banner

በዓላትና መግለጺ ሃይማኖትናን መርኣያ ሓድነትናን!

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

በዓላትና መግለጺ ሃይማኖትናን መርኣያ ሓድነትናን!

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመነ ብሉይ ብሕገ ልቦናን ሕገ ኦሪትን፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ብሕገ ወንጌል እናተመርሐት፣ ሃይማኖታ፣ ሥርዓታ፣ ትውፊታን ታሪኻን ዓቂባ ካብ ዘመን ናብ ዘመን እናተሰጋገረት ኣብዚ ዘመን’ዚ በጺሓ ኣላ። ከምቲ ብርሃነ ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝመሃረና ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትምህርቲ ነቢያትን ሓዋርያትን ጸኒዓ ትርከብ ኣላ። ጻት ንጻት ኣገልገልታን ሕዝባን ኣኪባ ጥንታዊ ትምህርታን ሥርዓታን ንሕዝብን ንዓለምን ካብ እትገልጸሉን እተርእየሉን ሓደ ኣገባብ ድማ ቅዱሳን በዓላታ እዮም።


ብርግጽ በዓላትና መግለጺ ሃይማኖትናን መንነትናን እዮም። ዓይነቶምን ትርጕሞምን በበይኑ ይኹን እምበር ንቕዱሳት መጻሕፍት መሠረት ብምግባር ግብሪ እግዚኣብሔር እንምስክረሎም፣ ርቱዕ ሥርዓተ ኣምልኮና እንገልጸሎም፣ በረከትን ጸጋን እንረኽበሎም፣ ጥንታዊ ታሪኽናን ትውፊትናን እነንጸባርቐሎም፣ ሓዋርያዊ ትምህርትናን ስብከትናን እነመኃላልፈሎም፣ ኣሰር ዝቐደሙ አበው እነጽንዓሎም፣ መንፈሳዊ ውርሻና እንዕቀበሎም፣ ክርስቲያናዊ ባህልና’ን መንፈሳዊ መንነትናን ኣጕልሒና እነርእየሎም፣ ምልኩዕ ሓድነትናን ሰላምናን እነረጋግጸሎም እዮም። ስለዝኾኑ ድማ ብፍሉይ ክንርእዮምን ከነኽብሮም ግድነት ይኸውን።

ገለ ካብዞም በዓላትና ኣብ መጻሕፍት ዝንበቡን ብታሪኽ ዝዝንተዉን ጥራይ ዘይኮኑስ ብግብሪ’ውን ዝረኣዩ እዮም። እምበኣር ትንቢተ ነቢያት ምስ ስብከት ሓዋርያት፣ ታሪኽ ምስ ትውፊት፣ አበው ምስ ውሉድ፣ መሠረት ምስ ፍጻመ፣ ተስፋ ምስ ሓቂ፣ ብሉይ ኪዳን ምስ ሓዲስ ኪዳን ኣወሓሒዳ ካብ ተኽብሮምን ትገልጸሎምን በዓላት ድማ ሓደ ቅዱስ በዓለ መስቀል እዩ።

