banner

ዕዉት ዑደት፣ ሠረት ድልዱል ባይታ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዕዉት ዑደት፣ ሠረት ድልዱል ባይታ

ድኅሪ ናጽነት ሃገርና ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብሓዋርያዊ ሰንሰለት ናጻን ልዑላዊን መንበራ ካብ ዝተኸለትሉ ኣትኂዙ ብመንጽር ዝምድናታት ወፃኢ ኣብ መድረኻት ዓለም ተሳትፎኣ ካብ ዘረጋገጸትሉ ጥርናፈታት ሓደ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም (World Council Of Church) እዩ። እዚ ማኅበር ዳርጋ ንኵሉን ኣብ ዓለም ንዝርከባ ብስም ክርስቶስ ዝቖማ ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓቍፍን ምስ ነፍስ ወከፍ ኣባልን ዘይኣባልን ማኅበራት ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ እቲ ዝዓበየ ጥርናፈ ክርስቲያናት ዓለም እዩ። ነዚ ጥርናፈ ኣብ ምቋምን ምኅያልን ድማ ኣኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ምዃነን’ውን ይፍለጥ። ዕላማኡ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትን እምነትን ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ከይኣቶኻ ብሕውነታዊን ምሕዝነታዊን ናይ ምትሕግጋዝ ኢኮሜናያዊ መንፈስ እምነተ ክርስትና ምዕቃብን ምኅያልን እዩ።


እምበኣር ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብኢኮሜያናዊ መንፈስ ኣገዳስነት እዚ ማኅበርን ካልኦት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ማኅበራት ብምርዳእ ተሳትፎኣ ከተኅይልን ምቕሉል ኣበርክቶኣ ክትገብርን ጸኒሓ እያ። በዚ መሠረት ከኣ ብዘይካ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም (World Church Council) ኣብ ካልእ ጥርንፈ ማኅበር ንጥፍቲ ኣባል ዓበይቲ ቀላያትን ምሥራቕ ኣፍሪቃን ንዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝጥርንፍ ማኅበር ፊኬላሃን (FECCALAHA)፣ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት መላእ ኣፍሪቃ (AACC) እያ።

ኣብ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ኣንቀጽ 49 ንዘሎ መሠረት ብምግባር ድማ ከም ናጻን ልኡላዊን ቤተ ክርስቲያን (Autocephalous Church) ቡራኬን ፍቓድን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ከየድለያ፣ ናይ ወፃኢ ርክባታ ዝኅይለሉ ኣገባብ ከም ኣካል ስልታዊ (ስታራቴጂካዊ) ረብሓታታ እተውሕሰሉ ኣገባብ ብድሩት ዓቕማ ክትሠርሕ ጸኒሓ እያ። ብፍላይ ድማ ድኅሪ ሣልሳይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ መንበረ ፓትርያርክን ምጽዳቕ ሓዲስ እማመን ኣብዚ ዓውዲ’ውን ንዝነበረ ድኽመት ብምልላይን ብምግምጋምን ዝምድናኣ ከተኅይል ከምዝግባእ ብዝተዋህበ መምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝኃለፈ ሠለስተ ዓመታት ብዕቱብ ክትሠርሓሉ ጸኒሓ እያ።

ብዘይካ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ማኅበራት ዘለዋ ንጡፍ ተሳትፎ፣ ልዕልን ቅድምን ኵሉ ድማ ምስ ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያን፡ ቀጺሉ ድማ ምስ ምሥራቓውያን ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያን ርክባ ኣብ ምኅያል ትሠርሕ ኣላ። እዚ ክርስቲያናዊ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ድማ ኣብ ብዙኅ ዓውድታት ዘተኰረ እዩ። ሓደ ካብኡ ድማ ኣብ ሥልጠና ዓቕሚ ሰብን መንፈሳዊ ኮሌጅን እዩ። ብዘይካ’ዚውን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብብዝኂ ምስ ዝርከብ ሕዝባን ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝኸይድ ምስ ዘሎ ምቋም ኣብያተ ክርስቲያንን ጕስነታን ክግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ምድግጋፍ ኣኣብ ሃገሩ ምስ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለምን ማኅበራትን ርክባት ክካየድ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ወፃኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትናን ኣብያተ ክርስቲያንን’ውን ምስ ከባቢአን ዘለዋ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ክገብርኦን ከኀይልኦን ዝጸንሓ ርክባት’ውን ኣካል እዚ መሥርሕ እዩ። ድምር’ዚ ውፅኢት ጻዕሪ ድማ ኣብ መዳይ ወፃኢ ዝምድናታት ቤተ ክርስቲያንና ርኡይ ዕብየትን ገስጋስን ተመዝግብ ከምዘላ ክፍለጥ ይከኣል።

