banner

ትንሣኤከ ለእለ አመነ፡ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ትንሣኤከ ለእለ አመነ፡ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ።  (ትንሣኤኻ ንእንኣምን ፡ንዓና ብርሃንካ ስደደልና።)

ትንሣኤ ሓደ ካብተን ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ እቲ ዘይመውት ጐይታ ኣብ መቃብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድኅሪ ምግባሩ ብዕለተ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ብመለኮታዊ ኃይሉ ዝተንሥአሉ ፡ ድኅነት ደቂ ኣዳም ዝተረጋገጸሉ ፡ድኅሪ ሥጋዊ ዕረፍቲ (ሞት) ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንሰጋገርሉ ተስፋ ዝተረኽቦ ዓቢይ ዕለት እዩ።

ምሳሌ ትንሣኤ ክርስቶስ

ዓርከ እግዚአብሔር ዝተባህለ ጻድቅ ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ ንክሥውኦ ብእግዚአብሔር ምስ ተኣዘዘ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ብግብሪ ንክሥውኦ ኣብቲ ዝተኣዘዞ ቦታ በጽሐ። ንወዱ ይስሓቅ ብፍጹም ሕልና ናብ መሥዋዕቲ ኣቕሪብዎ ከሎ ይስሓቅ ካብ ሞት ድኂኑ እዩ። ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክገልጽ ከሎ ‘‘ ኣብርሃም ኣብ ዝተፈተነሉ ጊዜ ንይስሓቅ ብእምነት ኣቕረቦ ነቲ ብተስፋ ዝተቐበሎ ዘርእኻ ከብዝሖ እየ ዝብል ቃል ብይስሓቅ ክትፈሪ ዝተባህሎ ነቲ ሓደ ወዱ ንመሥዋዕቲ ኣቕረቦ። እግዚአብሔር ካብ ምዉታን ከተንሥኦ ከምዝኽእል ሓሲቡ እዩ እሞ ንወዱ ድማ ረኸቦ’’ ይብል። (ዕብ ፲፩፡፲፯ - ፲፱ / 11፡17 - 19) እምበኣር ኅልና ኣብርሃም ናይ መቓብር ፡ ይስሓቅ ብኅልና ኣቦኡ ከምዝተሠወዐ እሞ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ካብ መሥዋዕቲ ምድኃኑ ክርስቶስ ድማ ምስ ሞተ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ናይ ምትንሣኡ ምሳሌ እዩ።(ዘፍ ፳፪፡፩)

ብዛዕባ ትንሣኤ ዝተነግሩ ትንቢታት

ሀ. ‘‘ አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ እለ ዓገቱኒ ወቆሙ ላዕሌየ’’(መዝ ፫፡፭/ 3፡5)ትርጉሙ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሠ መቃብር ኀደርኩ እግዚአብሔር ስለዘተንሥኣኒ ካብ ብዝኂ እቶም ዓቀብተ መቃብር ኣይፈርህን እየ። እግዚአብሔር ክብል ከሎ ስም ሓድነቶም ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ንሠለስቲኦም የመልክት። ካብቶም ጸላእተይ ኣብ ልዕሊ መቓብረይ’ውን ካብ ምውታን ከይትንሥእ እምኒ ዝጸቐጡኒ ፡ ኣብ ኣፍ መቓብር ቆይሞም ካብ ዝሕልዉኒ ኣይሁዳውያን ኮኑ ሮማውያን ጭፍራታት ኣይፈርሕን፡ መግነዝ ፍትሑለይ መቓብርውን ክፈቱለይ ከይበልኩ ብኣምላኽነተይ ተንሣእኩ።ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚአብሔር አብ ከም ዘተንሥኦ ይገልጽ፡ ‘‘ እግዚአብሔር ኣተንሢእዎ ’’ ይብል። (ግ.ሓዋ ፪፡፴፪ / 2፡32) ወልድ ብገዛእ ሥልጣኑ ከም ዝተንሠአ’ውን ይዛረብ። ‘‘ ወአልቦ ዘየኀይደንያ አላ ለልየ እሜጥዋ በፈቃድየ ፡ እስመ ብውሕ ሊተ አንብራሂ ወእሢማ፡ ወብውሕ ሊተ ካዕበ አንሥኣ ፡ ትርጉም ፡ ኣነ ባዕለይ ብፍቓደይ ኣሕሊፈ እህባ እምበር ካባይ ዝወስዳ የልቦን ንነፍሰይ ካብ ሥጋይ ክፈልያ ኣዋሒደ ድማ ከተንሥኣ ሥልጣን ኣሎኒ። (ዮሓ. ፲፡፲፰ / 10፡18) ስለዚ እግዚአብሔር’ውን ኣተንሢኡኒ እዩ እሞ ተንሣእኩ ዝብል ኣዘራርባ ብእግዚአብሔርነት ናይ ሥላሴ ሓድነት ንምርዳእ እምበር ንምፍልላይ ወይ ንምብልላጽ ከምዘይኮነ የረድኣና።

