banner

እንቋዕ ናብ በዓል ቃና ዘገሊላ ኣብጽሓና!

                          በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓደ ካብ ንኡሳን በዓላት ጐይታ ዝኾነ ቃና ዘገሊላ ብስብሓታትን ጸሎተ ቅዳሴን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ተኸቢሩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣብ ዞባ ገሊላ እትርከብ ቃና ዝገበሮ ተኣምር ምኽንያት ብምግባር ዓመት መጸ 12 ጥር ይኽበር። ዋላ እኳ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ክምህር ከሎ ብዙኅ ተኣምራት እንተ ገበረ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ መንጎ ሕዝቢ ዝገበሮ ተኣምር እዚ ናይ ቃና ዘገሊላ እዩ።

ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ ዝተገብረ መርዓ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ሓዋርያትን ተዓዲሙ ኸደ። ኣብቲ መርዓ፡ተዓደምቲ እናበልዑን እናሰተዩን ከለዉ ኣብ መንጎ መስተ (ወይኒ) ተወድአ እሞ እቶም እንዳ መርዓ ኃፈሩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሽግሮም ተመልኪታ ናብ ወዳ ለመነትሎም። ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ናይ ኣደኡ ኣማላድነት ተቐቢሉ፡ ንጽሩይ ማይ ናብ ወይኒ ብምልዋጥ ካብ ኃፍረት ኣገላገሎም። (ዮሓ. 2፡1-11)

በዚ ዝተገብረ ተኣምር ድማ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ኣምላኽነትን ከምኡ’ውን ርኅራኄን ኣማላድነትን ቅድስት ድንግል ማርያም ተገልጸ። ብዝያዳ እዚ ዘደንቕ ተኣምር፡ ዓቢይ ምሥጢርን ትርጓሜን ዝወሃበሉ ስለዝኾነ፡ ኣብ መምህራን ቀሪብና ክንሓትትን ቅዱሳት መጻሕፍት ክንምልከትን ይግባእ።

በዓል ቃና ዘገሊላ፡ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ እንሠርዖ መኣድን እንገብሮ ጽምብላትን ስም እግዚአብሔር ክንጽውዕን ከነመስግንን ከምዘለና’ዩ ዘዘኻኽር እሞ ነዚ ንምግባር ጸጋኡ የብዝኃልና፣ ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ኣይፈለየና!

                                                 ስብሐት ለእግዚአብሔር!

“ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ / ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ።” ሚክ. 7፡19

         በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ        አሐዱ አምላክ!

               

      እንቋዕ ናብ በዓለ ጥምቀት ኣብጽሓና!
           “ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /

          ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ። ”                ሚክ. 7፡19

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮይኑ ተወልደ። ኣካላዊ ቃል ምስ ሥጋ ተዋሓደ፤ ቅድምና ዘይነበሮ ሥጋ ቀዳማዊ ኣምላኽ ተባህለ፤ ብጐይትነት ዘይፍለጥ ሥጋ ብጐይትነት ተፈልጠ፡ እቲ ዘይርአ መለኮት ብሥጋ ተጋህደ። ኣምላኽ’የ ኢሉ ንዕለቱ ኣይዓበየን፡ እንታይ ደኣ ሕጊ ጠባያውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ በብንእሽቶ ዓበየ። እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ 30 ዓመት ምስ መልኦ ብኢድ ዮሓንስ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ወረደ፡፡ ነዚ ኽገልጹ ከለዉ ሊቃውንት ‘ወረደ ወልድ እምሰማያት ውስተ ምጥማቃት/ ወልድ ካብ ሰማያት ናብ ቦታ መጥመቂ ወረደ ’ እናበሉ የዝይሙ። (ዋዜማ ዘጥምቀት)

ተውሳክ፡ . . . “ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ / ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ።” ሚክ. 7፡19

በዓለ ኤጲፋንያ(አስተርእዮ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- ኣስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ። 

እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’ ዝተባህለ መን እዩ፧ እንተበልና ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ዘይርአ መለኮት ብሥጋ ተጋህደ፡ እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ ኣብ 12 ዓመት ዕድመኡ ናብ ኢየሩሳሌም በዓል ኬኽብር ከደ፣ ኣብ 30 ዓመቱ’ውን ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ተጠምቀ ተባሂልሉ፡ ሥጋ ሰብ ብምልባሱን ናይ ሰብ ባህርይ ባህሪኡ ብምግባሩን እንሆ ተራእየ፡ ንዅሉ ሰብ’ውን ተገልጸ።

ስለዚ እዚ ‘ካብ ልደት ጀሚሩ ክሳብ በዓል ኣስተርእዮ’ ዘሎ መዓልትታት በዓለ ኤጲፋንያ ወይ ከኣ አስተርእዮ እናተባህለ ዝጽዋዓሉ ቐንዲ ምኽንያት ኣምላኽና ተወሊዱ ዝተራእየሉ ስለ ዝኾነ እዩ።

ተውሳክ፡ . . . በዓለ ኤጲፋንያ(አስተርእዮ)

ግዝረት አመ ፮ ለጥር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ግዝረት አመ ፮ ለጥር

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ፈጺሙ’ዩ። ሓደ ካብ ሕጊ መጽሓፋዊ ድማ ‘ግዝረት’ እዩ። በዚ መሠረት ከኣ ከምቲ ሕጊ ኦሪት ዝእዝዞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኺግዘር፡ ካብ ዚውለድ ኣብ 8ይ መዓልቱ እግዝእትነ ማርያም ንኣረጋዊ ዮሴፍ ‘ዝገዝር ጥበበኛ ኣምጽእ’ በለቶ። እቲ ዝገዝር ሰብኣይ መጺኡ እንከይገዘሮ፡ ናውቲ ግዝረቱ መኸኸ። ከምቲ ጐይታ ልደቱ ብኅቱም ድንግልና ዝኾነ፡ ግዝረቱ ኸኣ ኢድ ሰብ ከይቀረቦ ብኣምላኻዊ ምሥጢር ተፈጸመ።

ተውሳክ፡ . . .ግዝረት አመ ፮ ለጥር

ቅዱሳን ኣቦታት ብዛዕባ ልደት ጐይታ ከምዚ ይብሉ፦

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡

ቅዱሳን ኣቦታት ብዛዕባ ልደት ጐይታ ከምዚ ይብሉ፦

* ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር፡ ብሥጋ ኣብ ዝተወልደት ኃደረ ሥጋ ተዋሓደ። ዜንድድ ሓዊ ረቂቕ መለኮት ቈርበት ሥጋ ተኸደነ። ካብ ሥዉር ናብ ገሃድ ተወልደ። እቲ ንሕፃናት ኣብ ማሕፀን ዚሥእሎም ሕፃን ኮነ። ነቲ ብርሃን ዚለብስ ብኣጭርቅቲ ጠቕለልዎ

ቅዳሴ ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ ቍ. 33

* ኦ ምስጋና ዝመልኣኪ፡ ብመንን ብናይ መን ምሳሌን ክንምስለኪ ኢና፧ ኣማኑኤል ዘይምርመር ኣለባብሳ ሥጋ ካባኺ ዝለበሰላ ማእለማ ንስኺ ኢኺ። ቅጥኑ ኻብ ጥንቲ ሥጋ ኣዳም ገበረ። ፋእሙ ኸኣ ሥጋኺ እዩ። መወርወሪኡ (መደርብዮ) ከኣ ባዕሉ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። መትንታቱ ድማ ካብ ላዕሊ ዝወረደ ሥልጣን ልዑል እግዚአብሔር እዩ። ኣላሚኡ’ውን መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ነገር’ዚ ክንደይ ዕፁብ ድንቂ እዩ! (ማቴ. 1፡20) 

