banner

ዓቢይ ጾም፡ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 28 የካቲት ክጅመር እዩ!

               “ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/ “እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ፣ ምህለላ ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14 

ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና፡ ኣብ ዓመት 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ነዞም ኣጽዋማት ኵሉ ክርስቲያን ክጾሞም ኣብ ፍትሓ ነገሥት ኣብ አንቀጸ ጾም ተኣዚዙ ኣሎ። ሓደ ካብዞም 7ተ ኣጽዋማት ድማ ዓቢይ ጾም እዩ።
ናይ ሎሚ ዓመት 2008 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም፦ ሰኑይ 28 የካቲት ክሳዕ ሰንበት ትንሣኤ 23 ሚያዝያ ግእዝ እዩ። ዓቢይ ጾም፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነተ ዓለምን ኣርኣያ ንኣና ክኾነና ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ዝጾሞ ጾም ብምዃኑ ቅዱስ ወንጌል ‘ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ’ ይብል። ማቴ. 4፡1-2
ዓቢይ ጾም፡ ሥጋን ነፍስን ዝዕረቕሉ ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ እንረኽበሉን፡ ንፍቓድ ሥጋ ብፍቓደ ነፍስ እነግዝኣሉ እዋን ስለዝኾነ፡ ጾም ክኣቱ ከሎ ብምፍራሕን ብምምራርን ዘይኮነስ፡ ብሃንቀውታን ሓጐስን ክንቕበሎ ይግባእ።
ስለዚ እዚ ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑ ዘሎ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾም ብጥንቃቐ ክንጾሞ ኣሎና።
ንዓቢይ ጾም ብሰላም ከጀምረና፡ ኣጀሚሩ ድማ ኣብ በዓለ ትንሣኤ ብሰላም ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን!

1.ኣብ ዓቢይ ጾም ዘለዉ ዓበይቲ በዓላት 2. ካብ ንኡሳን በዓላት
ሆሳዕና                 ሰንበት 16 ሚያዝያ
ደብረ ዘይት ሰንበት 25 መጋቢት
ስቅለት              ዓርቢ 21 ሚያዝያ  
ትንሣኤ                ሰንበት 23 ሚያዝያ  

                                      

እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና!

                                             እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና! 

ጾመ ነነዌ ንሠለስተ መዓልቲ ማለት ሰኑይ፡ ሠሉስን ረቡዕን ዝጽወም ኮይኑ፡ ሓሓደ ጊዜ ኣብ ወርኂ ጥሪ፡ ሓሓደ ጊዜ ከኣ ኣብ ወርኂ የካቲት ይውዕል። ናይ ሎሚ ዓመት 2008 ዓ.ም. ኣብ ወርኂ የካቲት ዝውዕል ኮይኑ ካብ ዕለት ሰኑይ 14 የካቲት ክሳዕ ረቡዕ 16 የካቲት ይውዕል። ዝጽወመሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ሰብአ ነነዌ ንሠለስተ መዓልትን ለይትን ጾይሞም፡ ካብቲ ክወርዶም ተሓሲቡ ዝነበረ መዓት ድኂኖም ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ዝተቐበሉ፣ ከምኡ ድማ ሕዝበ ክርስቲያን ነዚ ጾም እዚ ጾይምና ምሕረትን ሰላምን ካብ እግዚአብሔር ንምርካብ ዝተሠርዐ ናይ ኣዋጅ ጾም እዩ። ስለዚ ትርጕም ጾም ተረዲእናን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ኣኽቢርናን ከም ሰብኣ ነነዌ ተጠንቂቕና ክንጾሞ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምኅጸን።

                              ለለዕለቱ ዝንበቡ

1. ሰኑይ ፦ ሮሜ 2፡1-16 ፣ ያዕ. 5፡1-9 ፣ ግብ. ሓዋ. 2፡37-40 ፣ ማቴ. 12፡38-43
2. ሠሉስ ፦ 2ይ ቆሮ. 6፡1-10 ፣ 1ይ ጴጥ. 1፡6-12 ፣ ግብ. ሓዋ. 8፡18-25 ፣ ሉቃ. 11፡29-36
3. ረቡዕ ፦ ሮሜ 5፡1-9 ፣ ይሁ. 1፡20-ፍጻሜ ፣ ግብ. ሓዋ. 14፡20-ፍጻሜ ፣ ማር. 8፡10-14

 

                                       * * *


“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” ነህ. 10፡39

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም፡ ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን፡ ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር ኣቦታቶምን ዝሕነፅ ሓኒፆም፡ ዝሕደስ ኣሐዲሶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ቤተ መቕደስ ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ቃሉ እናሰምዑን ፍቓዱ እናፈጸሙን ንኽነብሩ ቃል ኪዳን ኣተዉ። ከም ሓደ ልቢ መኻሪ፡ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኖም፡ ሕልናኦም ሰቒሎም ልቦናኦም ጠርኒፎም፦ “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” በሉ። (ነህ. 10፡39)
ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ሓዲስ ኪዳን “ቤት ኣምላኽና” ዝተባህለት እግዚአብሔር ዝምስገነላ፤ ምእመናን ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙላ፤ ምሕረትን በረኸትን ትዕድል፣ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት “ ንሕና በታ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነት ሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ናይ ሓዋርያት ንኣምን” እንብላ፣ ጐይታ ብኽቡር ደሙ ዝመሥረታ፡ ሓዋርያት ዝሰበኽዋ፡ ሰማዕታት ዝተሰየፉላን ጻድቃን ዝተጋደሉላን፡ ንደቂ ሰባት ብዛዕባ ሰማያዊ መንግሥቲ እትሰብኽ ብሥራት፡ ምስ እግዚአብሔር እተራኽብ መሳልል፡ ናብ ሓቀኛ ጐደና ጽድቂ እትመርሕ መንገዲ፣ ፈልፋሊት ማየ ሕይወት፤ ርትዕትን ኣጽናፋዊትን ዘለዓለማዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን እያ።

ተውሳክ፡ . . .“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” ነህ. 10፡39

እንቋዕ ናብ በዓል ቃና ዘገሊላ ኣብጽሓና!