ለ. ‘‘ ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር ፡ እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ ቃለ እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ ’’ (መዝ ፲፩፡፭ / 11፡5) ትርጉሙ ሽዑ እግዚአብሔር ወልድ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሢ መቓብር ሓዲረ እትንሥእ ድኅነተ ሥጋን ድኅነተ ነፍስን እገብር ፡ ኣብ ሞት(ኣብ ዲያብሎስ) ኃይለይ ብትንሣኤ አፍልጥ ማለት እዩ። ካብ መቓብር ካብ ሲኦል ካብ ሞትን ግዝኣትን ዲያብሎስ ንምእመናን ኣድኅኖም ንምባል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ትንሣኤ ጐይታ ናይ በይኑ ካብ ሞትን መቓብርን ምትንሣእ ዘይኮነ ንዓና ነዞም ግዙኣት ዲያብሎስ ዝነበርና’ውን ካብ ሞትን ግዝኣት ዲያብሎስን ናጻ ዘውጸአ ትንሣኤ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና። እዚ ድማ ብትንሣኤ ተጠቀምቲ ንሕና ደቂ ኣዳም ምዃና እዩ።

ሐ. ‘‘ ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ፀሩ፡ ወይጕየዩ ጸላእቱ እምቅድመ ገጹ ፡ከመ የኀልቅ ጢስ ከማሁ የኀልቁ፡ ወከመ ይትመሰው ሰምዕ እምቅድመ ገጸ እሳት፡ ከማሁ ይትሀጐሉ ኃጥአን እምቅድመ ገጹ ለእግዚአብሔር።(መዝ ፷፯፡፩-፪) ኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዘመን ተፈጺሙ እግዚአብሔር ወልድ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሢ መቓብር ሓዲሩ ብምትንሣእ ንጸላእቱ ኣጋንንትን ኣይሁድን መናፍቓንን ደምሰሰ። ትኪ ወጺኡ ከምዝጠፍእ እሞ ኣብዚ በጺሑ’ውን ዘይበሃል ሞይቶም ክጠፍኡ እዮም ክፍረዶም’ውን እዩ። እዚ ትንቢት ዘረድእ ትንሣኤ ጐይታና ንጸላእቱ ኣጋንንትን ኣይሁድን መናፍቓንን ውርደት ፡ ንኣመንቲ ድማ ክብርን ሕይወትን ምዃኑ እዩ። ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉድኅሪ ምሟት ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ከምዝተንሠአ ንቅዱሳንደቂ መዛሙርቱ ብተደጋጋሚ ዝገለጸሎም ነገር ድማ ምፍጻሙ ዝምህር ትምህርቲ እዩ። ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ወንጌሉ ‘‘ ካብታ ጊዜ’ቲኣ ጀሚሩ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኸይድ ዓበይቲን ካህናትን ጸሓፍትን ከምዘሣቕይዎ ከምዝቐትልዎ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ’ውን ክትንሥእ ምዃኑ ንደቀ መዛሙርቱ ክገልጸሎም ጀመረ።’’ (ማቴ ፲፮፡፳፩ / 16፡21) ዝብሎ ንረክብ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይቲን ከምዝተንሠአ ትንቢት ተነጊሩሉ ምሥጢር ዘለዎ ምሳሌ’ውን ተመሲልሉ እዩ።

ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ከመይ እዩ፧

ቀዳማይ፦ መዓልቲ ዓርቢ ንለይቲ ዓርቢ ይስሕብ፡ ቀዳም ለይትን መዓልትን ፡ ለይቲ ሰንበት መዓልቲ ሰንበት ይስሕብ። በዚ ሠለስተ መዓልቲንሠለስተ ለይትን ተባሂሉ ይቑጸር፡፡

ካልኣይ፡- ከርሠ ሓዋርያት መቓብር ጌሩ ማለት ብጸሎተ ሓሙስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ኣቐቢልዎም እዩ። በዚ ከኣ እቲ ዝተቐበልዎ ሥጋኡን ደሙን ኣማናዊ እምበር ምሳሌ ከምዘይኮነ ንርዳእ። በዚ ድማ ዕለተ ዓርብ ናብ ሓሙስ ይስሓብ እሞ ከርሢ ቅዱሳን ሓዋርያት ከም መቓብር ተቖጺሩ ክሥራዕ እንከሎ ናይ ሓሙስ መዓልቲ ጥራይ ፡ ዓርቢ ለይትን መዓልትን ቀዳም ለይትን መዓልትን ከምኡ’ውን ሰንበት ለይቲ ፡ በዚ ድማ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ይኸውን (ይቑጽር)።

