
እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ 2009 ዓ.ም. ኣብጽሓና!
ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘሎ ካብ ሰኑይ ክሳብ ረቡዕ ይጽወም። ሎሚ ዓመት 2009 ዓ.ም. ካብ 29 ጥር ክሳብ 1 የካቲት ይጽወም። ጾመ ነነዌ ቤተ ክርስቲያንና ብኣዋጅ ክጽወም ዝኣዘዘትሉ ምኽንያት ከምቲ ንሰብኣ ነነዌ እግዚእብሔር በቲ ፍጹም ንስሓኦምን ጣዕሳኦምን ካብ መዓቱ ተመሊሱ ምሕረት ዝገበረሎም፡ ንኣና ከኣ ጾመ ንስሓን ጾመ ምሕረትን ምእንቲ ክኾነና እዩ።
ኣብ ጾመ ነነዌ ዝንበቡ ንባባት፦
1. ሰኑይ፦ ገላ. 2፡6-16 ፣ 1ይ ዮሐ. 1፡1-ፍጻሜ ፣ ግብ.ሓዋ. 3፡12-16
መዝ. 102/103 ሣህሉሰ ለእግዚአብሔር እምዓለም ወእስከ ለዓለም፡ ዲበ እለ ይፈርህዎ፡ ወጽድቁኒ ዲበ ትውልደ ትውልድ።
ወንጌል፦ ዮሐ. 1፡6-18 ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ።
2. ሠሉስ፦ 1ይ ቆሮ. 11፡1-12 1ይ ዮሐ. 3፡13-17 ግብ.ሓዋ. 17፡4-12
መዝ. 111/112 ሠረቀ ብርሃን ለራትዓን በውስተ ጽልመት፡ መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር፡ ወጻድቅ አምላክነ።
ወንጌል፦ ማቴ. 25፡1-13 ቅዳሴ፦ ዘእግዚእ።
3. ረቡዕ፦ ዕብ. 3፡7-14 ፣ 1ይ ዮሓ. 2፡3-8 ፣ ግብ. ሓዋ. 5፡35-39 ፣
መዝ. 142/143 ወመንፈስከ ቅዱስ ይምርሐኒ በምድረ ጽድቅ፡ በእንተ ስምከ እግዚኦ አሕይወኒ በጽድቅከ፡ ወአውፅአ እምንዳቤሃ ለነፍስየ።
ወንጌል፦ ማር. 3፡21-30 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።