በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ካልአ ነኪረ ትምህርተ - ካልእ ጋሻ ትምህርቲ (ዕብ 13፡9)
ንዋይ ኅሩይ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ዕብራውያን ኣብ ዝጻሓፎ መልእኽቱ፡ “ምስ ናይ ሃይማኖት፣ ብተፋቅሮ ክጸንዑ፣ ኣጋይሽ ምቕባል ዓቢይ በረኸት ከምዘለዎ ንጻድቅ ሎጥ ዝኣመሰሉ ኣበው ክዝክሩ፡ ኣብ ስቃይን መከራን ንዘለዉ ከኣ ካብ ልቢ ምዝካርን ኣብ ስቓዮም ተኻፋሊ ምዃንን ከምዘድሊ፣ ንነፍስን ሥጋን ካብ ዝጐድእ ኃጢኣት ርኂቕካ ብቅድስና ምንባር ከምዝግባእ፣ ናብራ ዓለም ኃላፍን ተራፍን ብምዃኑ ኣብ ዓለማዊ ናብራ ይኣኽለኒ ምባል፣ በቲ ዘለካ ምዕጋብን ንእግዚአብሔር ተመስገን ምባልን ሠናይ ምዃኑ፣ ኣጽኒዑ ድኅሪ ምምሃሩ፣ ካብዚ ርቱዕን ሓዋርያውን ትምህርቲ ዝወፅአ ካልእ ትምህርቲ ንከየምጽኡ “ኢታምጽኡ ካልአ ነኪረ ትምህርተ” (ፍሉይ ትምህርቲ ኣይተምጽኡ) ብምባል ኣጠንቀቖም። ትማሊ ዝነበረ ሎሚ ዘሎ፣ ንዘለዓለም’ውን ዝነብርን ዘይልወጥን ወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ሓደ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቃለ ወንጌል ኣብ ትምህርቲ ሓዋርያት ክጸንዑ ምዓዶም።
ተውሳክ፡ . . .ካልአ ነኪረ ትምህርተ - ካልእ ጋሻ ትምህርቲ (ዕብ 13፡9)