banner

ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ

ትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት 7 ሕጋውያን ኣጽዋማት ኣለዋ ኻብዘን 7 ኣጽዋማት ድማ ጾመ 40 ሓደ እዩ።

እዚ ጾም እዚ ምእንቲ ድኅነት ዓለም ኢሉ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾም እዩ፡ ቅዱስ ወንጌል ከምዚ እናበለ የረድኣና “ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ብዲያብሎስ ኪፍተን ናብ በረኻ ኣውፅኦ ኣብኡ ድማ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ” ማቴ. 4፡1-2


ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ብሰንኺ ብልዒ ዝመጽአ ኃጢኣትን ድኻምን ብጾም ኪስዕር ኃጢኣት ዘይብሉ ክንሱ ንኣና ኣብነት ኪኾነና ብተግባር ጸይሙ። ጐይታ ነቲ ንመንፈሳዉን ሥጋዊ ሕይወትና ዚጠቕም ዘበለ ብግብሪ ጌሩ ግበሩ በለና እምበር ብቓል ጥራይ ኣይመሃራናን ፡ ጸይሙ ጹሙ ፡ ጸልዩ ጸልዩ ንማለት እናወደቐ እናተንሥአን ጸለየ፡ ትሕትና ግበሩ ንማለት እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ሓፂቡ፡ “ኸምቲ ኣነ መምህርን ጐይታን ክንሰይ እዚ ዝገበርኹ ንስኻትኩም ድማ ኸምዚ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዙና። ዮሐ. 13፡14

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መጀመርታ ሥራሕ ዝገበራ ጾም እያ፡ እዚ ሥራሕ’ዚ ቕድሚኡ ዝነበሩ ኵሎም ነቢያት ይጾሙ ከምዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ይርከብ ሙሴ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸይሙ፡ ኤልያስ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸይሙ ከምኡ’ውን ካልኦት ነቢያት ከምዚጾሙ ኣብ መመጽሓፎም ጽሒፎም ኣለዉ።

ጾም ሽግር ዝፈትሕ መከራ ዘርሕቕ ኣብ እግዚአብሔር ዘቕርብን ምስ እግዚአብሔር ዘተዓርቕን መሳሊ ዘይብሉ መንፈሳዊ ሥራሕ እዩ። ናይ ጾም ውፅኢት ዝተረድአ ነቢይ ኢዩኤል “ጾም ኣውጁ ኣኼባ ጸውዑ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ንዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት መቕደስ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ኣክብዎም፡ ናብ እግዚአብሔር ከኣ ተማህለሉ፡” በለ። ኢዩ. 1፡14

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ዓለም እዚ ኪመጽእ ከሎ ትሕትና ለቢሱ ተራ ሰብ መሲሉ እዩ ዝመጸ፡ እምበር ብግርማ መለኮት ኣይመጽአን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብቲ ምድረ በዳ ኸይዱ 40 መዓልትን ለይትን ምስ ጾመ ዲያብሎስ ብ3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ከምዝፈተኖ፡ ብሠለስቲኡ ድማ ከም ዚሰዓሮ ቕዱስ ወንጌል ይነግረና እዩ። ማቴ. 4፡5-6

እዚ ዅሉ ፈተና ኺፍተን ዝኸኣለ ድኻም ነይርዎ ዘይኮነስ ንሕና ኸመይ ጌርና ምስ ጸላኢና ተቓሊስና ከምእንዕወት ትምህርቲ ንምሃብ እዩ። ኣብዚ ኽንርድኦ ዘሎና ጾም ማለት ካብ ጥሉላት ፡ ሥጋን ጸባን ዝኣመሰለን ምኽልካል ጥራይ ኣይኮነን፡ ካብ መባልዕቲ ተኸልኪልካ ኽትጻረፍን ክትካሰስን ክትበኣስን ካልኦት ኣይትግበርዎም ዝተበሓልናዮም ትእዛዛት ንገብር እንተደኣ ዄንና እቲ እንጾሞ ጾም ኣብ ርእሲ ድኻም ድኻም እዩ ዝኾነና እምበር ምሕረት እግዚአብሔር ኣየውሕብን።

ናይ ቤተ ክርስቲያና ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ነዚ ኣመልኺቱ ድጓ ኣብ ዝተባህለ ድርሰቱ “አፍ ይጹም ዐይን ይጹም እዝንኒ ይጹም እምሰሚዐ ሕሱም” ኢሉ ንረኽቦ እዚ ማለት ድማ ኣፍ ሕማቕ ካብ ምዝራብ፡ ካብ ምሕማይ፣ ዓይኒ ኽፉእ ካብ ምርኣይ፣ እዝኒ ኽፉእ ነገር ካብ ምስማዕ ይጹም ማለት እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ወኵሉ ዘተጽሕፈ ለተግሣጸ ዚአነ ተጽሕፈ ኵሉ” ዝተጻሕፈ ንሕና ንኽንግሠጸሉ ንሕና ንኽንምርሓሉ እዩ ዝተጻሕፈ እምበር ንኸንቱ ኣይኮነን ከም ዝበለ፡ ጾምና ብልማድ ካብ ምዃን፡ ምሕረትን በረኸትን መንፈሳዊ ኃይልን ክንረኽበሉ ብርድኢት ክኸውን ኣለዎ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሰ ብጾሞም ካብ ሽግርን፡ ካብ ዝተኣዘዘ መዓትን ድኂኖም፡ በረኸትን ረድኤትን ዝረኸቡ፡ ንሕና’ውን በደልና ንምሥትሥራይ በረኸት ንምርካብ ክንጸውም ይግባእ። (ዳን. 12 ፣ ዘዳ. 9፡9 ፣ ዘሌ. 16፡29-31)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195