banner

ባሕረ ሓሳብ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ባሕረ ሓሳብ

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እትጥቀመሉ መቝጸሪ ዘመን፣ ባሕረ ሓሳብ ይበሃል፣ ባሕረ ሓሳብ ማለት ቍጽሪ ዘለዎ ዘመን፤ ናይ ዘመን ቍጽሪ፤ ሓሳብ ናይ ዘመን እዩ። ነዚ ዝቐመሮ ድማ መበል 12 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ኮይኑ ኣብ ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ዲሜጥሮስ እዩ። ቅዱስ ዲሜጥሮስ መልኣኽ እግዚአብሔር ብዝገለጸሉ ካብ ለይቲ 23 ካብ መዓልቲ 7 ሱባዔ ኣትዩ ብመጥቅዕን ኣበቅቴን ዝቕመር ባሕረ ሓሳብ ኣዳለወ።


1) ዓመተ ዓለም
ዓመተ ዓለም፣- ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዓመት ምስ ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ተደሚሩ ዓመተ ዓለም ይበሃል።
ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን፡- ዓመተ ፍዳ፣ ዘመነ ኵነኔ፣ ዘመነ ብሉይ ይበሃል። ጠቕላላ 5500 ዓመት እዩ።
ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ድማ፡- ዓመተ ምሕረት፣ ዘመነ ሥጋዌ ይበሃል።
-> 5500 + 2010 = 7510
2) መጠነ ራብዒት፦ ብጽሒት ሓደ ወንጌላዊ ድማ ዓመተ ዓለም ንኣርባዕተ መቒልካ ዝርከብ ኮይኑ ናይ 7510 ከኣ 1877 እዩ።
3) ዓመተ ወንጌላዊ ንምርካብ ፣- ዓመተ ዓለም ንኣርባዕተ መቒልካ በቲ ተረፍ ትጽውዖ።
ዓመተ ዓለም ÷ 4
-------
ተረፍ ፡- 1 እንተኾይኑ ማቴዎስ፤
2 ,, ማርቆስ
3 ,, ሉቃስ
0 ,, ዮሐንስ


3.1) ብዓመተ ዓለም
7510 ÷ 4
7500 1877
2
3.2) ብዓመተ ምሕረት
2010 ÷ 4
2008 502
2
ስለዚ፣ ተረፍ 2 ስለዝኾነ ዘመነ ማርቆስ እዩ።

4) ርእሰ ዓውደ ዓመት - ባሕቲ መስከረም መዓስ መዓልቲ ከምዚውዕል ንምፍላጥ፣- ጥንተ ቀመርን ጥንተ ዖንን ንጥቀም።
ዓመተ ዓለም + ብጽሒት ሓደ ወንጌላዊ ÷ 7
----------
ተረፍ
4.1) ጥንተ ቀመር ፣- ነቲ ተረፍ ካብ ሠሉስ ሓደ ኢልካ ይቝጸር።
ንኣብነት፡ 1 - ሠሉስ፤ 2 - ረቡዕ፤ 3 - ኃሙስ፤ 4 - ዓርቢ፤ 5 - ቀዳም፤ 6 - ሰንበት፤ 7 - ሰኑይ
7510 + 1877 ÷ 7
9387 ÷ 7
9380 1340
7 -> ሰኑይ

4.2) ጥንተ ዖን ፣- አሐደ አእትት/ሓደ ኣጒድል ከምዝብል፣ ካብቲ ተረፍ ሓደ ኣጕዲልካ ካብ ረቡዕ ሓደ ኢልካ ይቝጸር።
1 - ረቡዕ፤ 2 - ኃሙስ፤ 3 - ዓርቢ፤ 4 - ቀዳም፤ 5 - ሰንበት፤ 6 - ሰኑይ፣ 7 - ሠሉስ

7510 + 1877 ÷ 7
9387 ÷ 7
9380 1340
7 -> አሐደ አእተት (ሓደ ኣጒድል) ፣ 7 - 1 = 6 -> ሰኑይ

5) መደብ ወመንበር
መደብን ወንበርን ንአበቅቴን መጥቅዕን ኽንረክብ ዝሕግዙና እዮም።
5.1) መደብ፡- ተረፍ ናይ ዘመን ኮይኑ መደብ ናይ ዘመን ንምግላጽ ይጠቅም።

