “ፀሐየ ጽድቅ” ጐይታ ተወልደ። ብልደቱ ኸኣ ጸልማት ተሳዒሩ ብርሃን ደቂ ኣዳም ተመልሰ።

ነዚ ዝረኣዩ ቅዱሳን መላእኽቲ ብታሕጓስ “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ/ ክብሪ (ምስጋና) ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት፡ ኣብ ምድሪ’ውን ሰላም ይኹን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም’ እናበሉ ከመስግኑ ከለዉ፡ ጓሶት ውን ንብርሃን ክርስቶስ ርእዮም ኣመስገኑን ንሕዝቢ መስከሩን። (ሉቃ. 2፡13-20)
“ኦ ኢየሩሳሌም ብርሃንኪ ወፂኡ፡ ክብሪ እግዚአብሔር ከኣ ወፂኡልኪ እዩ እሞ ተንሢኢ ብርሃን ኩኒ። . . . ኣሕዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገሥታት ከኣ ናብ ጸዳልኪ ክመጹ እዮም።’ (ኢሳ. 60፡1-3) ዝብል ትንቢት ከምዘሎ ድማ ብኮከብ እናተመርሑ ብወገን ምሥራቕ ዝመጽኡ ሰብአ ሰገል ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ሰጊዶም ወርቂ፡ ዕጣንን ከርቤን ገጸ በረኸት ሃብዎ። ካብ እግዚአብሔር ርሒቖም ኣብ ጸልማት ኃጢኣት ዝነበሩ ሕዝብን ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ክሕደት ዝነበሩ ኣሕዛብን ብርሃን ክርስቶስ ንምርኣይ በቕዑ።

ስለዚ ካብ ልደቱ ንደኃር ብርሃንና ተመሊሱ፡ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኴንና ኣብ ብርሃን ክንነብር ጸጋ ተዋሂብና እዩ። ነዚ ክገልጽ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ ኀለፈት ሌሊት ወመጽአት መዓልት ወንግድፍ እምላዕሌነ ምግባረ ጽልመት ወንልበስ ወልታ ዘብርሃን/ ለይቲ ኃሊፋ መዓልቲ መጸት። ስለዚ ሥራሕ ጸልማት ካባና ኣርሒቕና ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ” (ሮሜ 13፡11) ከምኡ’ውን “እስመ ኵልክሙ ውሉደ ብርሃን አንትሙ ወውሉደ መዓልት ወኢኮንክሙ ውሉደ ጽልመት። ወኢንኑም እንከ ከመ እልኩ አላ ንንቃሕ በሕሊናነ ወንትጋህ ወንጠበብ።/ ንስኻትኩምሲ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እምበር ደቂ ለይትን ደቂ ጸልማትን ኣይኮንኩምን። እምበኣርከስ ከምተን ዝደቀሳ (ኃሙሽተ ዓያሹ ደናግል) ኣይንደቅስ። እንታይ ደኣ ብሕሊናና ንንቃሕን ነስተውዕልን።” ብምባል የዘኻክረና። (1ይ ተሰ. 5፡5-6 ፣ ኤፌ. 5፡10)

እምበኣር ሎሚ ካባና ዝድለ ነዚ ብልደቱ ዝተመልሰልና ብርሃን ምብራህ፡ ምዕቃብን ደጊም ንከይጽልምት ምጥንቃቕን እዩ። ነዚ ኸኣ “እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ሕይወት ክረኽብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይክኸይድን እዩ።” (ዮሐ. 8፡12) ዝበለ ብርሃነ ዓለም ፈጣሪና ብፍጹም ልብና፡ ኃይልናን ብምስዓብ፡ ካብ ተኽሊ ሕይወትና ፍረ ብርሃን ሠናይ ግብሪ ክንፈሪ ይግባእ። (ኤፌ. 5፡8)

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና’ውን በዚ “ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ዝመጸሉ” በዓል ልደት ምኽንያት ገይራ፦ ንእግርና መብራህቲ ንመንገድና ውን ብርሃን ዝኾነ ቓል እግዚአብሔር (መዝ.  119፡105) እናፈጸምና፡ መባርህትና ብሩህ ኮይኑ (ሉቃ. 12፡35) ኣሰር እቶም “አንትሙ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም/ ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም . . .” (ማቴ. 5፡14) ዝተባህሉ ቅዱሳን ኣቦታት ክንስዕብ ትምዕደና።

ነዚ ንምፍጻም ጸጋኡ የብዝኃልና! እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ብጸሎታን ኣማላድነታን፡ ቅዱሳን ድማ ብተራዳእነቶም ኣይፈለዩና! ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195