ቅዱስ በዓለ መስቀል ከም ካልኦት ሃይማኖታዊ በዓላትና ጥንታዊ ትርጕሙን ሥርዓቱን ዓቂቡ ዓመት መጸ ብኣቀራርባኡ ኮነ ጽፈት መርሓ ግብርታቱ ዝያዳ እናደመቐን እናተኾለዐን ይኸይድ ኣሎ። እዚ በዓል’ዚ ብተሳትፎ ብፁዓን ጳጳሳት፣ ገዳማውያን ኣበው፣ ሊቃውንት፣ ሥዩማን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን፣ ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ኣጋይሽ ከምኡ’ውን ሕዝበ ክርስቲያን ብኣዝዩ መሣጢ ውሕደት ማዕሪጉን ይበዓል ኣሎ። ቅዱስ ዳዊት “ህየንተ አበው ተወልዱ ለኪ ደቂቅ” ከምዝበሎ ተተካኢ ብዝኾኑ ፃዕዳ ኣልባስ ብዝተኸድኑ መንእሰያትን፣ ብባንዴራ ሃገርናን ኣርማ ቤተ ክርስቲያናን ወቂቡ ክበዓል ከሎ ክንደይ ውሽጣዊ ሓጐስ ከምዝህብ ዓለም ብዓለሙ ዝምስከረሉ እዩ። ብቀረባ ዘይፈልጥዎ ኣጋይሽን ወፃእተኛተታትን’ውን ፍሉይ ቃል ኣድናቖቶም ዝገለጹሉ እዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብዚ በዓል ዝተረኽቡ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም’ውን “ኣነ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚን ምኽንያት ሥራሕን ኣብ ብዙኅ ክፋል ዓለም በጺሐን ኣብ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ጽምብላት ተሳቲፈን እየ። ከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ በዓል’ዚ ርእየን ኣድኒቐን ኣይፈልጥን” ኢሉ ምስክርነት ምሃቡ ክሳብ ክንደይ ዘገርም ዕፁብ ዝኾነ ጥንታውን መንፈሳውን በዓል፡ ከምኡውን ብእግዚኣብሔር ዝተባረኸ ቅዱስ ሥርዓት ከምዘሎናን ዘረጋግጽ እዩ። ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣሥመራ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ምሉእ ሃገር ብኸምዚ ኣገባብ ድምቀትን ተሳትፎ ሕዝበ ክርስቲያንን እናወሰኸ ዓመት መጸ ይበዓል ብምህላዉ ድማ ዝያዳ ፍናን ዝህብ እዩ።

ኣብ ዓለም ብዙኃን ካብ ቀዳሞት ዝተረከብዎ ሒደት እኳ እንተዘይነበረ፣ ተረኪቦም ከምዘለዎ ዘመኃላለፍዎን ንደቆም ዘውረስዎን ግና ውኁድ ስለዝኾነ፣ ናትና ዝብልዎ ክስእኑን ኣብ ቅልውላው መንነት ኽኣትዉን ዝተረኽቡ ብዙኃት እዮም። ናትና ግና ንኣሽሓት ዓመታት ከይተበረዘን ከይተኸለሰን ጥንታዊነቱ ዓቂቡ ዝኸይድ በዓልን ኣገባብን ዘሎና ምዃኑ ትእምርቲ ጸጋናን ሃብትናን እዩ። ‘መለበሚ ኣይግበርካ፣ መለበሚ ኣይክላእካ’ ከምዝብሃል፣ ጥንታውን ሓዋርያውን ሃይማኖትናን ሥርዓትናን ዓቂብና፣ ታሪኽናን ትውፊትናን ኣጽኒዕና፣ ኣቦታትና ብዘጽንሑልና ኣገባብ ዓመት መጸ እናተጐልዐ ብዝኸይድ ፍሉይ ድምቀት ብሰላምን ብሓድነትን ከነኽብሮ ምኽኣልና ነዚ ወለዶ’ዚ ፍሉይ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። በዚ ድማ ንዘጽንሑልና ኣቦታትናን ኣዴታትናን ከነኽብር፣ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ከነመስግን ይግባእ።

ግብሪ እግዚኣብሔርን ግብሪ ንሱ ዝኃረዮም ቅዱሳን ዝዝከረሉን ዝኸብረሉን ከምዚ ዚኣመሰለ ቅዱስ በዓል’ዚ ድማ ፍቕሩን ትርጕሙን ኣብ መንእሰያትን ሓድሽ ወለዶን ዝያዳ ሠሪጹ ክኣቱ ብዙኅን ብዓጸፋን ክንሠርሓሉ ይግባእ። ነዚ ዘርኣየና እግዚኣብሔር ደጊምና ደጋጊምና ስብሓት ይኹኖ እናበልና ድማ ምስጋናና ነቕርብ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195