ሣልሳይ፡ ጐይታ ዝተሰቕለሉ ብዕለተ ዓርብ ሰዓት ፮(ፋዱስ) እዩ። ዓርቢ ካብ ንጉሆ ክሳዕ ቀትሪ ብርሃን ነበረ። ካብ ቀትሪ ክሳዕ ፱/3 ድ.ቀ. ድማ ጸልማት ነበረ ካብኡ ድማ ካብ ሰዓት ፱/3 ድ.ቀ. ክሳዕ ሠርክ ሰዓት ፲፩ / 5 ፡00 ድ.ቀ. ብርሃን ነበረ። በዚ ድማ ዕለተ ዓርብ ክልተ መዓልትን ሓደ ለይትን ኮይና ትቝጸር። ናይ ቀዳም ለይትን መዓልትን ከምኡ ድማ ናይ ሰንበት ለይቲ ሓዊስካ ብሓንሳብ ክቝጸር ከሎ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ይኸውን። ስለዚ ድማ ክርስቶስ ድኅሪ ሠለስተ መዓልትን ለይትን ካብ ሙታን ተፈልዩ ከምዝተንሥአ በዚ ንፈልጥን ንርዳእን።

ብትንሣኤ ጐይታና ዘሎና ተስፋ

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤ በዓል ቤት እዩ። ንዝኣመንዎ ድማ ትንሣኤ ነፍስን ሥጋን ይዕድሎም።ከመይ ‘‘ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ ፡ እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተሞተ እኳ ብሕይወት እዩ ዝነብር። ’’ (ዮሓ ፲፩፡፳፭ /11፡25) ስለዝብልን ንወለተ ኢያኢሮስን ወልደ መበለትን ከምኡ’ውን ንኣልኣዛርን ከምዘተንሠአ ጽሑፍ እዩ። (ማቴ ፱፡፵፭ ሉቃ ፯፡፲፭ ዮሓ ፲፩፡፵፬) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ነቲ ድኅነት ፈጺሙ ድኅሪ ምሟቱ ከምዝተንሠአ እሞ ንብዙኃት ሰባት ከምዝተራእየ መጽሓፍና ይምህረና እዩ። ስለዚ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ከም ዘለዎን ዓወት ናይ ባሕሪኡ ምዃኑን ዘረድኣና እዩ። በዚ መሠረት ድማ ትንሣኤ ፡ ሕይወትና እዩ። ናይ ጻድቃን ትንሣኤ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምህረና ሞተ ነፍስ ዘየስዕብ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ክብርን ጸጋን ዘጓናጽፍ ትንሣኤ እዩ። ከምቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ‘‘ ወንሴፎ ትንሣኤ ምዉታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም / በቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘምጽእ ትንሣኤ ምዉታን ተስፋ ንገብር ’’ እናበልና ብተስፋ እንጽበዮ ትንሣኤ ዘጉባኤ ብሕጂ ምዃኑ እዩ።

ዕላማ ምኽባር በዓልእንታይ እዩ፧

በዓል ምኽባር ካብ ጥንቲ ዝጀመረልናን ክንፍጽሞ’ውን ዝኣዘዘና ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። (ዘፀ ፳፡፰ /20፡8) በዚ መሠረት ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ሃይማኖትና ትእዛዝ ፈጣሪናክንፍጽም ፡ እግዚአብሔር ኣብ ቅዱሳን ሓዲሩ ዝሠርሖ ሥራሕ ክንፈልጥ ፡ ካብቲ ኣብቲ ዕለት ዝዝከር ቅዱስ ወይ ቅድስት ሕይወት ክንመሃርን ኣሰር ኣሰሮም ክንስዕብን በረኸት ክንረክብን ፡ ኣብ ሃይማኖትና ንኽንጸንዕ በዓላት ከነኽብር ትእዝዘና።

በዓለ ትንሣኤ ከመይ ከነብዕሎ ይግባእ፧

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዝፍጸም ሥርዓት ሰማያዊ ክብርን ዘለዓለማዊ በረኸትን ዘውህብ ብምዃኑ ክንሳተፎግቡእና እዩ። በዓለ ትንሣኤ ጐይታና ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ናፃ ዘውጸኣናን ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝህበናን ስለዝኾነ ኩሉ ሳዕ ኣብ ቤቱ ተረኺብና ንዝገበረልና ከነመስግን ፡ካብ ኩሉ ባርነት ኃጢኣት ናፃ ወጺእና ብሓጐስን ፍሥሓን ንዝሓመመ እግዚአብሔር ምሕረት የውርደልካ፡ ንዝተአስረ እግዚአብሔር የፍትሕካ እናበልና ፡ ነቶም ዘይብሎም ነዳያን ድማ ዓቕምና ብዝፈቐዶ እናተሓጋገዝና ከነሕልፎ ይግብኣና። መዓልቲ ሞትና ከየርከበትና ብንስሓ ተሓጺብናን ተዳሊናን ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ተቐቢልና ክንጸንሖ ይግብኣና።

በረከት ትንሣኤኡ ይዓድለና።
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

ይ፡ ካ፡ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ይ፡ሕ፡ በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
ይ፡ካ፡ አሠሮ ለሰይጣን ይ፡ሕ፡ አግዐዞ ለአዳም
ይ፡ካ፡ ሰላም ይ፡ሕ፡ እምይእዜሰ
ይ፡ካ፡ ይኩን ይ፡ሕ፡ ፍሥሐ ወሰላም

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195