እምበኣር ካብ ዝተፈላለያ ሸሞንተ ሃገራት ዝተዋፅአ ጄኔቭ (ስዊዘርላንድ) ዝመደብሩ ላዕለዋይ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ኣብ ሃገርና ዝገበሮ ሰፊሕን ጽዑቕን ዑደት መቐጸልታን ውፅኢትን ናይቲ ኽግበር ዝጸንሐ ቀጻሊ ርክባት እዩ። እዚ ልኡኽ ብዘይካ ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝገበሮ ርክብን ዘተን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉረ ስብከታትን ጥንታውያን ገዳማትን በዓላትን ታሪኻውያን ቦታታትን፣ ከምኡ’ውን ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ወፍሪ ብምግባር ሓዋርያዊ ተልእኾኣ ንምፍጻም እተተግብሮም ዘላ ዓበይቲ መንፈሳዊያን ፕሮጀክትታት ብኣካል ተዓዚቡ፣ ምስ ዝተፈላለየ ኃለፍቲ ድማ ተዘራሪቡ። ኣባላት ልኡኻን ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም፦ እቲ ዑደት ልዕሊ ትጽቢቶም ዕዉት ምንባሩን፣ በብዝኸድዎን በብዝረኣይዎን ከምዝተመሰጡን ትስፉው ሥራሕ ይዕመም ከምዘሎን ገሊጾም። ብፍላይ ከኣ ጥንታዊ ታሪኽን ኣስተምህሮን ቤተ ክርስቲያን ከምዘለዎ ተዓቂቡ፣ ዘመናዊ ወለዶ እምነትን ሥርዓትን ኣቦታቱ ንኽወርስ ክሥርሓሉ ዝጸንሐ ነዊኅ ዝጠመተ እዋኑ ዝጠልቦን ኣገባብ ፍሉይ ጦብላሓታ ከምዘኅደረሎም ተዛሪቦም። ብሕጂ ንዝህሉ ኵሉ መደያዊ ኢኮሜናያዊ ምትሕግጋዝን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መንፈስን ድልዱል ባይታ ዘንጽፍ ምዃኑ ከኣ ኣረጋጊጾም። ኣብ ዝተፈላለያ እምነታት ዘሎ ተኸባቢርካ ናይ ምንባር ባህሊ ኽዕቀብ ዘሎዎን ንካልኦት ኣርኣያ ዝኸውን ዓቢይ ጸጋ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።እዚ ዑደት’ዚ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መድረኻት ዓለም ክትንጸል ይትረፍሲ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ኣስታት 100 ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ብቐዳምነት ካብ ዝሥርዓ ኣባላት ሓንቲ ምዃና ብላዕለዋይ ልኡኽ ዝተመስከረሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

ብርግጽ ድማ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ይትረፍ ንኣመንታ ንካልእ ዓለም ትምህርትን ኣብነትን ዝኸውን ተነጊሩ ዘይውዳእ ፍሉይ፣ ተጸብጺቡ ዘይፍጸም ብዙኅ ጸጋታትን ታሪኽን ዘለዋ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን እያ። ምስ ናጽነት ሃገር ድማ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ከም ምዃና ኣብ መድረኻት ዓለም ዘለዋ ተሳትፎን ኣበርክቶን በብጊዜኡ እናኃየለት ትኸይድ ከምዘላ፡ ኣብዚ ዝኃለፈ ሠለስተ ዓመት እኳ ብልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቢላ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ማኅበራትን ዝገበረቶም ርክባትን ዝተረኽቡ ውፅኢታትን ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ብሕጂ’ውን እዛ ቤተ ክርስቲያን’ዚኣ መንፈሳዊ ስትራቴጂካዊ ረብሓታት ንምውሓስ ብረድኤተ እግዚአብሔርን ብጸሎተ ኣበውን ተደጊፋ ዓለም ለኻዊ መልክዕ እናኃዘት ከምትግስግስ እሙን ነገር እዩ።

ኵሉ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ዝርከብ ሕዝበ ክርስቲያን ጽላልን ዋልታን ልኡኽን ቤተ ክርስቲያን ክኸውን፡ ሓድነት ሕዝብን ጽንዓት ሃይማኖትን ኣብ ምርግጋጽ ኣበርክቶኡ ከኀይል ጻውዒት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195