                          በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓደ ካብ ንኡሳን በዓላት ጐይታ ዝኾነ ቃና ዘገሊላ ብስብሓታትን ጸሎተ ቅዳሴን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ተኸቢሩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣብ ዞባ ገሊላ እትርከብ ቃና ዝገበሮ ተኣምር ምኽንያት ብምግባር ዓመት መጸ 12 ጥር ይኽበር። ዋላ እኳ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ክምህር ከሎ ብዙኅ ተኣምራት እንተ ገበረ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ መንጎ ሕዝቢ ዝገበሮ ተኣምር እዚ ናይ ቃና ዘገሊላ እዩ።

ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ ዝተገብረ መርዓ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ሓዋርያትን ተዓዲሙ ኸደ። ኣብቲ መርዓ፡ተዓደምቲ እናበልዑን እናሰተዩን ከለዉ ኣብ መንጎ መስተ (ወይኒ) ተወድአ እሞ እቶም እንዳ መርዓ ኃፈሩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሽግሮም ተመልኪታ ናብ ወዳ ለመነትሎም። ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ናይ ኣደኡ ኣማላድነት ተቐቢሉ፡ ንጽሩይ ማይ ናብ ወይኒ ብምልዋጥ ካብ ኃፍረት ኣገላገሎም። (ዮሓ. 2፡1-11)

በዚ ዝተገብረ ተኣምር ድማ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ኣምላኽነትን ከምኡ’ውን ርኅራኄን ኣማላድነትን ቅድስት ድንግል ማርያም ተገልጸ። ብዝያዳ እዚ ዘደንቕ ተኣምር፡ ዓቢይ ምሥጢርን ትርጓሜን ዝወሃበሉ ስለዝኾነ፡ ኣብ መምህራን ቀሪብና ክንሓትትን ቅዱሳት መጻሕፍት ክንምልከትን ይግባእ።

በዓል ቃና ዘገሊላ፡ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ እንሠርዖ መኣድን እንገብሮ ጽምብላትን ስም እግዚአብሔር ክንጽውዕን ከነመስግንን ከምዘለና’ዩ ዘዘኻኽር እሞ ነዚ ንምግባር ጸጋኡ የብዝኃልና፣ ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ኣይፈለየና!

                                                 ስብሐት ለእግዚአብሔር!

“ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ / ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ።” ሚክ. 7፡19

         በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ        አሐዱ አምላክ!

               

      እንቋዕ ናብ በዓለ ጥምቀት ኣብጽሓና!
           “ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /

          ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ። ”                ሚክ. 7፡19

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮይኑ ተወልደ። ኣካላዊ ቃል ምስ ሥጋ ተዋሓደ፤ ቅድምና ዘይነበሮ ሥጋ ቀዳማዊ ኣምላኽ ተባህለ፤ ብጐይትነት ዘይፍለጥ ሥጋ ብጐይትነት ተፈልጠ፡ እቲ ዘይርአ መለኮት ብሥጋ ተጋህደ። ኣምላኽ’የ ኢሉ ንዕለቱ ኣይዓበየን፡ እንታይ ደኣ ሕጊ ጠባያውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ በብንእሽቶ ዓበየ። እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ 30 ዓመት ምስ መልኦ ብኢድ ዮሓንስ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ወረደ፡፡ ነዚ ኽገልጹ ከለዉ ሊቃውንት ‘ወረደ ወልድ እምሰማያት ውስተ ምጥማቃት/ ወልድ ካብ ሰማያት ናብ ቦታ መጥመቂ ወረደ ’ እናበሉ የዝይሙ። (ዋዜማ ዘጥምቀት)

ተውሳክ፡ . . . “ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ / ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ።” ሚክ. 7፡19

በዓለ ኤጲፋንያ(አስተርእዮ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- ኣስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ። 

እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’ ዝተባህለ መን እዩ፧ እንተበልና ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ዘይርአ መለኮት ብሥጋ ተጋህደ፡ እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ ኣብ 12 ዓመት ዕድመኡ ናብ ኢየሩሳሌም በዓል ኬኽብር ከደ፣ ኣብ 30 ዓመቱ’ውን ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ተጠምቀ ተባሂልሉ፡ ሥጋ ሰብ ብምልባሱን ናይ ሰብ ባህርይ ባህሪኡ ብምግባሩን እንሆ ተራእየ፡ ንዅሉ ሰብ’ውን ተገልጸ።

ስለዚ እዚ ‘ካብ ልደት ጀሚሩ ክሳብ በዓል ኣስተርእዮ’ ዘሎ መዓልትታት በዓለ ኤጲፋንያ ወይ ከኣ አስተርእዮ እናተባህለ ዝጽዋዓሉ ቐንዲ ምኽንያት ኣምላኽና ተወሊዱ ዝተራእየሉ ስለ ዝኾነ እዩ።

ተውሳክ፡ . . . በዓለ ኤጲፋንያ(አስተርእዮ)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195