banner

ስብሐት ለእግዚአብሔር!

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና!

እቲ ዝተቈጽረ ሱባኤን ዝተነግረ ትንቢትን ፍጻሜኡ ምስ በጽሐ፡ በቲ ንሰብ ዝሃቦ ተስፋ (መጽ. ቀሌምንጦስ) ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ኣብ ቤተ ልሔም ኣብ ዝተወልደላ ዕለት፣ ብልደቱ ኵሉ ፍጥረት ተሓጐሰ። ብዙኃት ሠራዊተ ሰማይ መላእኽት ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ/ ክብሪ (ምስጋና) ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት፡ ኣብ ምድሪ’ውን ሰላም ይኹን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም’ እናበሉ ምስቶም ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት ሠሚሮም ኣመስገኑ። (ሉቃ. ፪፥፲፫/ 2፥13) “ዮም አሐደ መርዔተ ኮኑ መላእክት ወሰብእ ከመ ይሰብሕዎ ለክርስቶስ በቃለ አሚን፡ ሎሚ መላእክትን ሰብን ንክርስቶስ ምእንቲ ከመስግኑ ሓደ መጓሰ (ማኅበር) ኮኑ” (መጽ. ድጓ) ከምዝብል።
ነቲ ብባህሪኡ ክቡር ዝኾነ ኣምላኽ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት” ምባሎም ኣምላኽ ንዝኾነ ሥጋ ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ብሓድነት ምስጋናን ክብርን ይግባእ ንኽብሉ እዮም። “ኣብ ምድሪ'ውን ሰላም ይኹን” ኢሎም ምምስጋኖም ድማ ንሰብ ናፅነቱ ምእንቲ ክወሃቦ ኣብ ምድሪ ሰላምን ዕርቅን ተጀመረ፡ ተኣወጀን ተበሠረን ንኽብሉ እዩ። በዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ‘ውን ከም መላእኽትን ደቂ ሰባትን እቶም እንስሳታት ከይተረፉ “ዮም ተወልደ ቤዛ ኵሉ ዓለም፡ ዮም ተወልደ ከሣቴ ብርሃን፡ ዮም ተወልደ መድኃኔ ዓለም/ በጃ ኵሉ ዓለም ኮይኑ ብርሃን ዝህብ መድኃኔ ዓለም ሎሚ ተወልደ።” እናበሉ ብምምስጋኖም፡ ብሓፈሻ እዛ ዕለት’ዚኣ ኵሉ ፍጥረት ከም ሓደ ልቢ መኻሪ፡ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኑ ንጐይታኡን ፈጣሪኡን ዘመስገነላ ዓባይ ዕለት እያ።

ተውሳክ፡ . . .ስብሐት ለእግዚአብሔር!

መልእኽቲ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት በዓለ ልደት!

                                                                                                                                                                                                                                                                                     

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! 

መልእኽቲ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ

ብምኽንያት በዓለ ልደት!

ክቡራንን ክቡራትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገራትን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፡ ኣብ ሓለዋን ሕንፀትን ሃገር ዘለኹም ከምኡ’ውን ኣብ ገዛን ሕክምናን እትርከቡ ሕሙማንን ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታትን ቦታን ዘለኹም ዝኸበርኩም ሕዝበ ክርስቲያን፡

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጸሓና።
‘’ወይቤሎሙ ውእቱ መልአክ ኢትፍርሁ ናሁ ይእዜ እዜንወክሙ ዓቢየ ዜና ዘይከውን ለኵሉ ሕዝብ እስመ ተወልደ ለክሙ መድኅን ዘውእቱ ክርስቶስ እግዚእ በሀገረ ዳዊት’/ እቲ መልኣኽ ድማ ከምዚ በሎም “እንሆ ንዅሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ፡ ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ’’ ከምዝብል። (ሉቃ. 2፡10)

ኣዳምን ሔዋንን ካብታ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ገነት ከይበልዑ፡ እንተበልዑ ግና ሞት ከምዝመጾም ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ተነጊርዎም ከብቕዕ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራሶም፡ ዘይሕሶ ቅኑዕ ፍርዱ ኮይኑ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ተፈርዶም። እቲ ፍርዲ ናብ ዘርኦም’ውን ተመኃላለፈ። ምስ ተነስሑ ድማ ርኅራኄኡን ፍቕሪ ወዲ ሰብን ኣገዲድዎ ቤዛ ኵሉ ዓለም ክኸውን ኃጢኣት ኵሉ ዓለም ንኽድምስስ መድኃኔ ዓለም ተወልደ። ነዚ ልደት እዚ ድማ እዩ መልኣኽ እግዚኣብሔር ዓቢይ ብሥራት ዝበሎ።

ተውሳክ፡ . . .መልእኽቲ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት በዓለ ልደት!