 ቅዳሴ ማርያም ቍ. 29  

* ንቅድስቲ ድንግል ድማ በቲ ንዅሉ መስተንክር ዝኾነ ናይ ፅንሳ ነገር ከምዚ እናበልና ንሕተታ። ኦ ድንግል! መለኮታዊ ሓዊ ኣብ ከርሥኺ ምስ ኃደረ፡ ገጹ ሓዊ እዩ፡ ልብሱ ሓዊ እዩ፡ ክዳኑ ሓዊ እዩ፡ ከመይከ ዘየንደደኪ፧ . . . ንስኺ ንእሽቶ መርዓት ክንስኺ እቲ ብነበልባል ሓዊ ዝኸቦ ዜንጸባርቕ ኪሩባዊ መንበር ደኣ ኣብ ከርሥኺ ኣበይ ተዳለወ፧ ኣበይ’ከ ተተኽለ፧

 ቅዳሴ ማርያም ቍ.  80, 82

ተውሳክ፡ . . . ቅዱሳን ኣቦታት ብዛዕባ ልደት ጐይታ ከምዚ ይብሉ፦

ስብሐት ለእግዚአብሔር!

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና!

እቲ ዝተቈጽረ ሱባኤን ዝተነግረ ትንቢትን ፍጻሜኡ ምስ በጽሐ፡ በቲ ንሰብ ዝሃቦ ተስፋ (መጽ. ቀሌምንጦስ) ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ኣብ ቤተ ልሔም ኣብ ዝተወልደላ ዕለት፣ ብልደቱ ኵሉ ፍጥረት ተሓጐሰ። ብዙኃት ሠራዊተ ሰማይ መላእኽት ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ/ ክብሪ (ምስጋና) ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት፡ ኣብ ምድሪ’ውን ሰላም ይኹን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም’ እናበሉ ምስቶም ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት ሠሚሮም ኣመስገኑ። (ሉቃ. ፪፥፲፫/ 2፥13) “ዮም አሐደ መርዔተ ኮኑ መላእክት ወሰብእ ከመ ይሰብሕዎ ለክርስቶስ በቃለ አሚን፡ ሎሚ መላእክትን ሰብን ንክርስቶስ ምእንቲ ከመስግኑ ሓደ መጓሰ (ማኅበር) ኮኑ” (መጽ. ድጓ) ከምዝብል።
ነቲ ብባህሪኡ ክቡር ዝኾነ ኣምላኽ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት” ምባሎም ኣምላኽ ንዝኾነ ሥጋ ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ብሓድነት ምስጋናን ክብርን ይግባእ ንኽብሉ እዮም። “ኣብ ምድሪ'ውን ሰላም ይኹን” ኢሎም ምምስጋኖም ድማ ንሰብ ናፅነቱ ምእንቲ ክወሃቦ ኣብ ምድሪ ሰላምን ዕርቅን ተጀመረ፡ ተኣወጀን ተበሠረን ንኽብሉ እዩ። በዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ‘ውን ከም መላእኽትን ደቂ ሰባትን እቶም እንስሳታት ከይተረፉ “ዮም ተወልደ ቤዛ ኵሉ ዓለም፡ ዮም ተወልደ ከሣቴ ብርሃን፡ ዮም ተወልደ መድኃኔ ዓለም/ በጃ ኵሉ ዓለም ኮይኑ ብርሃን ዝህብ መድኃኔ ዓለም ሎሚ ተወልደ።” እናበሉ ብምምስጋኖም፡ ብሓፈሻ እዛ ዕለት’ዚኣ ኵሉ ፍጥረት ከም ሓደ ልቢ መኻሪ፡ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኑ ንጐይታኡን ፈጣሪኡን ዘመስገነላ ዓባይ ዕለት እያ።

ተውሳክ፡ . . .ስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195