banner

እንቋዕ ናብ በዓለ ጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2009 ዓ.ም. ብሰላም ኣብጽሓና!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንቋዕ ናብ በዓለ ጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  2009 ዓ.ም. ብሰላም ኣብጽሓና!  

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ሕገ እግዚአብሔር ብምጥሓሱ ኣብ ደቂ ሰባት ውርደትን መርገምን ን5500 ዓመት ጸኒዑ ነበረ። እንተኾነ ግና ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ። ከም ኣምላኽነቱ ብሓንሳእ ናይ ዕብየት ተግባር ከይፈጸመ ድማ ሕጊ ጠባያኣውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ ብብንእሽቶ ዓበየ። እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ ኣብ 30 ዓመቱ ብኢድ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ኽጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ።

“ አሜሃ መጽአ እግዚእ ኢየሱስ እምገሊላ ኀበ ዮሐንስ ከመ ይጠመቅ በፈለገ ዮርዳኖስ” (ማቴ. 3፡13)

ኣብቲ እዋን እቲ ከምቲ ኣቐዲሞም ነቢያት ዝተነበይሉ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸራጊ መንገዲ ኮይኑ ቀቅድሚኡ ዝመጸ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ትምህርቲ እናመሃረ ናይ ንስሓ ጥምቀት የጥምቕ ነበረ። (ኢሳ. 40፡3፣ ሚል. 3፡1)

 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ክነሱ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ቅዱስ ዮሓንስ ስለ ብዙኅ ምኽንያት ተጠምቀ። ገለ ንምጥቃስ ፦

1. ቅድሚኡ ዘይተገልጸ ሰማያዊ ምሥጢር፡ ምሥጢረ ሥላሴ ንምግላጽ ተጠምቀ። ኣብ ሓደ እዋን ሠለስተ ኣካል ማለት እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ፤ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳለ ርግብ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ተቐመጠ፡ እግዚአብሔር አብ ድማ ኣብ ደመና ኾይኑ ‘ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር ዘቦቱ ሠመርኩ/ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ዘፍቅሮ ወደይ እዚ እዩ’ ዝብል ድምፂ ኣስምዐ። (ማቴ. 3፥13-17)

በዚ ኸኣ ቅድመ ዓለም ካብ አብ ኣካል ዘእምአካል ባህርይ ዘእምባህርይ ዝተወልደ፣ ድኅሪ ዓለም ድማ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮይኑ ብድንግልና ዝተወልደ እግዚአብሔር ወልድ ንሱ ቀዳማይን ካልኣይን ዘይብሉ ወልድ ዋሕድ ምዃኑ ተመስከረ። “ ኢይቤ ዘላዕለ ዝንቱ ወልድየ፡ አላ ይቤ ዝንቱ ውእቱ ወልድየ” ከምዝብል፣ እግዚአብሔር አብ ብተዋሕዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ገይሩ ደኣ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ዘፍቅሮ ወደይ እዚ እዩ በለ እምበር፡ ኣብዚ ኃዲሩ ዘሎ ወደይ እዩ ኣይበለን።” (ትርጓሜ ወንጌል ማቴ.  3፡17)

2. ኣቐዲሙ ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት ‘ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፡ ዮርዳኖስ ንድኅሪት ተመልሰት፡ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ፡ ኣቲ ባሕሪ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፧ ኣታ ዮርዳኖስከ ንድኅሪት እተመለስካ፧ ኣቱም ኣኽራን ከም ደዓውል ኣቱም ኰረቢትሲ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧ ኣቲ ምድሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚአብሔር ኣምላኽ ያዕቆብ ኣንቀጥቕጢ።’ ክብል ዝተነበዮ ንምፍጻም ተጠምቀ። (መዝ. ፻፲፫፡፫-፰/ 114፥3-8)

3. ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ዝነበረ ‘አዳም ገብሩ ለዲያብሎስ፣ ሔዋን አመቱ ለዲያብሎስ’’ ዝብል ዕዳ ደብዳቤ ብሰብነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ንኽድምስሶ ተጠምቀ። (ሚክ. 7፡19 ፣ ቈላ. 2፡14)

4. ማያት ንምቕዳስን ንምብራኽን ተጠምቀ። ከምቲ ‘እነዝኃክሙ በማይ ንጹሕ/ ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም’ ዝበሎ እዩ። (ሕዝ. ፴፮፡፳፭-፳፱/ 36፡25-29) ነዚ ምሥጢር’ዚ ኽገልጽ ከሎ ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ፡- “አኮ ፈቂዶ ለተጠምቆ ሐሰ ወዳዕሙ ከመ ያስተርኢ ወየሀበነ ጥንተ ልደት ዳግማየ፡ ወውእቱሰ አልቦቱ መፍቅድ በኀቤነ ለነ ለእጓለ እመ ሕያው/ ጥምቀት ኣድልይዎ ወይ ረብሓ ጥቕሚ ንክረኽበሉ ኣይተጠምቀን። ኣምላኽ ብሥጋ ተገሊጹ ጥንተ ልደት ዳግማይ ንኽህበና ደኣ እምበር ንሱስ ካባና ካብ ደቂ ሰባት ዝደልዮ ነገር የለን ” ይብል። (ሃይ. አበው ፹፯፡፲፭/ 87፡15)

5. ብጥምቀቱ ኣርኣያ ኾይኑ ሥርዓተ ጥምቀት ንምሃብ ተጠምቀ። (ዮሓ. 3፡5) ብዘይ ጥምቀት ድኅነት ከምዘየለ ንምሕባር’ውን ‘ ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር/ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ ናብ መንግሥተ እግዚአብሔር ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።’ (ዮሓ. 3፡5) ብዝበሎ መሠረት፣ ሓደ ሰብ ናብ መንግሥተ ሰማያት ንምእታው ብሥርዓተ ጥምቀት ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ተወሊዱ ብጸጋ ወዲ እግዚአብሔር ምዃን የድሊ። (ማር. 16፡16) ኣገዳስነት ጥምቀት ንምግላጽ ከኣ ድኅሪ ትንሣኤኡ ‘ ኪዱ ንዅሎም ኣሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኪሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” ኢሉ ንቅዱሳን ሓዋርያት ኣዘዞም። ንሳቶም ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘይሮም ወንጌል እናመሃሩ ኣጥመቑ። (ማቴ. 28፡20) ኣሰሮም ዝሰዓቡ ሥልጣነ ክህነት ዘለዎም ካህናት ከኣ ክሳዕ ምጽኣት እናጥመቑ ይነብሩ ኣለዉ። ግቡእ ሥርዓተ ጸሎተ ጥምቀት ተፈጺሙ፡ እቲ ካህን ‘፩ዱ አብ ቅዱስ፡ ፩ዱ ወልድ ቅዱስ፡ ፩ዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሉ ነቲ ማይ ብመስቀሉ ምስ ባረኾ፣ ብኃይሊ እግዚአብሔርን ብሥልጣን ናይቲ ካህንን እቲ ተራ ማይ ናብ ማየ ገቦ ይልወጥ። ሽዑ እቲ ካህን ናብዚ ማየ ገቦ ብምጥላቕ፡ ናይ ምቕባሩ ምሥጢር ይፍጸም፣ ካብዚ ማየ ገቦ ብምውፃእ ድማ ናይ ምትንሣኡ ምሥጢር ይፍጸም። ወተቀበርነ ምስሌሁ ውስተ ጥምቀት በሞቱ/ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም ዝተቐበርና ፍለጡ” (ሮሜ 6፡4)፣ ‘እም ከመሰ ዐረይነ ሕማመ ንዔሪ ክብረ ምስሌሁ’ (ሮሜ 8፡17) ከምዝብል ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ንኸብርን ንቕደስን።

* እዛ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሠለስተ ሳዕ ኣብ ማይ ጠሊቕካን ተኣሊኽካን፡ ብማይ ተሓጺብካን ብምውፃእ እትፍጸም ጥምቀት ሓንቲ ኮይና ዘይትድገም እያ። (ኤፌ. 4፡5) እንተኾነ ግና እዚ ዓመት መጸ 11 ጥር ዝበዓል በዓለ ጥምቀትን ንንጸጎ ማይን ካልኣይ ጊዜ ንምጥማቕ ዘይኮነስ ካብ ጥምቀት ጐይታ በረኸት ንምስታፍን ብጥምቀት ዝተዋህበና ጸጋን ኃላፍነትን ንምስትውዓል እዩ። ብዋዜማ ካህናት ታቦት ተሰኪሞም ናብቲ ዝተዳለወ ባሕረ ጥምቀት ብምኻድ ይኃድሩ። ታቦታት ናብ ባሕረ ጥምቀት ምኻዶም፡ ናይቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብቲ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ የጥምቐሉ ዝነበረ ፈለገ ዮርዳኖስ ናይ ምኻዱ ምሳሌ እዩ። ኣብቲ ዕለቱ ስብሐተ ማኅሌት፡ ጸሎተ ቅዳሴ፡ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ . . . ምስ ተሠርዐ ካህናት በቲ ዝተባረኸ ማይ ይነጽጉ፣ ታቦታት ድማ ካብቲ ዝኃደርሉ ባሕረ ጥምቀት ናብ ኣብያተ ክርስቲያን ይምለሱ።

* ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን! እዚ በዓለ ጥምቀት’ዚ ነቲ ብጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ብዙኅ ጸጋ ነስተውዕለሉ፡ ከምኡ’ውን እቲ ንሕና ወዲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ጓል ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ ብጥምቀተ ክርስትና ዝተዋህበና ኣፍ ደገ ድኅነት ብእምነትን ሠናይ ግብርን ብዝግባእ ዓቂብና ክሳዕ መወዳእታ ንኸነብጽሖ ቃል ንኣትወሉ ዕለት እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195