ሎሚ ዓመት በዓለ ልደት 28 ታኅሣሥ እዩ ዝብዕል!

ሎሚ ዓመት በዓለ ልደት 28 ታኅሣሥ እዩ ዝብዕል!

ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ በዓለ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ዓመት (ዘመነ ዮሓንስ) ኃሙስ 28 ታኅሣሥ ይኽበር። ኣብ ኣኣርባዕተ ዓመት ጳጉሜን ሽድሽተ ስለ ዝኸውን፡ ጐይታና ኣብ ማኅፀን ድንግል ዝነበረሉ ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ዝመልእ 28 ታኅሣሥ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ በዓለ ልደት ኣብ ዘመነ ማቴዎስ፡ ዘመነ ማርቆስን ዘመነ ሉቃስን 29 ታኅሣሥ ክብዕል ከሎ፡ ኣብ ዘመነ ዮሓንስ ግና 28 ታኅሣሥ ይብዕል።
                                                             ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም የብጽሓና!

                                                                              ***

እንቋዕ ናብ ጾመ ነቢያት ብሰላም ኣብጽሓና!

ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ጾመ ነቢያት እዩ። ካብ ፲፭/15 ኅዳር ክሳዕ ፳፱/29 ታኅሣሥ መዓልታት ይጽወም። ኣብ ዘመነ ዮሓንስ ግና ካብ ፲፭/15 ኅዳር ክሳዕ ፳፰/28 ታኅሣሥ ይጽወም።
ነዚ ጾመ ነቢያት ንጾመሉ ምኽንያት ቅዱሳን ነቢያት በብዘመኖም ንልደተ ክርስቶስ ብጾምን ጸሎትን ይጽበይዎ ስለዝነበሩ፡ ነዚ ተኸቲልና በዓለ ልደት ቅድሚ ምኽባርና እዚ ጾም እዚ ብኣዋጅ ክጽወም ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ሠሪዓቶ። (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭)
በዚ መሠረት ናይ ሎሚ ዓመት ፳፻ወ፰/2008 ዓ.ም. ጾመ ነቢያት ረቡዕ ፲፭/15 ኅዳር ክጅምር እዩ እሞ በረኸት ናይዚ ጾም እዚ የሳትፈና።
ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም የብጽሓና!

እንቋዕ ናብ ወርኃ ጽጌ ኣብጽሓና!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ብትምህርቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፦ ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት እቲ ካብ መስከረም ፳፮(26) ክሳዕ ታኅሣሥ ፳፭(25) ዘሎ 90 መዓልትታት ዘመነ መፀው(ቀውዒ) ይበሃል። እዚ ወቅቲ እዚ 3ተ ክፍልታት ክህልዎ ከሎ፦ ዘመነ ጽጌ፣ ዘመነ ኣስተምህሮን ዘመነ ስብከትን ይበሃሉ። ዘመነ ጽጌ ዝበሃል ካብ መስከረም ፳፮(26) ክሳዕ ኅዳር ፮(6) ዘሎ 40 መዓልትታት እዩ።        “ጽጌ” ዝብል ቃል ካብ “ጸገየ” ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፀ ኮይኑ፡ ትርጕሙ 'ዕምባባ' ማለት እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ዘመነ ጽጌ ኣብ ዓሚቕ ተመስጦ ኣትያ እትዝክሮ ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ እዩ። ኣብዚ ዘመነ ጽጌ ዝበጽሕ ስብሐተ እግዚአብሔር ' ማኅሌተ ጽጌ ' ከምኡ’ውን “ሰቆቃወ ድንግል” ዝበሃል ድርሰት ኣሎ።

                                 “ ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ”
                                                                                                                                                                                                               ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
 መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን
"ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ኸኣ ወንጌል ስበኹ" (ማር. 16፥15/ ፲፮፥፲፭)
ቅድመ ዓለም ብሓድነቱን ሠለስነቱን ጸኒዑ ብልቢ ዝሓሰቦ፡ ድኅሪ ዓለም ድማ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያት ዘናገሮ ንምፍጻም ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ፡ 3ተ ዓመትን 3ተ ወርኅን ኣብዚ ምድሪ ክሰብኽ ከሎ "ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ኸኣ ወንጌል ስበኹ" (ማር. 16 ፥15/ ፲፮፥፲፭) ክብል ሓደራን ኃላፍነትን ንቅዱሳን ሓዋርያት ሃበ። ልዕሊ ኵሉ እዚ ኃለፍነት እዚ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ተውሳክ . . .መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195