ዓመተ ዓለም ÷ 19 ፤
-------
ተረፍ - መደብ ዘመን ይብሃል።

ዓመተ ዓለም ÷ 532
-------
ተረፍ - መደብ ዘመን ይብሃል።
መደብ
7510 ÷ 19
7505 395
5 -> መደብ

5.2) ወንበር፣- መደብ - 1 = ናይ ዘመን ወንበር ይብሃል።
ወንበር = መደብ - 1
5 – 1 = 4 መንበር -> 4

6) አበቅቴ ወመጥቅዕ

ብመንገዲ መንበር ንኣበቅቴ ምስ መጥቅዕ ንረክብ።
ወንበር x11÷ 30
____
ተረፍ = ኣበቅቴ
ወንበር x19 ÷ 30
____
ተረፍ = መጥቅዕ
6.1 ኣበቅቴ:- ካብ ቍጽሪ ዓመት ተረፍ ማለት እዩ። ምስ ሠርቀ መዓልትን ምስ ሕፀፀ ኣውራኅን ተደሚሩ ኣጽዋማትን በዓላትን ዚኃድሩሉ ለይቲ የመልክት።
ወንበር x11÷ 30 =
4 x 11 ÷ 30
44 ÷ 30
30 1
14
አበቅቴ -> 14
6.2) መጥቅዕ፣- ነጋሪት ማለት እዩ። ሰብ ነጋሪት ሰሚዑ ከምዚእክብ፡ መጥቅዕ ኣብ ዝተሰይመ ዕለት ድማ ሕዝቢ ኣጽዋማትን በዓላትን ኪሰምዕ ስለዚእክብ እዩ።
ወንበር x 19 ÷ 30
------
ተረፍ = መጥቅዕ
4 x 19 ÷ 30
76 ÷ 30
60 2
16
መጥቅዕ -> 16
በዓለ መጥቅዕ -> ሠሉስ 16 መስከረም ይውዕል።

7) ተውሳኸ ዕለት፣-
ካብቲ መጥቅዕ ዝወዓሎ መዓልቲ => ምሉእ 4ተ ወርኂ ወይ 120 ዕለታት ይቝጸር። ኣብ ርእሲኡ ሰኑይ ክሳዕ ዚርከብ
2 - 8 ዕለታት ይውስኽ። እቲ ፈለማ ዚርከብ ሰኑይ - ጾመ ነነዌ እዩ።
ቀዳም - 8 ፤ ሰንበት - 7 ፤ ሰኑይ - 6 ፤ ሠሉስ - 5 ፤ ረቡዕ - 4 ፤ ኃሙስ - 3፤ ዓርቢ- 2 ፤
* መጥቅዕ + ተውሳኸ ዕለት = መባጃ ሓመር
16 + 5 (ሠሉስ) = 21

መባጃ ሐመር = 21
ስለዚ፦ ጾመ ነነዌ 21 ጥር ይውዕል።

8) ኣጽዋማትን በዓላትን
ነነዌ = 21 ጥር
ዓቢይ ጾም = 21 + 14 = 5 የካቲት
ደብረ ዘይት = 21 + 11 = 2 መጋቢት
ሆሳዕና = 21 + 2 = 23 መጋቢት
ስቕለት = 21 + 7 = 28 መጋቢት
ትንሣኤ = 21 + 9 = 30 መጋቢት
ርክበ ካህናት = 21 + 3 = 24 ሚያዝያ
ዕርገት = 21 + 18 = 9 ግንቦት
በዓለ 50 = 21 + 28 = 19 ግንቦት
ጾመ ሰነ = 21 + 29 = 20 ግንቦት
ጾመ ድኅነት = 21 + 1 = 22 ግንቦት

ለቡ፦ ናይ ዝመጽእ ዓመት 2011 ዓ.ም. ካብ ዓመተ ዓለም ክሳዕ ኣጽዋማትን በዓላትን ከተውፅኡ ፈጣሬ ኣዝማናት እግዚአብሔር ምስትውዓሉ ይግለጸልኩም !

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወወለወላዱቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195