
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ትንሣኤከ ለእለ አመነ፡ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ። (ትንሣኤኻ ንእንኣምን ፡ንዓና ብርሃንካ ስደደልና።)
ትንሣኤ ሓደ ካብተን ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ እቲ ዘይመውት ጐይታ ኣብ መቃብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድኅሪ ምግባሩ ብዕለተ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ብመለኮታዊ ኃይሉ ዝተንሥአሉ ፡ ድኅነት ደቂ ኣዳም ዝተረጋገጸሉ ፡ድኅሪ ሥጋዊ ዕረፍቲ (ሞት) ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንሰጋገርሉ ተስፋ ዝተረኽቦ ዓቢይ ዕለት እዩ።
ተውሳክ፡ . . .ትንሣኤከ ለእለ አመነ፡ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ።